Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Lon 1ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም፡ 13 ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቕያር ዝኣምኑን ዝቃለሱን ግዱሳት ኤርትራውያንን ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ኩሎም ብሓባር ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ብምርኻብ ብፍልይ ዝበለ ድምቀት ጸምቢሎማ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ጽባሕ በዓል ናጽነት ስለምንታይ ናብ ኢራን ከምዝገሸ ገሪሙኩም ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን
ኣይግረምኩም። ንበዓል ናጽነት ዝኸውን ሽሻይን ሕብስትን ከምጽእ ኣይኮነን ከይዱ ዘሎ። መገሽኡ ምስ ውልቃዊ ጉዳዩ
ዝተኣሳሰረ እዩ።

እዚ ሕጂ ተበጋጊሱ ዘሎ ሓይሊ ትንሳኤ መንእሰያት ዋሽንግተንን ከባቢኣን ዓቢ ባህላው፤ፖለቲካዊ፤ማሕበራዊን ስነ
ኣእምራውን ስራሕቲ ኣብ ቕድሚኡ ይጽበዮ ኣሎ።እንተተሓባቢርካን ተጠርኒፍካን ዘይካኣል ነገር የልቦን እሞ ሃየ
ኩላሃና ዘዝካኣለና ነበርክት

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ቀያሕቲ ደቁ ከፊሉ ዝረኸቦ ናጽነት፡ ክበር ንበር ዝብሎ እምበር ኣብቲ ዘይሓወየ ቑስሉ ብሓለንጊ ዝገርፎ መራሒ ክረክብ ብሓቂ ኣይጻምኡን ኔሩ።

ን-ቀዳም ዕለት 17.05.2008 ዓ.ም፡ ሓው Prof. Dr. ጋይም ክብራአብ፡ መምህር አብ ክፍሊ ናይ
„Sociology and Social Policy“ አብ „south Bank University. London“፡ አብ
ፓለቶክ (Paltalk)፡ ጋሻ ናይ “Eritrean room for Strong and United opposition”
ኮይኑ ከምሲ፡ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና።

ዳማይ ወራር ብዓወት ኢሰያስ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ መንግስታት ኣመሪካን ርዋንዳን ዘበገስዎ ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓዘ
እማመ ሰላም ቀሪቡ። ንሱ ድማ ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዘከራኽረን ቦታታት ክስሕባን፡ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት
ድማ ዶበን ክሕንጸጽ ዝብል እማመ ኣቕሪበን።

ኣብ ጅቡቲ ዶብ ጥሒሱ  ቅሉዕ ወራር ከምዝፈጸመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከቕርብኦ ቀንየን ኣለዋ። ምስዚ ፍጻመታት
ብምትሕሓዝ እምበኣር፡ ኢሰያስ ንምንታይ ዕላማ ነቲ ብጎነጽ ፈጺሙ ክፍታሕ ዘይክእል ዶባዊ ግጭት ንምንህሃሩ
ከምዝጎይን፡ እንታይ ዕላማ ንምውቃዕ እቲ ግጭት ከምዝምህዞን እዚ ዓንቀጽ ክትንትኖ ፈቲኑ ኣሎ።