Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድምጺ ኣሰና ነቲ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓምዲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት ሃገርና ንምግምጋም ዝጀመረቶ ሓባራዊ ዘተ ንቐዳም 21 ግንቦት ‘ውን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከተካይዶ ምዃና ንተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ትሕብር።

assennaድምጺ ኣሰና ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ተመክሮ ሃገርና ኣብ ኩሉ መዳያት ንምግምጋም፡ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝጀመረቶ ፍሉይ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ጽባሕ ቀዳም 14 ግንቦት፡ ኣብ ኣትላንታ፡ ‘ናጽነት ሃይማኖት’ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ክትድህስስ እያ።

Mአድንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ 400 ንጹሃት ኤርትራውያን ዝተዳለወ መደብ ንቐዳም 23 ሚያዝያ ኣብ Handworth Park B21 ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ ሰዓት 6፡00 -8፡00 ምሸት እዩ።

milanኣብ ወርሒ ነሓሰ 2009 ዳርጋ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪክ ማሕበራት ውልቀ ዜጋታትን ዝተሳተፍዎ፣ሰፊሕ ዋዕላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ከምዝነበረ ኩሉ ዝዝክሮ ኢዩ።

Conferenceመቐጸልታ ኣኼባና ንሰንበት ዕለት 27 መጋቢት 2011 ኣብ ሽታይን ስትራስሰ 23 ንሰዓት 15፡00 ተቖጺሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ኣኼባና ብዛዕባ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብኡ ዝተበጽሐ ስምምዕን ተመርኲሱ ንዝቐርብ ካልእ ኣድላዪ ዝበሃል ጉዳያት ዝምልከት ሕቶታትን ክበርህ እዩ።

Waelaከምቲ ኩላትና ዘይንስሕቶ ብሰኪ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ዝከፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ምህላው መግለጺ ዘድልዩ ሓተታ ኣይኮነን።

Conferenceዝኸበርክን ደለይቲ ለዉጢ፤ ፍትሕን ደሞክራስን ደቂ-ኣንስቲዮ ኤርትራ ተቀማጦ መልበርንን ከባቢኣን፣

Lon Angelesህዝባዊ ሽማግለ ተቐማጦ ሎስ ኣንጀለስ ቀዳም 30 ጥቅምቲ 2010 ንኻልኣይ ጊዜ ብምእካብ ኣቦ መንበርን፡  ምኽትልን፡ ዋና ጸሓፍን ከምኡውን ናይ ሓላፊ ሜድያን ሓበሬታን፡ ጉዳያት ፋይናንስን፡ ስርዒታውን፡ መጽናዕተ-ቅዋማውን ጉዳያትን፡ ንኡሳን ሽማግለታትን መሪጹ።

Kolnኣብ ጀርመን ከተማ ከለን ከባቢኣን ዝርከቡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን፡ ንታሪኻዊት ዕለት ናጽነት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብድምቀት ንምብዓል ምሽብሻብ ንገብር ኣለና።

ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ምምህር ተስፉ ዘውደ፡ኣብ ህለው ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ዞባናን ኣመልኺቱ ሰፊሕ ብመርትዖ ዝተሰነየ ምግለጺ ክገብር ኢዩ። ምምህር ተስፉ ከም ገዲምን ምኩርን ተጋዳላይ መጠን፡ንታሪክ ሰውራ ኤርትራ ኣመዓባብልኡን ኣብ ጉዕዞ ሰውራታት ዘጋጠመ ፍጻሜታት፡ብጠቅላላ ቅድምን ድሕርን ናጽነት፡ብፍላይ ድማ ነዚ ህዝብና ገጢምዎ ዘሎ ተርክቦ፡መብገሲኡን ኣመጻጽእኡን፡ብኸምይ ምፍትሒ ከምዝርከቦ ብዕምቆት ክድህስስ ኢዩ።

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ኮሎምበስ ን 19 መስከረም 2009 በኣጋጣሚ መበል 8ይ ዓመት ብግልጺ ማሕዩር ሓርበኛታት ተቃልስቲ ኣንጻር ምልኪ-ዝተቃወሙ 11 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ቦኽሪ ልሳን ህዝቢ ዚኾኑ ተባዓትን ንጹሃትን ጋዜጣኛታት ዝተሓየሩሉ ማዓልታት ብሙኻኑንን በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ወርሒ መስከረም- ኣደ ብረታዊ ተጋድሎናን ሰለዝኾነት ንመበል 48 ዓመታ ንምብዓልን ንምጽንባል….

ኤርትራዊ ሲቪካዊ ማሕበር ስኒት-ሰላም ፍራንክፎርት ስሩዕ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ብዕለት 04.07.2009 ብዓወት ኣሰላሲሉ። ጉባኤ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ማሕበር ከንጣጠፈሎም ዘለዎ መደባት ድሕሪ ምሕንጻጽ ሓድሽ መሪሕነት መሪጹ ብዓወት ደምዲሙ። 

ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ጀጋኑና ሓቢርና ንክንዝክርን መዓልቶም ንኸነኽብርን፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጢ እዚ ከባቢ ብኣኽብሮት ይዕድም።