Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቶም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ከምዝሓተቱ ብመንገዲ ኣሰና ዝሓበርናኩም 90 ኤርትራውያን ናይ ህይወት ኣድሕን ጻውዒቶም ኣንታዊ ምላሽ ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ንምርድኦም ብሓለዋ ባሕሪ ዝተኻየደ ስርሒት ሎሚ 8 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ተዛዚሙ፡ ከምዝደሓኑ ካብ ዓዲ ጥልያን ዝረኸብናዮ ኣፈናዊ ኣፍሊጡ።

ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና እንተላይ ቢቢሲን ድምጺ ኣመሪካን ከምዝተቐሳኦ፡ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 ‘ሞይቶም’ ዝብል ከቢድ ስግኣት ከንጸላሉ ኸሎ፡ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከቦም 5 ካብኣቶም ግን ድሒኖም ኣብ ደቡባዊ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ይርከቡ ኣለዉ።