Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓመተ 2008 ኣብ ምዝዛማ ኣብ ልቢ ኹልና ኤርትራውያን ዓቢ ተስፋ ዘሪኣ እያ ሓሊፋ።  ዓመተ 2009’ውን ኣነስ መዓስ ሓሚቐ ክትብል ነቲ ተስፋ መመሊሳ’ያ ተጓዕፍሮ ዘላ።  ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከም መንዳዓት ኮይኑ ዘሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ትፋእ ታሪኽ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ መሓውራቱ ብቕሉዕ ክለምስ ጀሚሩ’ሎ።

ፈላጥ ብዙሕ ኣይዛረብን። ፈላጥ አብዘይምልከቶ ነገራት’ውን ኣየውደኽኽን። ፈላጥ ሰብ ብዛዕብኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ ካልኦት ህልውናን ሰብኣውነትን’ውን ይሓሰብ። ናይ ፖለቲካ ኪኢላታት’ውን ድዛረብዎን ከስዕቦ ዝኽእል ፖለቲካዊ ክሳራታት ብውልቃዊ ረብሓታቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ብክብሪ ህዝቦምን ሃገሮምን ዓይኒ ኢዮም ዝጥምትዎ።

ኮ/ል ተስፋልደት ስዩም ምሉእ ዕድምኡ ከይተጻዕደ ፈለማ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ድሒሩ ምእንቲ ፍትሒ ካብ እምነቱን ዕላምኡን ነቅ ከይበለ እንዳተቃለሰ ግቡኡ ፈጺሙ ብዕለት 26 ታሕሳስ 2008 ተሰዊኡ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዊዓ ኣሲሩዎም ዝነበረ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ብሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብ5 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ደሴት ዳህላክ ከምዘግዓዞም ኤሪትርያ ዎች ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

እቲ ሰራዊት ኣልዒሉዎ ዘሎ ሕቶ ፡ መሰረታዊ ጠለብ ህዝቢ ‘ምበር ሕቶ ደሞዝ ከምዘይኮነ ኮሚተ ድሕነት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2009፡ ብዕለት ሓደ ጥሪ ኣብ ከባቢ ማይ ጃሕጃሕ ጸሎት ይገብሩ ንዝነበሩ መብዛሕተአን ደቂንስትዮ ዝርከባኦም 54 ኣመንቲ ክርስትና ተጸናትዩ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡  በቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ማለት ጸብጻባቱ ናብ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ዓሊ ዓብዱ ከመሓላልፍ ቅሩብ ብዘይምዃኑ ብዝፈጥረ ምስሕሓብ ካብ ዝነበሮ መዝነት ከም ዝደስከለ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ንድሕነት ህዝብን ሃገርን፡ እንተኮይኑ ዕላማ
ስሙር ግንባር ፈጢርካ፡ ንህግደፍ ምህራማ
ክሳብ ምኣስ እዩ ድኣ፡ ብማዕዶ ቁዝማ
ኤርትራ ምስ ህዝባ፡ ከም ሎሚ እዃ ዘይሓሰማ
እንታይ ድኣ ጉደን፡ ንለዉጢ ዘይቐዳደማ
ሃገር እናተሓመሰት፡ ኣእዛነን ዘጽምማ

ስርዓት ህግደፍ ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ መሰረት ናብ ከተማታት ክኣቱ ኸሎ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተመንዘዐ 5 ኤነትረ ዝዓቐኑ ናይ ሓረስቶት ኣእካል፡ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ኣስመራ፡ መደበር፡ ከምእተሸጠ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ገለ ሰበስልጣን ሱዳን ብምትሕብባር ብ ክልተ ጥሪ 2009 ካብ ካርቱም፡ ከላክላ ጉባ ካብ ዝተባህለ ቦታ ንሓደ ማሕሙድ መሓመድ ንስሙ ዜጋ ከምዝጨወዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ቦታ ሓቢሮም።

ስርዓት  ህግደፍ ካብ ነዊሕ ክደፍኣሉ ዝጸንሐን  ከም መሳርሒ ክግልገለሉ ዝኸረመን ብጉዳይ ሶማል ተሓላቒ ምምሳልን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ድማ ንኢትዮጵያ ንምህዳድን  ሶማላዉያን ንዉሽጣዊ ጉዳዮም ባዕላቶም ክፈትሑ ኣብ ዘይክእልሉ ኣእትዩ ጎዛዝዩን ነቲ ሓደ ክፋል ብረት ኣዕጢቑ ነቲ ካልእ ብምልማስ ዘይርግእቲ ሶማል ንዘመናት ክርኢ ክፈላሰፍን ንፖለቲካዊ ሃዋህዉ ሃገርና ህጣሙ ከምዘጥፍእ ዝካአሎ ክገብርን ተራእዩ እዩ።

msriስርዓት ህግደፍ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 2008 ምስ መንግስቲ ምስሪ ተሰማሚዑ በስገዳድ ናብ ኤርትራ ንዝመለሶም 740 ኤርትራውያን “ጽቡቕ ገይረ ተቐቢለዮም፡ ተሓጕሶምስ፡ ኣመስጊኖምኒ ‘ኳ” እናበለ፡ በቲ ናይ ሓሶት መናፍሑ ኣውርዩ ከምዝነበረ ትዝክሮዎ ኢኹም።

ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።