Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እንታይ’ዩ ወሪዱኩም ጳጳሳት ኤርትራ፡

ቅዱሳት ተባሂልኩም ተቐቢእኩም፡ተዋሂብኩም ሓደራ፡

እንታይ ኣስፈረኩም ኣብ ድሕሪት ከም ጭራ?

መንፈስኩምን ስጋኹምን ተቓሊሰን፡ስጋኹም ንመንፈስኩም ምስ ሰዓራ፡

ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዝዝክሮ 18 መስከረም 2001 ኣብ ሃገርና ኤርትራ መራሒ ጉጅለ ስርዓት ህ ግ ደ ፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ላዕለዎት ሰበስልጣን ናይ መንግስትን ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ወነንትን ኣሳናዳእቲ ናይ ብሕቲ ጋዘጣታትን ተመሃሮ ዩንቨርስትን ኣሲሩ ካባ ዲክታተርነት ዝኣወጀሉ ዕለትዩ;

 

መጀመርታ ከም ባህሊ ሕዝቢ ኤርትራ ካብ መዋእላት እትፍለጥ፤ ናይ ሓዲሽ ዓመት ጀማሪት ወርሒ ምዃና  ብዘይ እቶም ጸረ ሕዝብናን ሀገርናን ዝኰኑ ጉጅለ ሽበራን  ዓመጽን ኲሉ ዝፈልጦ ንጹር ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ከአ ናይ 2002 ዓ.ም.ግዕዝ ርሑስን ቅዱስን፤ ዓመተ ፍቕርን ሰላምን፤ዓመተ ፍትሕን ርትዕን ዝዕንብበሉን ክኾነሉ ንሕዝብና ልባዊ ትምኒትናን  ማኅበራውን ሀገራውን ሀንቀውታናን  ንገልጸሉ።

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ኮሎምበስ ን 19 መስከረም 2009 በኣጋጣሚ መበል 8ይ ዓመት ብግልጺ ማሕዩር ሓርበኛታት ተቃልስቲ ኣንጻር ምልኪ-ዝተቃወሙ 11 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ቦኽሪ ልሳን ህዝቢ ዚኾኑ ተባዓትን ንጹሃትን ጋዜጣኛታት ዝተሓየሩሉ ማዓልታት ብሙኻኑንን በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ወርሒ መስከረም- ኣደ ብረታዊ ተጋድሎናን ሰለዝኾነት ንመበል 48 ዓመታ ንምብዓልን ንምጽንባል….

 እዚ ዛጊት ረኺብናዮ ዘለና ኣስማትን ትውልዲ ዓድን ናይቶም ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ክብሉ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 2009 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 75 ኤርትራውያን  ግዳያት ህልቂት ምሉእ ከምዘይኮነ እናኣዘኻኸርና፡ ዝተማለአ ሓበሬታ ዘለኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።

ብሃንደበታዊ ሞት ተመስገን ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ወዱ ንደራስን ናይ ታሪኽ ተመራማርን ተጋዳላይ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንኣለምሰገድን ብዓልቲ ቤቱን ኩሎም ቤተሰብን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ፋሕ ኢልና እንርከብ ተማሃሮ ቤትምህርቲ ሰውራ ነበርን ፈተውትን

READ MORE


ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ሓቲቶም ዝደሓኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ (8 መስከረም 2009) ናብ ሊብያ ተመሊሶም ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እቶም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ከምዝሓተቱ ብመንገዲ ኣሰና ዝሓበርናኩም 90 ኤርትራውያን ናይ ህይወት ኣድሕን ጻውዒቶም ኣንታዊ ምላሽ ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ንምርድኦም ብሓለዋ ባሕሪ ዝተኻየደ ስርሒት ሎሚ 8 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ተዛዚሙ፡ ከምዝደሓኑ ካብ ዓዲ ጥልያን ዝረኸብናዮ ኣፈናዊ ኣፍሊጡ።

ማሕበር ኤርትራዉያን መንእሰያት ንለውጢ(ኤመለ) ብውሑዳት በጻብዕቲ ዝቑጸሩ መንእሰያት እዩ ዓሚ ከምዚ ሕጂ ተመስሪቱ። ነዚ ማሕበር ዝመስረትና ሰባት ኩልና ራእይ ኔሩና ። ራእይና ከም ናይ ህግደፋውያን ኤርትራ ናብ ሲንጋፖር ምቕያር ዘይኮነስ ራእይ ብቕዋም ትምሓደር ኤርትራ። ጫማኻ ማዕረ እግርኻ ከምዝብልዎ እቲ ራእይኻዉን ጠገለ ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ።

ካብቶም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምጽዋዕ ንስርዓት ህግደፍ ንዝተቓወሙ ኣባላት ጉጅለ 15 ኣብ ብሕታዊ ጋዜጣታት ብምእንጋዶም ብ23 መስከረም 2001 ተኣሲሮም ኣብ ምስጣራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኣርባዕተ ከምዝተሰውኡ ካብ ኤርትራ ብዝተረኽበ ሰነድ ተረጋጊጹ። (ሰነዳት ቀሪቡ ‘ሎ)

ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ብዘይካ ሓደ ነገር ዘለዋ የብላን። ባይቶ የልቦን! ተቓወምቲ ሰልፍታት ወይከ! ቤት ፍርዲ ኣበደን! ልዕሊ ኹሉ ፕረስ ወይ ከኣ መራኸቢ ብዙሃን ሽታ ማይ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዛ ብናፍቖትን ጥምየትን ናይዚ ኹሉ ጸጋታት ማሲና ዘላ ሃገርና ግን ሓደ ህጣራ ነገር ኣሎ። ውልቀመላኽነት። “እንኮን ዓኮን”!


            ክቡር ህዝበይ ደቂ ዓበይቲ ደቂ ዎራዙት

            ኣይተረአን ድዩ ናብ ህዝቢ ዝወረደ መዓት

            ሃይባ ንጠርንፍ ንዕለዎ ነዚ ኣረመኔ ስርዓት

            ብቑጠባ ንሕነቆ ንኾንኖ ንሓሶት ኣኽባታት


ኣስታት 150 ኣባላት ዝሓዘት ኣሃዱ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምስ መራሕ ሓይላ ዝሓለፈ ሰኑይ 31 ነሓሰ ብምሉኣ ሱዳን ኣትያ ኢዳ ከምዝሃበት ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።


90 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ኩነታት ከምዝርከቡ፡ ሓደ ካብኣቶም  ሎሚ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ኣብ ነርወይ ንዝረክቡ ቤተሰቡ ቴሌፎን ብምድዋል ርድኡና ክብል ጸዊዑ ኣሎ። 

ኣብ ሽወደን ን6 ዓመት ከምዘይሕጋዊ ስደተኛ ክቕመጥ ዝጸንሐ ወዲ 28 ዓመት ተስፋልደት ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣስታት 1. 2 ሚልዮን ክሮነር ሽወደን ወይ ድማ ኣስታት 170 ሽሕ ዶላር ዕጫ ሎቶሪ በጺሑዎ፡ ነዚ ብጽቡቕ ዕድሉ ዝረኸቦ ዓወት ክቕበል ሎሚ 5 መስከረም ኣብ ቴለቪዥን ከምዝቐረበ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

By Jens Hansegard

STOCKHOLM (Reuters) – An illegal immigrant who scored a big win with a lottery scratch card in Sweden appeared on television on Saturday to collect his winnings even though authorities have been trying to deport him.
Tesfaldet Tesloy, a 28-year-old Eritrean who has lived in the immigrant-friendly Nordic country for six years, won a tax-free prize of 1.2 million Swedish crown ($166,300).

By Jens Hansegard

STOCKHOLM (Reuters) – An illegal immigrant who scored a big win with a lottery scratch card in Sweden appeared on television on Saturday to collect his winnings even though authorities have been trying to deport him.
Tesfaldet Tesloy, a 28-year-old Eritrean who has lived in the immigrant-friendly Nordic country for six years, won a tax-free prize of 1.2 million Swedish crown ($166,300).

ሎሚ ቕኔ ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ኤርትርያውያን ዝወረዶም ዘሰክሕ ኩነታት ዘሕመሞምን ዘሰምበዶምን ዘጉሃዮምን ካብ 200 ምእቲ ዝበዝሑ እርትርያውያን ካብ ዘሓለፈ ሰምበት ዕለት 8/30/2009 ኣትሒዞም ን4መዓልቲ ኣብ ኢንተርነት ዝርካብ መራኸቢ ቡዙሃን Paltalk Room: Eritrea no Fara ተኣኪቦም “እንታይ ኢና እንገብሮ ብኸመይ” ዝብል ዛዕባ ሒዞም ንነዊሕ ስዓታት ገፊሕ ዘተን ዘድሊ መጽናዕትን ኣካይዶም ትማሊ ሓሙስ ዕለት 3 ወረሒ 9/2009 ኣሰታት ካብ 250 ዝበዝሑ ኤርትራውያን “ማሕበረኮም መንእሰያት ኤርትርያ (ማ.መ.ኤ)” ዊን ድማ “Eritrean Youth Self-help Association (EYSA)”ዝብል መጸዋዕታ ሒዝና ኣብ ዘዘለናዮ ሃገርን ከተማታትን ንመስረት ኣብ ዝብል ሓፈሻዊ ምርድዳእ በጺሖም:: ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ ስዊሰ ዱሮ ተኣኻኺቦምን ኣብ ምንዳይ መአከቢን መራኸቢን ቦታ ከም ዘለዉ ሹዑ ምሸት ኣፍሊጦም::

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ነታ፡ ብዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ተጻሒፋ፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ መሰልና፡ ብመሮን ኢስቲፋኖአስ ዝተነበበት፡ „ዘይጎነጻዊ ኣግባብ ቃልስን መኸተ ኣንጻር ኤርትራዊ ምልክን“፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለት  ጽሕፍቲ፡ ምስ ሰማዕክዋ፡ እቲ ትሕዝቶ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝጋጮን ሓሳባት ምዃኑ ክግንዘብ ምስ ካኣልኩ እዩ።

– ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልዑል ቀዳምነት ሂቡ ዘትዩሉ።

– ሓይልታት ጸጥታ ምስሪ ኣብ ዶብ ምስርን እስራኤልን ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ተጓዓዛይ ስደተኛ ክቐትሉ ኸለዉ ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ከቢድ መውጋእቲ ከምዘውረዱላ ሮይተርስ ሓቢሩ።

– ሪፖርትተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብጸላእቲ ነጻ ፕረስ ዝኾኑ መንግስታት ሓያለ ጋዜጠኛታት ዓለም ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ” ይብል።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ገለ ተሓባበርቲ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራሻይዳ፡ ብውሑድ ገንዘብ ናብ እስራኤል ከነስግረኩም ኢሎም ብምትላል ካብ ሱዳን ድሕሪ ምብጋስ ኣብ ምድረበዳ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ምስ በጽሑ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ገንዘብ ክኸፍሉ ብማረምትን ማእሰርትን ሓዊ ምንዳድን የገድዱዎም ኣለዉ። እዞም ሞቶም ዝብሃሉ ዘለዉ ሰለስተ መንእሰያት ከኣ ግዳያት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ እዮም።

ብመምህር ተስፉ ዘውደ።

መልሲ ክህበሉ ኣድላይ ኮይኑ ኣይተራእየንን። ብሓፈሽኡ ንኣንበብትን ተዓዘብትን እገድፎ። ኣብቲ ወፍሪ ባርነት ዝብል ጽሑፍ ናይ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ዝቐዳሕክዎ የለን። መሰል ደራሳይ (copy right) ንመላእ ትሕዝቶ ናይ ደራሲ ደጊመ እንተ ዝጽሕፎ ኣበሃህለኻ ልክዕ ክኸውን ምኸኣለ። ይኹን እንበር ኣነ ባርነት ናይ መስፍናዊ ኣገላልጻ ባርያን ጭዋን ዝብል ናይ ትውልዲ ልዑልን ትሑትን ኣምር ዝያዳ የስምዕ። ብኣጋላልጻና ጭዋ ኮይኑ ጊላነት ግን ናብ ምምዝማዝ ገጻ ዝያዳ ተዘንብል። ሕጂ ኣብ ናይ ቃላት ኣተራጉማ እንተዘይ ነድህብ ዝሓሸ ነይሩ ይመስለኒ።

ድሕሪ መሪር ናይ ሳላሳ ዓመት ደማዊ ኩናት ኤርትራ ነፃ ወፂኣ። ኩሉ ንነፃነት ኤርትራ ዝተቓለሰ ድማ ብነፃነት ተደቢሱ። ድሕሪ ነፃነት ኣብ ኤርትራ እንታይ ተሪፉና እንተ ኢልና ህዝቢ ኤርትራ ተሰማሚዑ ዘፅደቆ ቅዋም ተግቢርካ ፤ስልጣን ንህዝቢ ኣረኪብካ፤ በቲ ሕጊ መሰረት ሰልፍታት ኣቒምካ፤ ዝተዓወተት ሰልፊ ሃገር ክትመርሕ’ዩ ዝፅበየና ዘሎ ። ነዚ ንምትግባር ድማ ነቶም ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ ንሰላም ስለዝተሓረሙዋ ኣድላይ እንተኾይኑ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ወፃእን ኣብ ውሽጥን ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን ጎነፃዊ ስጉምቲ ከካይድ ይኽእል። ሰራዊት ኤርትራ ኣካል ናይቲ ውጹዕ ህዝብናን ደላይ ለውጥን’ዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ሰራዊት ዘይተደለየ ስጉምቲ ምውሳድ ግን ነቲ ስርዓት መሻደኒኡ’ዩ።

ብኢሳያስ ኣስፍሃ

ዝኸበርካ መምህር ተስፉ ዘውደ ኣቐዲመ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስሎ ዘለኻ ሃገራዊ ዕማም ምሉእ ጥዕናን ዓወትን እምነየልካ።
ዝኸበርካ መምህር ተስፉ ዘውደ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጀመርካዮን ክሳብ ሻቡዓይ ክፋል ዝበጽሕ ተኸታታሊ ጽሑፍካ እከታተሎ ኣለኹ። ትሕዝትኡን ኣቀራርmበኡን ብዘየገድስ ኣንጻር’ቲ ዓማጽን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኽእል ፈጺመ ኣይጠራጠርን። እንተኾነ ግን ኣብ መሪጽካዮ ዘለኻ ኣርእስቲ ጽሑፍካ ኣይግድን! ከመይሲ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ( ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ወፍሪ ጊላነት ) ዝብል ዘሎ ካብቲ ብተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ብተኸታታሊ ዝቐርብ ዝነበረን ንባህርያት ስርዓት ህግደፍ ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ዝተንተነን ዘቃልዐን ከም ውጺኢቱ ኽኣ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተማህረሉን ንኽቃለስ ዘለዓዓለን ጽሑፍ ( ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ወፍሪ ባርነት) ዘፍልዮ እንታይ’ዩ? ነታ ባርነት እትብል ቃል ጊላነት ስለዝቐየርካ? ኣይፋልካን ዓገብ! መምህር ተስፉ። ጊላነት ማለት እኮ ባርነት ማለት’ዩ።

ዓርቢ, ለት 28 ነሓሰ 2009 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ 1 ገጽ  ሕታማ (ኣብ 311) ኣብ /// ኢትዮጵያ ንዘሎ ዓሌትነት ብምቅዋም፣ ክልተ መራሕቲ ሃይማኖት ናብ ኤርትራ መጺኦም ክትብል ሓበሬታ ጽሒፋ’ላ

ሰራዊት ሲሪላንካ ንብረት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብመንግስቲ ናይታ ሃገር ዝተሳዕረ ምንቅስቃስ ‘ታሚል ታይገርስ’ ዝኾና 12 ነፈርቲ ውግእ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓቝበን ከምዘለዋ ምግላጹ ‘ቮይስ ታሚል’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።