Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isaiasፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ዝመጽእ ሰሙን ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሰፊሕን ዝርዝራውን ቃለ-መሕትት ኪገብር ምዃኑ ኣቐዲምና ንሕብር።

US amb Erመንግስቲ ኣመሪካ ንትግባረ ናይቲ ብኮምሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበየነ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ፡ መብጽዓን ድሌትን ከምዘለዎ ጸቒጠ ከረጋግጸልኩም እደሊ።

intenios 2…ኣቦና ቅድምውን ካብ ዓለም ወጺእኩም፣ ንሰማያዊ ህይወት ዝመነንኩም ብምኻንኩም፣ ወይልኦም ድኣ እቶም ገበርቲ ክፉእ እንበር ንዓኹም ድኣ ሱባኤ ናይቶም ቅዱሳት ኣቦታት ኣቡነ ፍሊጶስ፣ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፣ ኣቡነ ተክለሃይማኖትን ካልኦት ኣቦታት ስለዝኾነ ብጸሎትኩም ነዞም ሰብኣዊ ህላዌና ተደሚሲሱ ዘሎ ደቅኩም ኣይትረስዑና። …..

ካብ ወልደንድራስ

EDP logoኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ከም ፍልስፍና ሰልፎም፡ ጸገማት ክፍጠር ባህርያዊ ምኻኑ እንዳዘከሩ፡ ካብ ተዛቲኻን ተጸዋዊርካን፡ ንጸገማት ሰልፊ ፍታሕ ምርካብ ካልእ ኣማራጺ ክህሉ ከምዘየብሉ ኣብ መልእኽቶም ኣረጋጊጾም፡፡

ኣብ ምስሪ ዝርከቡ ኤርትራውያን: ምስሪ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝሓዘቶም 12 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ በስገዳድ ብምምላሳ ቁጠዐኦም ብምግላጽ፡ ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምስሪ ዕቱብ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ጸዊዖም።

ዝኸበርኩም ኣባላት ሰልፊ፡ ሰልፍና ካብ ዘለዎ ግዝያዊ ጸገማት ወጺኡ፡ ተስፋ ኣባላቱ የሐዲሱን፡ ክኸይድ ናይ ኩሉና እምነትን ድልየትን እዩ ኢልና ንኣምን፡፡ ካብ ቀጻሊ ምብትታን ምፍንጫልን ፖለቲካዊ ባህሊ ወጻኢ፡ ተጻዋሪ ሃዋህው ፈጢርና ፡ ናይ ምዉጋን ባህርያትን፡ ዘይምርድዳኣትን ክእለ፡ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ክህልወናን፡ መስመር ሰልፊ ናብ ንቡር ክምለስን ምእንቲ፡ እቲ ዝሓሸ መፍትሒ፡ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ተርኡ ዝጻወተኡ ሃዋህው ክፍጠር፡ ቅዋም ሰልፊ ብዝፈቕዶ መሰረት ህጹጽ ጉባኤ ሰልፊ፡ ክካየድ፡ ጻዊዒትና ነቕርብ፡፡

 

ሰመረ ከሰተ
ሙሴ ኤፍረም
ገብሬል ሓጎስ
ተስፋይ ብርሃነ

 

 

placeholder

ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ትዕግስቱ ተወዲኡ፣ ጥራይ መድረኽ ዘቓልጥፈሉ ኢዩ ዝደሊ ዘሎ። ብሓቂ እዚ ብዘይካ ክሰርሕ እምበር፣ ሽመት ኣብ ኣእምሮኡ ዘይስቖሮ ህዝቢ ተላዒሉ ስለዘሎ ኣሰናኮም ዝህልዋ ተራ ዓቢ ከምዝኸውን በቲ ‘እተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቕሎኣ እፈልጣ’ ዝብል ብሂል ሃገርና ክገልጽ እፈቱ። እንተዘይኮይኑ ህዝብና ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ንምቅልጣፍ ናይዚ ጨኻኒ ስርዓት፣ ሓንትን ክልተን እምኒ ካብ ምድርባይ ድሕር ከምዘይንብል ብምሉእ ሕልና ከረጋግጽ እፈቱ።

abunነቶም ካብ ሕጊ ወጻኢ ካብ ስልጣኖም ንዝተወገዙ ብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ተኪኦም ዝተመርጹ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ብ  27 ግንቦት፡ ራብዓይ ፓትሪያርክ ሊቃነ ጳጳሳት ኤርትራ ኮይኖም ብወግዒ ከምዝተቐብኡ ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣፍሊጣ።

libyaእቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብዘየተኣማምና ጀላቡ ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩሉ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ብቐጻሊ ሓደገኛ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።

Beshirፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ተጣባቒ መሰል ናጽነት ጋዜጠኛታት ዝኾነ ኣህጉራዊ ማሕበር፡ ‘ርፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’፡ ንናጽነት ሃገራውን ኣህጉራውን ጋዜጠኛታት ኣብ ሱዳን ብዝምልከት ንዘቕረበሉ ሰለስተ ሕቶታት፡ “ እንሓብኦ ነገር የልቦን” ብምባል፡ ከምዝመለሰ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።