Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Fish PFDJትማሊ 6 ሕዳር ‘ደሃይ ካብ ኤርትራ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብልሽውና ክሳብ ክንደይ ሳዕሪሩ ከምዘሎ ጠቒስናልኩም። ሎሚ ድማ ከም ኣብነት ናይዚ ሕማም’ዚ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ ዝተኸስተ ጉዳይ ነቅርበልኩም።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ኖርዝ-ካሮላይና ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ኣስታት 2 ሽሕ ዶላር ብምውጻእ፡ ኣብ ቀጻልነት ድምጺ ኣሰና ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም።

ኣብ ሽወደን ን6 ዓመት ከምዘይሕጋዊ ስደተኛ ክቕመጥ ዝጸንሐ ወዲ 28 ዓመት ተስፋልደት ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣስታት 1. 2 ሚልዮን ክሮነር ሽወደን ወይ ድማ ኣስታት 170 ሽሕ ዶላር ዕጫ ሎቶሪ በጺሑዎ፡ ነዚ ብጽቡቕ ዕድሉ ዝረኸቦ ዓወት ክቕበል ሎሚ 5 መስከረም ኣብ ቴለቪዥን ከምዝቐረበ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

Cafe

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ብጥምየትን ድኽነትን ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸማጢጡ ካብ ዘዋህለሎ ቢልዮናት ዶላራት፡ ብኸፊል፡ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈታት፡ በቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ዝተመልመለ ፍሉይ ኣሃዱታት ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብረለን ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ዝሕለበሉ ዘሎ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ በቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ) ኣቢሉ፡ ካብ ንግድን እንዳስትሪን ቻይና ናብ ፉቦን ባንክ ሆንግ ኮንግ፡ 276,468,220.07 ዶላር ብምትሕልላፍ፡ መሐወሊ ናይ ባንክ 149,292.84 ዶላር ከምዝኸፈለ፡ ነቲ ናይ ምትሕልላፍ ሰነድ ምርኩስ ብምግባር ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምንጭታትና ሓቢሮም።

 

 

NKFባጤራ ናቕፋ ብፍላይ ካብዚ ቐረባ እዋት ጀሚሩ ኣዝዩ ብምንቍልቋል፡ ኣብ ጸሊም- ዕዳጋ ብመንጽር ሓደ ዶላር 44 ናቕፋ፡ ብመንጽር ሓደ ፓውንድ ስተርሊን ከኣ 53 ናቕፋ ይሽረፍ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Nኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ መጥን ሸርፊ ዶላር ብ መንጽር ናቕፋ ብ 50% ከም ዝወሰኸ ምንጭታት ሓቢሮም። በዚ መሰረት፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዋጋ ሓደ ዶላር ኣሜርካ ኣብ መንጎ 19ን 21 ክገላበጥ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ 28 ክብ ኢሉ ኣሎ። ዋጋ ናቕፋ ብ መንጽር ኤሮ ድማ ናብ 39 ደይቡ።