Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንነዊሕ እዋን  ዕብዳን ዉልቀ መላኺን  ጥፍሽና ሰዓብቱን ንምቅላዕ ደኺምካ ጽዒርካ ንህዝብኻ ክትጥርንፍ ብዘይ ዕረፍቲ ጎይኻ እንሆ ድማ ጸላኢኻን ክሓቅቕ ህዝብኻን ክስስን ጸላእትኻ  ዛሕዛሕ ክብሉ ህዝብኻን ክተኣኻኸብ ንዘተ  ክዳሎን ትዕዘብ ። እዚ ፍረ ጻዕርኻ ምኻኑ ማንም ኣይስሕቶን ንስኻዉን ብሞያኻ ከም ትሕበን ኣይጠራጠርን ፡አብዚ ንዘብጻሕካዮ ጉዳይ ሃገር

READ MORE

ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ጽሑፋት ኣሰና ካብ ኢንተርነት ብምሕታም ናብ ካልኦት ሰባት ኣመሓላሊፍኩም ብዝብል ምኽንያት፡ ንኽልተ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ኣሲሩዎም ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

 

Eritrean War Disabled=እዚ ጽሑፍ’ዚ ብዛዕባ ኣካለጽጉማን ኣብ ከተማ ሺካጎ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተኻየደ ጉባኤ ኾይኑ፡ ተወሳኺ መብርሂ ንምሃብ’ዩ። እቲ ጉባኤ ዝሓገጎ ሕግታትን ዝሓንጸጾ መደብ ስርሓትን ንህዝቢ ኣቃሊሑ’ኳ እንተኾነ፡ ስርሑ ኣሳልጦ ንኽረክብ ብተደጋጋሚ መብርሂ ምሃብ ኣገዳስነት ኣለዎ እብል።

 

እዚ ጽሑፍ ብዘይካ መእተውን ኣብ መደምደምታ ዘሎ ጽሑፍ ብሙሉእ ቅዳሕ ጋዜጣ ብርሃን ምዃኑ ክሕብር እፈቱ።

ብስሙራት ዜጋታት ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፣ (Citizens United For Human Rights in Eritrea) ዝልለ ሲቪካዊ ማሕበርና ተመስሪቱ ምንቅስቓሱ ካብ ዝጅምር እንሆ ድሮ ካልአይ ዓመቱ አሕሊፉ።

ቀንዲ ዕማም ጋዜጠኛ፡ ሓቀኛ ሓበሬታ ንህዝቢ ምቕራብ ከምምዃኑ መጠን፡ ዝተሓብአ ንምውጻእ ብዙሕ ክጽዕትን መጽናዕታዊ ስራሕ ክዓምምን ሞያዊ ሓላፍነቱ ኢዩ። ብኣካል ዘጓነፎ’ሞ ከኣ ብኣውርኡ። ክንዲ ዝኾነ፡ ታሪኽ ኢዩ’ሞ “ኣብ’ታ ዕለት’’ ዘጓነፈኒ ከዘንቱ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ድሒረን ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘተኣታተዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ‘ኳ እንተኾነት፡ ካብ ድምር ብዝሒ ተጠቃመት ኢንተርነት ኣፍሪቃ፡ ክልተ ሚእታዊት (2%) ሒዛ ከምዘላ እቲ ሓበሬታ የረድእ። እቲ “ኣብ ስደት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ኢንተርነት ካልኣይ ቤቶም ኮይኑ ‘ሎ ዝበለ” ጸብጻብ፡

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ብምኽንያት ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ንዝወርድ ግፍዕታት፡ ማእሰርትን ቅትለትን ንምዝካር ወትሩ 3 ግንቦት ተዘኪሩ ዝውዕለ ‘ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ’ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ናጽነት ፕረስን ብእትገብሮ ዘላ ዓመጽን ጭፍለቓን ወቒሱዋ።

Cafe

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ብጥምየትን ድኽነትን ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸማጢጡ ካብ ዘዋህለሎ ቢልዮናት ዶላራት፡ ብኸፊል፡ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈታት፡ በቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ዝተመልመለ ፍሉይ ኣሃዱታት ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብረለን ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

dawitኣርባዕተ ዓበይቲ ጋዜጣታት ሽወደን ብምውህሃድ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ዳጕኑዎ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክፈትሖ ብምጽዋዕ ሰፊሕ ጎዘመተ ጀሚረን።

ናይ ሲቭል ክዳን ዝለበሱ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ብ26 ታሕሳስ 2008፡ ኣብ ኣስመራ ‘ሆሊዉድ’ ኣብ ዝተባህለት ኢንተርነት ካፈ ተጠቀምቲ ኢንተርነት መሲሎም ብምእታው ናይ ተቓወምቲ መርበብ ሓበሬታ ከፊቶም ንዝረኸቡዎም ሰለስተ መንእሰያት ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

﷽ብሓቂ ንእሱር መሳርሕትኹም ክትሕግዙ ድልየት እንተልዩኩም፡ ብዛዕብኡ ንእትዝርግሕዎ ጽሑፋት ንዅነታቱ ከማሓይሽ ዝኽእል እንተዀይኑ ክትሓስብሉ ዘሎኩም ኢዩ﻾። ሰራሕተኛ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ብተሌፎን mበዛዕባ ጕዳይ ዳዊት ኢሳቕ ተሓቲቱ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ። ብኻልእ ወገን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐርብ ነቐፈታ፡ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንምዕባለ ኢላ ንመንግስቲ ኤርትራ እትህቦ ሓገዝን ዝርድኦ እመስል። ኮሚሽን ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ዓለም ብምልካውነቱ ኣዝዩ ዝተለለየ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሉ ከሎ፡ ምስ መሰል ሰብኣውነትን ጠለብ ምፍታሕ ጋዜጠኛ ሽወደናዊ ኢሳቕን ግን እዚ ሰራሕተኛ ሕብረት ኤውሮጳ ክሰማማዕ ኣይደልን።

Syoum Tsehayeስዩም ጸሃየ ብ1952 ኣብ ትኹል ካብ ኣቡኡ ኣቶ ጸሃየ ወልደማርያምን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ሮማ ሰለሞንን ተወሊዱ፡፡ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ጸጸራት ዝበሃል ቦታ ድማ፡ ዓብዩ። ኣቡኡ ወናኒ ናይ ኣብ ካምበቦሎ ዝርከብ ባር ዳኦስታ እዮም ኔሮም።

POST TAGS:

"ካብዛ ኣካይዳ ጎብየ ትበሃል ተመዛዚት ሓረግ ክንናገፍ ከድሊ እዩ።"  Friday, March 14, 2001 Friday, March 14, 2001 ዕላል ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ምስ ሚኒስተር ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) "ፕረዚደንት ካብ ሕጊ ወጺኡ፡ ነዚ ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይንሰላማዊ ተቓውሞን ብጎነጽ

READ MORE

stካብ እዋን ሓርነታዊ ቓልስና ኣትሒዙ ጋዜጠኛ ዝነበረ፡ ካብ መስከረም 2001 ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሩ ዝሳቐ ዘሎ  ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ተጋዳላይ ስዩም ጸሃየ “ጋዜጠኛ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ – 2007 ” ተባሂሉ ብሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ተረቝሑ።

saidስዒደ ካብ ገጹ ፍሽኸታ ዘይፍለዮ ተባዕን ህርኩትን ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ።ኩሉ ግዝየ ድማ አብ ጋዚጣ ሓዳስ አድማስ ዘውጹ ጽሑፋተ ብጥንቃቄ አብ ምድላው ለይተን ቀትርን ምስ ጸዓረ እዩ ነይሩ።ኣብ ዝተፈላለይ ኣጋጣሚታተ ስዒደ ከም ነጻን በሕታወያንን ጋዚጠኛታተ መጠነ ሓድነተ ህዝበን ሃገርን ዘትርር እንበር ዘዕኑ ጸሑፋት አብ ጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ ነከይነወጽእ ብትኹረት ክንሰርሕን ሓላፍነት ክንስከምን የሕብረና ነይሩ።

 khalid….ሎሚ’ውን ሓድሕድ ተኻባቢርና: ሓሳባትና ተሰማሚዕና ንነዊሕ ዝጠመተ ልቦና ዝመልኦ ኣካይዳ ክሳብ ዘየማዕበልና መጻኢና ቀሊል ከምዘይከውንን እዚ ወልቀመላኽነት ከኣ ከምቶም ኣብ ኩሉ ክፋል ዓለምና ዝተራእዩ ምልክታት ኣብ ሓጺር ጌዜ እንተሓድሓድ ተበላሊዑ እንተ ብሰንኪ ዓንዳሪ ኣካይዱኡ ነዊሕ ከምዘይጸንሕን ክፈራኸስ ምኻኑን ገፋዕቲ ድማ ጽባሕ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ምኻኖም ደጋጊምና ክንዝክርን ከነዛኻኽሮምን ይግባእ::

PK Actእቲ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ዝዓረፈ ጋዜጠኛ ቲቪ-ኤረ ፕሮግራም ኣምሓርኛ ጳውሎስ ኪዳነ ጋዜጠኛ ጥራይ ዘይኮነ ተዋሳኣይ ‘ውን ነይሩ እዩ። ኣብ ገለ ገለ ፊልምታት ‘ውን ተሳቲፉ። ገለ ካብቶም እናተዋስአ ኸሎ ዝተቐርጹ ካብ ተኸታተልቲ ኣሰና.ኮም ዝተላእኩልና ስእልታቱ  ተዓዘቡ።

ERI TVኣብ መንግስታዊት መደበር ቴሌቪዥን ኤርትራ “ኤሪ-ቲቪ”፡ ኣገልግሎት ቋንቋ ዓረብ፡ ኣቕራቢት ዝነበረት ጋዜጠኛ ፋትሕያ ኻልድ፡ ካብ ቅድሚ ወርሒ ጀሚራ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ተኣሲራ ከምዘላ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

RWBኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋ ኣምሓርኛ ክዓዪ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ኢዮብ ከሰተ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ክሰግር ክብል ተታሒዙ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤትማእሰርቲ ማይ ሱርዋ ተኣሲሩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንሃለዋቱ ብዝምልከት ከቢድ ስግኣት ከምዝስምዖ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ 6 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

Beshirፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ተጣባቒ መሰል ናጽነት ጋዜጠኛታት ዝኾነ ኣህጉራዊ ማሕበር፡ ‘ርፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’፡ ንናጽነት ሃገራውን ኣህጉራውን ጋዜጠኛታት ኣብ ሱዳን ብዝምልከት ንዘቕረበሉ ሰለስተ ሕቶታት፡ “ እንሓብኦ ነገር የልቦን” ብምባል፡ ከምዝመለሰ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።

Assenna On Eritrea State Newspapersኣብ ጋዜጣና፡ ስራሕ፡ ምዕባለ፡ ጽጋብ፡ ፍትሒ፡ ሓጎስ ጥራይ እዩ ዝንበብ። እቲ ኣብ መሬትና ተደኵኑ ዘሎ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ድኽነት፡ ጥምየት፡ ዓመጽ፡ ጓህን ንብዓትን ኣብ ጋዜጣና ሰፈር የብሉን።