Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ ካብ ዝሰርሖ ኣብያተ-ትምህርቲ ህግደፍ ዝሰርሖ ኣብያተ-ማእሰርቲ ይበዝሕ ክብሃል ከሎ ንገለ የዋሃት ኣጋንኖ ይመስሎም ይኸውን። እዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ዝርዝር መዝገብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ህግደፍ ግን ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዘረጋግጽ። ኣብ ርእሲ እዚኣቶም፡ ኣብ ማእከል ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ብደገ ናይ ወራዙት መንበሪ ኣባይቲ ዝመስሉ፡ ኣብ ውሽጦም ግን እሱራት ህግደፍ  ብምስጢር ተሓይሮም ዝነብሩሎም ሓያለ ቪላታት-ክፋእ ከምዘለዉ ‘ውን መረጋገጺታት ኣሎ። “ኣብያተ ማእሰርቲ ክንድዚ ካብ ኮነ ደኣ ‘ሞ፡ እቶም እሱራት ከ ክንደይ ክኾኑ እዮም?” ባህርያዊ ሕቶ እዩ…።  

 እዚ ዛጊት ረኺብናዮ ዘለና ኣስማትን ትውልዲ ዓድን ናይቶም ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ክብሉ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 2009 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 75 ኤርትራውያን  ግዳያት ህልቂት ምሉእ ከምዘይኮነ እናኣዘኻኸርና፡ ዝተማለአ ሓበሬታ ዘለኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ካብ ኢራን ዝተበገሰ ኣጽዋር ናብ ሓማስ ከሰጋግሩ ኣብ ዶብ ሱዳንን ምስርን ብደብዳብ ኣየር ዝተቐትሉ ሓደ ኮለኔል ዝርከቦም ህግደፍ ናብ ጥፍኣት ዝለኣኾም መኮንናት ኤርትራ።  (ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ዝለኣኹዎ)