Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለም ብዛዕባ መሰል ኣንጭዋን ፈረስን እናሞጎተት፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትዛረበሉን ናይ በይንና ዓለም ኣብ ትሕቲ መሬት ፈጢርና ‘ለና።

ዘዕብየትኒ ስድራቤት፡ ዓደይ፡ መተዓብተይ፡ መማህርተይ፡ ናይ ናጽነትን ሓርነትን መቃልስተይ ከምዘይነበረ  ክርስዖን ካብ ሓንጎለይ ከውጽኦን ዘይከኣል እዩ።ወይ ድማ ኣእምሮይ ዝሰሓትኩ ክኸውን ኣሎኒ ማለት እዩ።

mesfin_hagosቃለ መጠይቕ ምስ መስፍን ሐጎስ — አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ 

አቕራቢ ጋዜጠኛ – ወልዱ ሚኪኤል
ኤርትራ ንኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ካብ መሬታ ክውጽእ ምውሳና፡ ብሕጊ ምኽኑይን ብዲፕሎማሲ ሓጋዚንዶ ነይሩ፡ ወይስ ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ሃሳዪ?

ኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፡ ኣብ ኤርትራ ክዕስከር ዝብል ውሳነ፡ ምስ ምሕንጻጽን ኣብ ባይታ ምምልካትን ናይቲ ሓድሽ ውሳነ ዶብ ብምትእስሳር ማለት ኢዩ’ምበር፡ ደረት ንዘይብሉ ግዜ ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ኣይኮነን። ኮሚሽን ዶብ ብይኑ ሂቡ። ኣብ ባይታ ከይተመልከተ እነሆ ዳርጋ ሽዱሽተ ዓመቱ ቀሪቡ። ውሳነ ኮሚሽን ዶብ፡ ኣብ ግዜኡ፡ ኣብ ባይታ ብምሕንጻጽ ተተግቢሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ምስሕሓብ ዶብ ኣብቂዑ ምዀነ ነይሩ። ምስሕሓብ እንተ ኣብቂዑ፡ ዓቃብ ሰላም ክሳብ ሕጂ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ኣይምነበረን። ዶብ፡ ኣብ ባይታ ክሳብ ዘይተሓንጸጸ፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ኣለዎ ማለት ቅኑዕ ኣይመስለንን። በቲ ካልእ መዳይ፡ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ብድሌት ኣኣንጋዲ ሃገር ኢዩ ሰፊሩ። ኣኣንጋዲ ሃገር ኣይደለዮን፡ ይወጽእ። ብምውጻእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዝኽተል ሳዕቤን እንተ ሃልዩ፡ ናይቲ ሃገር ሓላፍነት ይኸውን።

Cruel and inhuman treatment has, by and large, been set aside for helpless and oppressed Eritrean citizens of all walks of life.  They range from 12 year olds to a diabetic 80-year old patriarch, from students to government ministers and parliamentarians, housewives and journalists and any body else in between….

Cruel and inhuman treatment has, by and large, been set aside for helpless and oppressed Eritrean citizens of all walks of life.  They range from 12 year olds to a diabetic 80-year old patriarch, from students to government ministers and parliamentarians, housewives and journalists and any body else in between….

ሕጂ ብርዒ ዘቐበለኒ፡ ቅድሚ ገለ ሰዓታት ኣብ ‘ቴሌቭዥን ኤርትራ” (ሕጂ ‘ኳ ‘ቴለቭዥን ኤርትራ ነበር’ ንበላ) ዝረኣኹዎ፡ “ኣብ ዓድኻ ጥምየት ነይቐትል” ዘርእስቱ፡ ንግዳይነት ስደተኛታት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝምልከት ፈነወ እዩ።

ተስፋን ጽቡቕ መጻእን ሃገር ንልቦናና ዓብሊሉዎ፡ “ምእንቲ ናጽነት ኩሉ ባዕሉ ይፈልጥ” እናበልና ደም ርሂጽናን ክዒናን ዘምጻእናዮ ናጽነት ኳዅቶ ኣብቍሉ እናረኣናዮ፡ ሎሚ “ምእንቲ ለውጢ ኩሉ ባዕሉ ይፈልጥ” ክንብል ኣይወሓጠልናን እዩ ‘ሞ ነቲ ወዛል ኵሒል ንበሎስ ኣይግድን።

ፈጺሙ ዘይርሳዕ ጸገም እዩ ዘለዎ። እቲ ብሕልሚ ዝረኣዮ መጠን ነብሱ ኣዝዩ ደርማስ፡ ብግብሪ ኣዝዩ ንኡስ ኮይኑ፡ ብዓድን ብግዳምን ፈጺሙ ዘየስምዕ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ ተሪፉ ምህላዉ እዩ ሕሰም ሕርቃኑ። እንተኾነ ሕርቃኑ ምስ ነብሱ ክኸውን ኣለዎ። መብጽዕኡን ህዝቡን እንተዘኽብር ሕልሙ ምግሃድ ኣይምኣበዮን። ህዝብኻ ምንዓቕን መብጽዓኻ ምጥላምን ግን የግዲ ሕልሚ ይገብረካ እዩ። ሕልሚ ስለዝኾነ ኸኣ እዩ ኣመና ንኢሱ ብሕርቃን ዝፍሓስ ዘሎ። መስጣ ሃገርን ህዝብን።