Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Eritrea Ethiopiaዝናን-ባህታን ትርጉም ስኢኖም፣ ናጽነትን-ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢኖም፣ እናበልኩ ዝጀመርኩዎ ጽሑፍ ሳልሳይ ክፋሉ እነሆ።
ናብ’ቲ ቀንዲ ዛዕባ ቅድሚ ምእታወይ ግን ንእሽቶ መብርሂ ክውስኸሉ። ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ፣ ናጽነት ማለት መንነትካ ትዕቅበሉ፣ ውሉድካ ተዕብየሉ፣ ሃብትኻን ባህርያዊ ትዕድልትኻን  ከኣ ኣብ ረብሓኻ እተውዕለሉ፣ መጻኢ ዕድልካ ድማ እተውሕሰሉ ጸጋ ኢዩ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

South Sudanዕለት ምእዋጅ ነጻነቱ ብሃንቀውታ ክጽበ ዝጸንሐ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዋና ከተማኡ ጁባን ካልእ ቦታታትን ‘ታ ሓዳስ ሃገር ብዓቢ ሓጎስን ፈንጠዝያን የምዕሎ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ካብ ደቡብ ሱዳን ሓቢሮም።

EDAሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ  ንዕለት 16/06/ 2011  አቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተጋ/ ተወልደ ገብረስላሴ   ምስ ተጋ/ በሽር ኢስሐቅ ሐላፊ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን  ዝመርሕዎ  ሰፊሕ ህዝባዊ አኼባ  ንምስልሳል መዲባ ስለ ዘላ  ኩሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝግደስ ኤርትራዊ ተቀማጣይ በርሚንግሃምን ከባቢኡን አብዚ ተባሂሉ ዘሎ ዕለት ንኽሳተፍ  ብኽብሪ ትዕድም።

Ed እቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣሸባብ ከይለኸፈና ኸሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጸቕጢ እናተገብረ ምዕረ-ማዕሪኡ፡ እተን ዝደጋገፋኦ ሃገራት ‘ውን ክግጠማ ኣለወን፡ ድሕሪ ምባል ከኣ፡ ‘ብዛዕባ’ቲ  ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ትጻወቶ ዘላ መዕነዊ ተራ ጭቡጥ መረዳእታ ኣለና’ ኢሉ። ኤርትራ ከም ሓብሓቢት ግብረሽበራ ክትርቋሕ ከምዘለዋ ‘ውን ኣገንዚቡ።

 

UNSCትማሊ ዕለት 6 እቲ ንእገዳ ኤርትራ ዝግምግም ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ክካየድ ምዃኑ ብዝነበረና ሓበሬታ መሰረት፡ ብዛዕባ ህልው ምዕባሌታቱ እዋናዊ ሓበሬታ  ከነቕርበልኩም ምክትታል ክንቅጽል ጸኒሕና፡

Eriteran Studentsመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዓሚ ዝጀመሮ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ተበግሶ ብዝለዓለ ንምቕጻል፡ ንዝመጽእ ዓመተ-ትምህርቲ ‘ውን 751 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክወስዱ ዕድል ከፊቱሎምስ ድሮ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Migrantsካብ ሰዋኪን፡ ሱዳን ተበጊሳ ቀይሕ ባሕሪ ብምቕራጽ ስደተኛታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምስግጋር ንኣርባዕተ ሰዓታትድሕሪ ምጕዓዛ ቃጸሎ ዘጋጠማ ጃልባ ተሳፊሮማ ዝነበሩ 200 ስደተኛታት ብዘይካ ሰለስተ፡ ኩሎም ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሃለቑ ‘ዘ ጋርድያን’ ዝተባህለ ጋዜጣ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።

ማእከላይ መሪሕነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደግሓኤ  ካብ ዕለት 30 ሰነ ክሳብ 5 ሓምለ 2011 ኣብ ዘሰላሰሎ 2ይ ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ኣብ ህልዊ ዓለማዊ፣ ከባብያዊ፣ ሃገራዊ፣ ውድባዊ፣ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሕቶ ብሄራትን ብሄረ ሰባትን ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርና ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣመልኪቱ ብሰፊሑ ተመያይጡ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላልፉን።

ብዶር የዕብዮ ወልደማርያም
Refugeesጠንቂ ስደት ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ኢዮም። ካብአቶም ብኽፋል ክንጠቅስ ምስ ዝድለ፡ እቲ ቐንዲ ዝኾነ ወሰን ዘይብሉ ዕስክርና እሞ ድማ ከምቲ ንቡር ብባልያ ይኹን ብተማልእተኛ ንቤተሰብካ መጠወሪ ገንዘብ ክትሰደሉ ዘየኽእል ኩነታት ብመንግስቲ ኤርትራ ብምድንጋጉ ኢዩ።

Shababስርዓት ህግደፍ ኣብ ሶማል ንዝነጥፉ ከም ኣሸባብ ዝኣመሰሉ ብግብረሽበራ ዝጥርጠሩ ጉጅለታት ብዝህቦ ደገፍ ተወሳኺ እገዳ የንጸላለውሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኬንያ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብ ተጠንቀቕ ምህላወን Daily Nation ዝተባህለ ጋዜጣ ኬንያ ገሊጹ።

Lemlemጓል 23 ዓመት ኤርትራዊት ካናዳዊት ኣትለት ለምለም ዑቕባስላሰ ኣብ ቫንኩቨር፡ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ Harry Jerome International Track Classic ቅድድም 800 ሜትሮ ድሕሪ ምዕዋታ ናብ ኣህጉራዊ ሻምፕዮና ተቋምት ምህላዋ The Province ዝተባህለ ጋዜጣ ብኣድናቖት ይገልጽ።

ብ30 ሰነ 2011 7ተ መንእስያት ዓፈር ብወተሃደራዊ ጅልባ ፈይቨር ዝዓይንታ ካብ ኣርዑት ጭፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ ብምህዳም ካብ ጢዖ ተበጊሶም ናብ ወደብ ሑዶይዳ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ። መሓውራት ስለያ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምስ ዘምልከቶም መንግስታዊ ሰብ መዚ የመን ንምምላሱም ጽዑቕ ርኽባት ንምክያድ ምብጋሶም ምንጭታት የሕብሩ።

Californiaብመጀመርያ ቅድሚ ናብ ጸብጻብ ምኻደይ ድምጺ ኣሰና ንዓና ንሰማዕታ ንምሕጓስ ገጻታ ኣስፊሓ ዓምድታት ኣርቢሓ  ስለዝመጸት፥ ንኹልና ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ፈተውታን ሰማዕታን ኣሰየ ኣሰና እንቋዕ ሓጎሰና ክብል ይደሊ።

Igadኢጋድ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ማሕዝነት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ንጽላት ዕደና ናይታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ክዓልዉ ንዝንቀሳቐሱ ሶማላውያን ተቓወምቲ እትድግፍ ኤርትራ እገዳ ክገበረላ ሎሚ ሰኑይ 4 ሓምለ ከምዝጸውዑ ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

Londonኣብ ክሊ’ቲ ደቒ-ኣንስትዩ ኤርትራ ተወዲበን ንማሕበራውን ሰብኣውን መሰላተን ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታትን ተራኺብና  አብ ሕብረተ-ሰብና ህያው ግደና ንምዕዛዝን  ዘኽእለና ሓባራዊ መደባት ንምስራዕ ንኩለን ኣብ ስዕረት ምልካዊ ስርዓት ሃናጺ ኣስተዋጽኦ ክጻወታ ዝደልያ ኤርትራውያን ደቒ-ኣንስትዮ ኣብ ለንደን  አብ ዝካየድ ክፉት ናይ ዝርርብን  ምምይያጥን መጋብኣያ ብኽብሪ ንዕድም።

መእተዊ ፡-
ህዝቢ  ኤርትራ ምእንቲ ሓርነቱን ካብ  ባርነት ንምግልጋልን ከቢድ መስዋእትን  ኩቡር ዋጋን ከፊሉ፡ ኣብ  ሃገሩ ሓራ ኮይኑ ክነብርን ብኤርትራውነቱ  ክሕበንን; ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሑስ ጸጥታን ቅሳነትን ብዘይ ዝኾነ ብሄራውን ሃይማኖታውን ናይ  ቋንቋን ኣፋላላይ፡ ከቢሩ ክነብር ድልየታቱ እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ባዕዳዊ  ገዛኢ ሓይሊ ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ዘጋጠመ  ኣብ ትጽቢት ህዝቢ ኣይነበረን ።

ሰሚናር ግ.ሃ.ድ.ኤ ከመይ ነይሩ ንዝብሉ? ብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤሪትራ ኣብ ኢንድያናፖሊስ ብ 25 ሰነ / 2011 ዝተኻይደ ሰሚናር፡ ፍናን ዝሓዘለን ፡ መጻኢ ዓወት ህዝቢ ኤሪትራ ከኣ ናይግድን ከምዝረጋገጽ ዝእንፍትን፡ ዘረጋግጽን ኣዚዩ ዘሐጕስ ሰሚናር ኢዩ ነይሩ።

Militaryናይ ሎሚ መንቀሊ ዘረባይ ቁስሪ ስልኪ 122474 እያ። ትማሊ ቐዳም 2 ሓምለ መርበብ ኣሰና ኣብ ምምሕያሽ ሓዲረ ብርሃን ወጋሕታ ኣርኪቡኒ ቆሪሰ ኪድቅስ ኣንቀድኩ። ድቃስ ግን ኣይመጸለይን። ብኡ ኣቢለ በቲ ብዕጉግ ዓይነይ መደባት ቴለቭዥን ኣብ ምምእራር ኣተኹ። ኣብ መወዳእታ፡ ‘ቲቢ ኤረ ኸ እንታይ ኮን ትብል ትህሉ’ ኢለ ፍትን እንተበልኩ፡ ሓደ ኮለኔል ካብ ቀንዲ ሓለፍቲ ኮምሽን ስፖርት ብቐጥታ ቃለመጠየቕ ክገብር ተዓዘብኩ።

ደርቂሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ቫለሪ ኣሞስ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ጅቡቲ፡ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ፡  ከንያ፡ ኡጋንዳ ዝርከባኤን ሃገራት ዘይልሙድ ከቢድ ደርቂ ኣንጻላልዩዎ ከምዘሎ ብምግንዛብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብኣግኡ ነቲ ዞባ ንምርዳኣ ግብራዊ ስጉምታት ክወስድ ጸዊዑ።

WikileaksForeign Minister Osman Saleh adamantly and hotly denied Eritrean support for radical Somali Islamists June 17 as we delivered the Presidents letter addressed to Isaias (ref). This is the same line weve heard from numerous other Eritrean officials both in public and private. From a starting position that our information is correct, this
Flat Denial means the Eritrean officials are ignorant or lying.

ዘተ እቲ ቀንዲ መሳርሒ ኩሎም ተዋሳእቲ ንደምክራስያዊ ለውጢ ብሓንሳብ ሓቢሮም ነቲ ህልዊ ሕጽረታትን ዕድላትን ዝመያየጡሉ ከምኡ ድማ ነዚ ሕቶታትዚከመይ ገሮም ከምዝገጥምዎም ስትራተጂ ንምውጻእ ዝሕግዞም መገዲ ኢዩ። ዘተ ዕዉት መታን ክኸውን ኣብ ሓቀኛ መትከላት ዝተመስረተ ኮይኑ ነቲ ልዝብ መምርሕን ቅርጻን ይህብ።