Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Our sources have informed us that on July 24, 2011 Mr. Yemane Ghebreab special advisor to the Eritrean president and Mr. Osman Saleh Eritrea’s Foreign Minister held unpublished (by invitation only) town hall meeting at Colombia University in New York city for about 60 plus Eritrean regime supporters 40 from NY area and the remaining 20 plus from various states.


ምንጭታትና ካብ ኒውዮርክ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ሃገርኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዲያት ሓላፊ ኣቶ ዐስማን ሳልሕን ብዕድመ ጥራይ ዝጸውዑዏ ፍሉይ ኣኼባ ናይ ኣባላትን ተሓባበርትን ህግደፍ ኣብ ኮሎምቢያ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣካይዶም።

 

ኣብ ኣቡጃ ብኢሚግሬሽን ናይጀርያ ታሒዞም ናይ ምስጓጕ ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታትን ግዱሳትን ካብ መስጎግቲ ከድሕኑዎም ደገፍ ይሓቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

Michael Abraha

The UN Security Council appears inclined to impose additional targeted sanctions on Eritrea amid accusations that like Al Shabab in Somalia, the PFDJ regime might be hiding information on famine in the country. Additional sanctions banning or restricting revenues from mining would reaffirm international fear that the regime would spend the money on illegal weapons to “destabilize” the Horn Region instead of feeding its people.

 

ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ኣብቲ ‘ዋርሳይ ይከኣሎ’ ተባሂሉ ብህግደፍ ዝጽዋዕ መዓስከር ክመሃሩ ካብ ዝጸንሑ ትሕቲ ዕድመ ተማሃሮ ፡ እቶም ኣብ መርመራ ዝተረፉ ናብ ሰራዊት ክምደቡ ምዃኖም ምስ ተሓበሮም፡ ኣዋልድን ኣወዳትን ዝርከቡዎም ዛጊት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ዓሰርተታት መንእሰያት ጃምላዊ ነብሰ-ቅትለት ፈጺሞም ከምዝሞቱ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ሎሚ 26 ሓምለ ኣብ ዘውጻኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ሱዳን ንኣህጉራውን ናይ ሱዳንን ሕግታት ብምጥሓስ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ብምስጓጉ ብትሪ ኮኒኑ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ፡ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራ ሃገራት እገዳ መገሻ ዝተገብረሎም ከምኡ ‘ውን ህጹጽ ኣዋጅ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ስልጣን ኣመሪካ ዝውግዞም ወጻእተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ኣዋጅ ከምዘውጽአ ካብ ‘ዋይት ሃውስ’ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣገንዚቡ።

UNICEF ዘይውህስነት መግቢ ብዘስዓቦ ድኽነት ንዝተጠቕዑ 1.5 ሚልዮን ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ዓጸቦ ብዘስዓቦ ጉድለት መኣዛታት ተጎዲኦም ንዘለዉ ህጻናትን ኣዴታትን ንምሕጋዝ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ካልኦት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መሻርኽቱን ተሓጋጊዙ ይሰርሕ ከምዘሎ ካብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብ 183 ሃገራት ዓለም ንስሉጥነትን ምችኡነትን ቢዝነስን ዋኒናትን ተኸታቲሉ ርትዓዊ ግምጋም ዝህብ Doing Business ዝብሃል ፕሮጀክት፡ ኤርትራ ካብ 183 ሃገራት መበል 180 ከምእትስራዕ ሓቢሩ።

 

ተኽለኣብ ሃይለ ዝተባህለ ኣብ ማያት ማልታ ካልእ ሰብ ከድሕን ኣብ ባሕሪ ብድንገት ዝዓረፈ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብዘርኣዮ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ መንፈስ ብጅግንነት ከምዝተናኣደ ምልታ ታይምስ ገሊጹ።

 

ተኽለኣብ ሃይለ ዝተባህለ ኣብ ማያት ማልታ ካልእ ሰብ ከድሕን ኣብ ባሕሪ ብድንገት ዝዓረፈ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብዘርኣዮ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ መንፈስ ብጅግንነት ከምዝተናኣደ ምልታ ታይምስ ገሊጹ።


2003 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ምስ ሓተትኩ ድሕሪ ቁሩብ ግዝያት’ዩ ምስ ሓደ ኣብ ሜዳ ጽቡቕ ገይረ ዝፈልጦ ብዓል መዚ ስርዓት ህግደፍ ተራኺብና። ክዕወት ‘የ ዝብል ትጽቢት ዝነበሮ ኳ ኣይመስለንን፡ ብዝኾነ ግን ፈተነኡ ናብ ኤርትራ ተመሊሰ ንህግደፍ ከገልግል እዩ ነይሩ።

 

ዒስራን ሰለስተን (23) ኣባላት ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ብ21 ሓምለ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኢዶም ከምዝሃቡ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ሓቢሩ።

ለ) ምብታኽ ዝምድና ኤሪስታስ (ኤርታራ) ምስ ማሪታይም (ኢትዮጵያ)።

ንግድና ልማት የካቲት 1989 ብግእዝ።

ንግድና ልማት ዝተባህለት ጋዜጣ – ቤት ምኽሪ ነጋዶ ኣዲስ ኣበባ (ቻምበር ) ሕታም የካቲት 1989 (ብግእዝ) ከምዝገለጸቶ፣ ብናይ ቻምበር ጻዕሪ፣ ሓለፍቲ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ዝነበሩ ሰበስልጣን-ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምዕዳም ምስ ኣባላቱ፣

 

ሃብቶም ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ሓሙሽተ ክፍለዓለማት ኣቋሪጹ ንዝፈጸሞ ጉዕዞ ስደት እንተአንቱ ምጽሓፍ ብምድራስ ንሕትመት ኣብቂዑዋ። እታ መጽሓፍ፡ እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ሓዱሽ ቤት ከጣይስ ኣብ ዘካየዶ ናይ ዓመታት ጉዕዞ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝረኸቦም ሰባት ንዘርኣዩዎ ጽንዓትን ትብዓትን ዘንጸባርቕ ዛንታታት ዝሓቖፈት እያ።

መሰል ኤርትዊ ዜጋ

ርሑቕ ከይከደና ካብ ኣቲናዮ ዘሎና ኩነታት ክንመሃሮ እንኽእል፡ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ባህርያት ናይ መሰል ሕቶ ኣሎ። ልክዕ ከም ኣካላት ሓንቲ ገረብ ካብ ሕድ-ሕዶም ተነጻጺሎም ክነብሩ ዘይክእሉ፡ ሓንቲ ፖለቲካዊ መሰል ከኣ፡ ካብቶም ዝተረፉ መሰላት ንበይና ተፈልያ ክትረጋገጽ ኣይትኽእልን እያ።

 

ኣቶ ምስግና ገብረትንሳኤ ዝተባህለ ኣቦ 5 ቆልዑ፡ ኤርትራዊ ኣማኒ ጅሆባ፡ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቱ፡ ንሰለስተ ዓመታት መመላእታ ኣብቲ ዊዓ ዝብሃል ግኑን ቤትማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ንሰለስተ ዓመት ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ብ19 ሓምለ 2011 ከምዝዓረፈ ምንጭታት ሓቢሮም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሶማልያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው መግቢ ደርቂ ምዃኑን በቲ ሓደጋ ጥምየት ሚልዮናት ህዝቢ ተጠቒዑ ከምዘሎን ሎሚ 20 ሓምለ ብወግዒ ገሊጹ።

 

ኢጋድ ፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር፡ ናይ ስርዓት ለውጢ ሓላፍነት ህዝቢ ናይታ ሃገር ምዃኑ ብመትከል ይኣምን። ሃገራት ኢጋድ ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኣብ ስልጣን ክህሉ ከምዘለዎ ክመርጻ ‘ውን መዝነት የብለንን። ይኹን’ምበር፡ ንሰላምን ምርግጋእን ብ ህውከትን ሽበራን ንምዝራግ ካብ ዝተዓጥቀ ጎረቤት ዘየቋርጽ ስግኣት ክገጥሞም ከሎ፡ ንመንግስታት ሃገራት ኢጋድ ግድል ከምዝኾኖም ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

 

ቱኒዝያ፡ ሓምለ 20 (UNHCR) ፊልሞን ኣብ ኤርትራ እዩ ተወሊዱ። ካብ ሃገሩ ክርሕቕ ብሂጉዎን ሓሊሙዎን ከምዘይፈልጥ፡ ልቡ ኣብ ኤርትራ ከምዘላ ይዛረብ። እንተኾነ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንሱን ስድራቤቱን፡ ኣብ ነፋሪት ተሳፊሮም ሓድሽ ህይወት ንምጅማር፡ ካብ ኤርትራ ናብ በልጅም ብምምራሕ፡ መሊሶም 5 ሽሕ ኪሎሜትር ርሒቖም።

 

እቲ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ናበናይ ዝተሓላለኸ ከቢድ ዓዘቕቲ ሸሚምዎ ምህላው፡ ኣብዚ ህሞት ካብ ማንም ጥዑይ ስነኣእምሮ ዘለዎ ዜጋ ዝተሰወረ ክውንነት ኣይኮነን።

 

ኣብ ስቴት ዲፓርትመንት ኣመሪካ ተሓጋጋዚ ሰክረታሪ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሚስተር ጆኒ ካርሰን፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጋሂዱ ዘሎ ሕሱም ደርቂ ኣልዒሉ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ጻዕሪ ንምግላጽ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡መንግስቲኤርትራ’ ንኩነታት መግቢ ብዝምልከት ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሓበሬታ ክህብ ኣጥቢቑ ኣተሓሳሲቡ።