Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Maereba እቲ ዒብ ዘይብሉ ነውራም ስርዓት ህግደፍ፡ መብዛሕትኦም ድርብ ደቆም ንዝተሰውኡዎም 57 ገባሮ ማዕረባ ኣምሳያ ‘ቶም ካብ ስርዓቱ ዘመለጡ ደቆምን ደቂ ደቆምን 50 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ የገድዶም ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣብ ቅነ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ናብ ኤርትራ ክገሹ መዲቦም ዝነበሩ ኣብ ኣመሪካን ጀርመንን ዝምቕማጦም 2 ሽሕ ኤርትራውያን ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ እገዳ መደብ መገሻኦም ከምዝሰረዙዎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ኖርዝ-ካሮላይና ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ኣስታት 2 ሽሕ ዶላር ብምውጻእ፡ ኣብ ቀጻልነት ድምጺ ኣሰና ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም።

ኣብ ሽወደን ን6 ዓመት ከምዘይሕጋዊ ስደተኛ ክቕመጥ ዝጸንሐ ወዲ 28 ዓመት ተስፋልደት ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣስታት 1. 2 ሚልዮን ክሮነር ሽወደን ወይ ድማ ኣስታት 170 ሽሕ ዶላር ዕጫ ሎቶሪ በጺሑዎ፡ ነዚ ብጽቡቕ ዕድሉ ዝረኸቦ ዓወት ክቕበል ሎሚ 5 መስከረም ኣብ ቴለቪዥን ከምዝቐረበ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

zereiኤርትራዊ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ዋና ከተማ ኣልጀርያ ኣልጀሪስ ኣብ ዝተኻየደ  ውድድር ቅድድም ጉያ 10 ሽሕ ሜትሮ ‘ኦል ኣፍሪካን ገይምስ’ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ዓቲሩ።

ምእንቲ ሽምን ዝናን ስልጣንን ሓደ፡ ከብዲ ኣሽሓት ምዅናን፡ ከምቲ ኣብ ዘበን ሃይለስላሰ ዝተራእየ በንጻሩ ክልክሞም ክምዝኽእል'ውን ክስቆሮም ይግባእ። ኣሽሓት ብሓልንጊ ጥምየትን ዓጸቦን እናተሳቐዩ፡ መግቢ ኣብ መኽዘን ከዚኑ ብርእስኻ ምኽኣልን ዘይተጸባይነት ረዲኤትን ዝዋራዘ መንግስቲ፡ ሽምን ወንበርን ዘይኮነ ኩርማጅን ሓመድን እዩ ዝግብኦ።