Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Deporteesብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም 3 ደቅንስትዮ ዝርከባኦም 12 ኤርትራውያን ካብ 2-17 ኣዋርሕ ኣብ  ቤት-ማእሰርቲ ግብጺ ክሳቐዪ ድሕሪ ምጽናሕ ‘ዮም ብ 3 መስከረም ኣዲስ-ኣበባ ኣትዮም፡፡ እቶም 7 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝነበሩ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ካብቶም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምጽዋዕ ንስርዓት ህግደፍ ንዝተቓወሙ ኣባላት ጉጅለ 15 ኣብ ብሕታዊ ጋዜጣታት ብምእንጋዶም ብ23 መስከረም 2001 ተኣሲሮም ኣብ ምስጣራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኣርባዕተ ከምዝተሰውኡ ካብ ኤርትራ ብዝተረኽበ ሰነድ ተረጋጊጹ። (ሰነዳት ቀሪቡ ‘ሎ)