Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰላም ኤርትራውያን ድልየትና ስምርትን ምዕብልትን ኤርትራ ክጋሃድ ይምነ፡

እዚ ዘለናዮ ወርሒ ወርሒ ባዓል ነጻነት ኢዩ፡ ነጻነትና ብቖጺርካን ጸዊኻን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ናይ ኣርባዓ ዓመታት ውርደት, ስቓይ, ዓመጽ, ቅትለት, ስደት, ሕስረት ክኸውን ኮሎ፡ በቲ ካልእ ድማ ብሓቦን, ኒሕን, ቆራጽነትን, ሓርበኝነትን, ቃልሲን, መስዋእትን መውጋእትን ኤርትራውያን ነጻነት ተረጋጊጹ፡፡

ክልተ ሽሕን ዓሰርተን እታ ዝለዓለ ነጥበ መቐይሮ ዝተራእየላ፡ ህዝብና ንፈታዊ ካብ ጸላኢ ፈልዩ ዝመመየላ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሽግራቱ ብደቂቕ ዘላለየላ ዓመት ኢያ ክትበሃል ይከኣል።

ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ኣንጻር ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ዝገበሮ ሓያል መኸተ ኣእላፍ መስተንክራትን ጅግንነትን እንክፍጽም ማዕረ ምዕረኡ ድማ ብዙሓት ኣሰቀቕቲ ጸለምቲ ውዕሎታት ዊዒሉ እዩ።

ልክዕ ቅድሚ 49 ዓመታት ከምዛ ሎም እታ ንፓለቲካዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ: ናብ ብረታዊ ገድሊ ዘሰጋገረት ቀዳመይቲ ንጣር ቁልዒ ሓዊ: ካብታ ብሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እትምራሕ ቀዳመይቲ ጋንታ ሓርነት: አብ እምባ አዳል ተተኮሰት::

ድሕሪ ናይ ሳላሳ ዓመት መሪር ኩናትን ከቢድ መስዋእትን፤ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወፃእን ዝነብር ህዝብና እምቢ ንመግዛእቲ ስለ ዝበለ ነቲ ሰውራ ዓቢ ደገፍ ኮይኑዎ ውፅኢት ናቱ ድማ   ሃገርና ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ ውፂኣ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ እቲ ኹሉ መስዋእትን መውጋእትን ንነፃነትን፤ፍትሕን፤ ዴሞክራስን’ዩ ኔሩ። እንተኾነ ግዳ ኣመል ክሳብ መግነዝ ኮይኑ እቲ ብስቱርን ኣብ ሩሑቕ በረኻ ዝግበር ዝነበረ ህልቂት ንፁሃት ተጋደልትን ገባርን፤ ድሕሪ ነፃነት’ውን ኣብ ቅሉዕ ቦታን ኣብ ከተማን ተደጊሱ።

 

መጀመርታ ከም ባህሊ ሕዝቢ ኤርትራ ካብ መዋእላት እትፍለጥ፤ ናይ ሓዲሽ ዓመት ጀማሪት ወርሒ ምዃና  ብዘይ እቶም ጸረ ሕዝብናን ሀገርናን ዝኰኑ ጉጅለ ሽበራን  ዓመጽን ኲሉ ዝፈልጦ ንጹር ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ከአ ናይ 2002 ዓ.ም.ግዕዝ ርሑስን ቅዱስን፤ ዓመተ ፍቕርን ሰላምን፤ዓመተ ፍትሕን ርትዕን ዝዕንብበሉን ክኾነሉ ንሕዝብና ልባዊ ትምኒትናን  ማኅበራውን ሀገራውን ሀንቀውታናን  ንገልጸሉ።

– ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልዑል ቀዳምነት ሂቡ ዘትዩሉ።

– ሓይልታት ጸጥታ ምስሪ ኣብ ዶብ ምስርን እስራኤልን ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ተጓዓዛይ ስደተኛ ክቐትሉ ኸለዉ ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ከቢድ መውጋእቲ ከምዘውረዱላ ሮይተርስ ሓቢሩ።

– ሪፖርትተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብጸላእቲ ነጻ ፕረስ ዝኾኑ መንግስታት ሓያለ ጋዜጠኛታት ዓለም ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ” ይብል።

selfiካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ዝተኣካኸቡ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ግዳያት ግፍዕታት ህግደፍ 18 መስከረም ንምዝካርን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብምቅዋምን ኣብ ብራስለስ (በልጁም) ኣብ ፊት ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኢውሮጳዊ ሕብረት ውዕዉዕ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዝመልኦ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ሰፊሕ ፈስቲቫል ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ባሕቲ መስከረም ኣብ በይ ኤርያ፡ ከተማ ኦክላንድ፡ ካሊፈርነያ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ (U.S.A)

ባሕቲ መስከረም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ፍልይቲ ዕለት ምኳና ንኩልና ብሩህ እዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ኣንጻር
ባዕዳዊ መግዛእቲ  ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ዘልዓሉላ ዕለት ምኳና እያ። እዚ ምልዓል ብረታዊ ቃልሲ ግን 
ንልዑላውነት ኤርትራ ጥራሕ ኣይነበረን።

DPሰሚናር ኣብ ስቶክሆልም – ብሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ (ኣካል ህጹጽ ጉባኤ ናይ መስከረም 2007 ): ኣርእስቲ  ዘተ፡ ቅልውላው ኤርትራን፡ ግደ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ! (ህግደፍን፡ ተቓወምትን)

ኣንቱም ሰባት፣ ሰዊት ዕድሜኻ ኣብ በረኻን ስንጭሮን ኣሕሊፍካ፣ ህይወትካ ኣወፊኻ፣ ነጻነት ኣምጺእካስ፣ ኣብ ዝኣተኻዮ ዘይፍለጥ ሽታ ማይ ኮይንካ ሽርብ ክትብል። ሎሚ ይምለሱ ጽባሕ ይምለሱ፣ ኣብ እምባትካላዶ፣ ዒራዒሮዶ፣ ካርሸሊዶ፣ እከለ ተሰዊኡ እከለ ኣሎ እናበልካስ ዓመታት ክሓልፍ።

ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዓዲሙ፡ ካብ 6 ክሳብ 7 መስከረም ኣብ መንጎ ወከልቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘ ሄግ ኔዘርላንድስ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

 ኣብ መርበብ ሓቤረታ ኢንተርነት ኣሰና፡ “”ብጥዑም ምለስ ኣቶ መስፍን ሓጎስ”” ዝብል ኣርእስት ብሰለስተ ኣቦታት ካብ “”ኣስመራ”” ዝተጻሕፈትን ዝተላእኸትን ነቢበ።   ኣብ ዝርዝር ከብዲ ቁምነገር እታ ጽሕፍቲ ኣብ መብዛሕትኡ እኳ ዝሳማማዕ እንተኾንኩ፡ ኣብታ ጽሕፍቲ ትስንዝሮ መንፈስ ናእዳታት፡ ምስትንታናት፡ ከፊላዊ ሓቤረታታት፡ ጥቆማታትን ምህለላን ስለዘይተሳማማዕኩ እየ። ካብዚ ብምንቃል ድማ ነቶም ጉዱሳትን ኩቡራትን ሰለስተ ኣቦታት ሓጻር መልእኽቲ ክጽሕፈሎም ብትሕትና ይነቕል!