Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዲሞክራውያዊ ማሕበር መንእሰይ ኤርትራ ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን ብምትሕብባር ጨናፍር ውድብ ግ.ሃ.ድኤ ዞባ ኤውሮጳ ዝተዳለወ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ (ፈስቲቫል ካስል) ካብ ዕለት 31/7 ክሳብ ዕለት 03/08/2008 ኣብ ከተማ ካስል ሃገረ ጀርመን ተኻይዱ ;

READ MORE

ኣሎምኹም ዶ? ደቂ ሃገረይ ኣሎክን?
ግድነትና እዩ! ዝሓለፈን ዘሎን ክንትንትን
ነዚ ድየን? ተሰዊኤን፡ ዛህራን ማመትን
ንምልኪ ዲዮም ወዲቆም፡ ጥዓመን ኢድሪስን
እንታይ ክ ይብሉ? ስንኹላትን ወለድን
ሃገር ምስ ተባሕተት፡ ብዉሑዳት ሞግባዕባዕትን

festivalብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መበገሲ ዝገበረ ፌስቲቫል ንሰላም ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ንዕለት 23 ነሓሰ 2008 ዓ-ም ተዳሊዩ ከም ዘሎ ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ሃገራዊ ክንሕብር ንፈትው።

ብኣቶ ኣብርሃ ሃብተማርያም (ካብ ለንደን) ንሓታቲ ዝተዋህበ መልሲ (ካልኣይ ክፋልን መቐጸልታን)

READ MORE

ኦ! ህዝቢ ኤርትራ ነበርቲ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ። ኩላትና ከም እንዝክሮ ኤርትራ ሃገርና ድሕሪ ናይ ሓደ ዘመን
መሪር መግዛእቲ ብመስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ደቃ መሬታዊ ናጽነት ኣብ 1991 ተረጋጊጹ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከብቅዕ ትማሊ ውሳኔ ድሕሪ
ምውሳዱ፡ እቲ ውድብ ነቲ ናይ ምውጻእ ውሳኔ ሎሚ ሓሙስ ከተግብሮ ከምዝጀመረ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

“ደምዳሚ ኣዋጅ 3ይ ጕባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ 25-26 ሓምለ 2008 ከለን – ጀርመን” ብዝብል መግለጺ ኣብ
ወብሳይታት ቶጎርባ፡ መስከረም፡ ኣሰና ወጺኡ ከምዘሎ ብዙሕ ሰብ ተመልኪቱዎ። ዝበዝሕ በቶም ካብ ሰ.ደ.ኤ.
ኣባልነቶም ዝተሰረዘ ግን ከኣ ስም ሰ.ደ.ኤ ሒዞም ካብ ዝወጹ ኣትሒዞም ንምድንጋር ክጥዕሞም ዝሰርሕሉ ዘለዉ ምዃኑ
ይርድኦን ይፈልጦን ኢዩ። ስለምንታይ’ሲ መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ብዛዕቦኦምን ብዝገብርዎ ምድንጋር ምጥቃም ስም
ሰልፍን መግለጺ ኣውጺኡ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።

ካብ ህጹጽ ጉባኤ ናይ መስከረም 2007 ንነጀው ዝቐረቡ ጸብጻብ ስርሓትን ቁጠባዊ ትሕዝቶ ሰልፍን  ብጉባኤ ምስጸደቐ፡ ጉባኤ ኣብ`ዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ሰለፊ ምምሕያሽ ጌሩ።

ምረት መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ወረዱ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን ክምህለል ይውዕል ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ይሕብሩ።

ብድሮ ናይቲ መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጎስ ዝተቐትለሉ ምሸት ምስኡ ዘምሰየ ተወልደ ዝተባህለ መንእሰይ፡ ኣብታ ምሸት
‘ቲኣ ተፈላልዮም ነናብ መካይኖም ክኸዱ ኸለዉ ተወልደ ሰለስተ ዝኾኑ ሰባት ብሓይሊ እናኣስገደዱ ናብ መኪና
ክሰቕሉዎ ስለዝረኣየ፡ ሽዑ ካብቲ ቦታ ተሰዊሩ፡ ግን ብዛዕባ’ቲ ዝረኣዮ ንዝምልከቶም ሰባት ይሕብር፡ እቶም ሓበሬታ
ዝረኸቡ ሰባት ከኣ ንፖሊስ የመልክቱ።

asterሓብታ ንእስርቲ ኣስቴር ዮውሃንስ (ብዓልቲ ቤቱ ንእሱር ጴጥሮስ ሰለሙን)፡ ወ/ት ሰናይት የውሃንስ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣሰቃቒ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ግዳያት ወኪላ፡ ኣብ ክንዳኦም ድምጺ ንምስማዕ ብልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝካየድ መኣዲ ዘተ ክትሳተፍ ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።

ሰበስልጣን ሊብያ ብዘይካ ‘ቶም ኣብ ምስርታህዝ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ኣሲሮም ዘሳቕዩዎም ዘለዉ 700 ኤርትራውያን፡
ዛጊት ብ UNHCR ዘይተበጽሑ 7 ደቀንስትዮ ዝርከባኦም 53 ካላኦት ኤርትራውያን ኣብ ዳንፉድ ዝብሃል ኣብ በንቓዚ
ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ኣሲሮም ምህላዎም እቶም ግዳያት ብቴለፎን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም።

In CNN’s  Multichoice African Journalism Award, the Free Press award went to Seyoum Tsehaye of Eritrea  whose wife received the prize because Seyhoum is in jail for daring to report that some journalists and politicians he previously met in jail were incarcerated without trial. CNN/

READ MORE