Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ዓዲ እንግሊዝ፣ ሽወደን፣ ነርወይ፣ ሆላንድ፣ ጀርመን፣ ስዊዘርላንድ ዝኣመሰላ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብነፈርትን ባቡራትን ከምኡ ‘ውን ብመኻይን ማዕረ 14 ሰዓታት ተጓዒዞም፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ላምፐዱዛ ንምስዕሳዕ ዘዋደዶ ፈንጠዝያ ንምቅዋም ናብ ቦለኛ ዝኣተዉ ደለይቲ ፍትሒ፣ ብ ዓርቢ 4 ሓምለ ኣብ ፊት ‘ቲ

READ MORE

ደልይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ካብ ወርሒ ሓምለ ወርሓዊ ንኣሰና ከዋጽኡ ጀሚሮም   ደለይቲ ፍትሒ ላስቬጋስ ከምቲ ኣብ ኹሉ መዳያት ንፍትሒ ዝገብርዋ ቓልስን ተወፋይነትን ንሬድዮ ኣሰና ንምስሳን ብወልንተኦም  ካብ ወርሒ ሓምለ ዝጅምር ወርሓዊ 10 (ዓሰርተ)ዶላር ንምውጻእ ወሲኖም።   እዞም ደለይቲ ጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ተቐማጦ ላስቬጋስ ነታ ዘይትሕለል ሬድዮ ኣሰና ንምስሳንን

READ MORE

ዘፋነኻዮ ጋሻ ኣይመለስካ! ጉድ ረኺባ ቦሎኛ ደንጹዋ’ሎ ደንጺዩዋ ዘፈነዎቶ ጋሻ ብሑጋ ተመሊሱዋ ሰብ ምርጋጽ ዝለመደ ኣብ ሳዋ   ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን ቀዳሞት ‘ዘፋነኻዮ ጋሻ ኣይመለስካ! ምባሎም ስለ ዝፈለጡ’ዮም ከም ዘስዕብ ጥፍኣት ህዝባዊ ግንባር ከሎ ዝገደፋ ቦሎኛ ብኽብረት ህግደፍ ምስ ኮነ ንቦሎኛ ምልስ ምባሉ ብድፍረት ወይ ዕብዳን ኢዩ ወይ ንዕቀት ሕስረት’ዩ ታሪኻዊ ውርደት ናይ ጥዕና

READ MORE

  ህግደፋውያን ጉዶም ፈሊሑ ካብ ዝድግፎም ዝቛወም በዚሑ Tesfamariam W/Giorgis 05/07/2014 Norway ኣንታ ናይ ሎም ዘመንሲ ንበይናያ ከካብ ዘላቶ ተኣኪባ ፍትሒ ደልያ ተቓውሞ ከርኢ ኣብ ቦሎኛ ኢታልያ ዓገብ ሬሳ ረጊጽክን ክብለን ንዝላሃያ   ኣውራ ዘሐጎስና ዘሎ ናይ ሎም ዘመን ዓበይቲ ዓዲ ዝተኻፈሉ ምስ ሙሁራን ተበራቢሮም ህዝብን ሃገርን ንምድሓን እዚ ምልክት ውድቀትዩ ንህግደፋውያን   ብድያቆናት በቕሽሽቲ ብሸኻት ተዓጂቡ ህዝቢ ጥልያን ናይ ሕልና

READ MORE

ቅንያት ‘ሃገር ጥራይ ትሃሉ’።                   05-07-14፡ ከምቲ ናይቲ ጨጓር ከልቢ፡ ወያ ‘ኣላትና’ እንብላ ሃገርና ምህላዋን ዘይምህላዋን ካብ እንስከፈላ ሓያለይ’ዃ እንተሓለፈ፡ እንሆ ድማ ሎ ሚ ደረጃኡ ብዘየገድስ ኩሉ ኣባል ህግደፍ ኣውራ ድማ ሰበ-ስልጣናትን ኣለዉ ዝበሃሉ ስነ-ጥበበኛታትን ብእግሪ ኣያ ዑቕባይ ንንግደት ቦ ለኛ ክጽንበሩዎ እንተተኣዘዙ ግደፍ ከምቲ ቀደሙ “ሳላ’ዚኦም

READ MORE

ዕብዳንን ሓቅን ገጽንገጽ ክፋጠጣ   ህግደፍ ነታ ትልኽ ትብል ዘላ ሕይወቱ ትንፋስ ንምስኳዕ ካብ ነዊሕ ጀሚሩ፡ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሽም ሰማእታትን ብሽም ምድምሳስ ናደውን ውቃውን እትን እናበለ ፌስታቫል ኣዳልዩ፡ደረፍትን ሳዕሳዕትን ብምውዳብ ኣንፈት ህዝቢ ንምጥምዛዝ ብዙሕ ፈቲኑ’ዩ። ኣብ ወጻኢ  መሳርሒ ብዝኾኑ ሰባት ተማእኪሎም ኣብ ስዊድን።ኣብ ስዊስ ፡ሳዕሳዒትን ዳንኬራን፡መዓልቲ ናጽነት፡ሓዲሽ ዓመት ብምባል

READ MORE

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ “ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ” ክኸውን ኣለዎ እኳ እንተ ዘይበልና፡ ኣብ ገለ መድረኻት ናይ ሓባር ዓላማን ናይ ሓባር ጸላእን ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ነቲ ዝፈላሊዮ ንወሰን ሓዲጉ በቲ  ዘራኽቦ ሓቢሩ ክሰርሕ ናይ ግድን ይኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ

READ MORE

ቦሎኛ !! ናይ 10 ሽሕ ድምጺ ብ100 ሽሕ ዜጋታት ብወልደየሱስ ዓንደማርያም   ብዛዕባ  ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘቃልሖ ዘሎ መበል 40 ዓመት ዳንኬራ ቦሎኛ ድኣ፡ ገለ  ዘይትሕንጥጥ?  ክብለኒ እዩ ዝቐነየ እቲ ሕልናይ። ድሕሪ መልእኽቲ ናይዞም ዓበይቲ ኣቡናት እሞ፡ እንታይ ክጽሓፍ። እንታይ እዩ ኸ ክንበብ? ድሕሪ ቃለ-መጠይቕ ደጀን ሰባር ካርሸሊ ኸ እንታይ እዩ

READ MORE

ኣብ ከተማ ሚላኖ ዝርከቡ ቆንስል ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን መሓዮታቱን፣ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣዴታት እቲ ስርዓት ኣብ ቦለኛ ከካይዶ መዲቡዎ ካብ ዘሎ ፈንጠዝያን ዳንኬራን ከይተርፋ ምእንቲ፣ ን 7-8 ግዜ ብቴለፎን እናደወሉ፣ “ኣብቲ ውራይ ንነፍሲ ወከፍክን መደብ ስራሕ ተዋሂቡክን ስለዘሎ ፣ ብሰንኪ ምትራፍክን እቲ ተመዲቡልክን ዘሎ ስራሕ

READ MORE

ፈስቲቫል ቦለኛ፣ ንኢሳይያስ ንግደት፣ ንኤርትራውያን ንድየት ከተማ ቦለኛ፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ተኣኻኺቦም ከም ሃገራውያን ሓድነቶም ዘሐይሉሉ፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብተባዓት ተጋደልቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ቃልሲ ጥምጥም ንናጽነት፣ ሞራላውን ፋይናንሳውን ደገፍ ዝገብሩሉ ባይታ ከፊታ ብዝገበርቶ ታሪኻዊ እንግዶት ውዕለታ ብኣውንታ ክዝከር ዘለዎ

READ MORE

ስርቅን ክትራንን ኣብ ከተማታት ኤርትራ አብ ኤርትራ አብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት አዝዩ ሓያል ዝኸነ ስርቅን ክትራንን ምዕማጽ ደቂ አንስትዮን አብዚ እዋን አብ ዝኸፍኣ ደረጃ በጺሑ ይርከብ። ካብተን አዚዩ ስርቅን ክትራንን ዓመጽን ብሰፊሑ ዝርኣየለን ዘለዋ ከተማታት አስመራ፡ ከረን፡ ባጽዕ፤ ዓዲ ቐይሕ፡ መንደፈራ፤ ተሰነይ ባረንቱን ይረከብኦ። አብዚ ሕጂ እዋን አብ

READ MORE

The Italian Media has started to echo the message of justice The massacre of October 3 already forgotten Bologna hosts the party of the dictatorship of Eritrea Shared nobody noticed that the city, the gold medal of the Resistance and the symbol of steadfastness against terrorism, is

READ MORE

ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ንኽስደዱ ዝሓልፍዎ መስገደላት ዝገልጽ ምርኢት፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ኣመሪካውያን ተዓዚበሞም። ኣብ’ቲ፡ ብምኽንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተኛታት፡ ኣብ ህይስተን ብ21 ሰነ ዝተኸብረ ጽንብል፡ ተዓዘብ’ቲ፡ ሓጺር ታሪክ ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎም ኤርትራውያን ሓሳባት ለቢሶም፡ ኣብ ሃገሮም ዘጓኖፎም ግፍዒ፡ ክወጹ ዝሰግርዎ ጐቦ፡ ቁልቁለት፡ ስንጭሮን፡ ብፈንጂ ዝተሓጽረ መንገዲን ሰጊሮም፡

READ MORE

"በረኸት ሃብተስላሰ ዝጸሓፎ ቅዋም ንየው በሎሎሎ!!!!!!!!" ይቅረታ ብሓደ ስግንጢር ዝመስል ኣርእስቲ ጀሚረልኩም።ግን ብሓቂ ከም ቁምነገር ተሓሲቡ ዝተዘርበ እዩ።። ብኻልእ ዓይነት ቋንቋ ዝተዘርገሐ ቤላ-በለው ዓይነት ኮይኑ ከይስምዓኩም ብወረጃታት ማዕዶ ብቋንቋ ዓድናዝተዘርበ አዩ።እዚ ዘረባ እዚ ክዛረብ ዝኽእል ፍጡር ፡ብገለ ኣጋጣሚ ጎፍእንተ ኢሉኩም የተንፍስ ምህላዉ ክትጠራጠሩ ኢኹም እሞ፡ ቆንጢኹምሰብ ምዃኑ ኣረጋግጹ ።ሃይ እንተበለ፡ እሕሕሕ ወስኸሉ በልዎ። ውሕሕሕእንተበለ ግን ፡ከምዘይናትኩም ገዲፍክሞ ዓዲ እንተ ኣተኣተኹም ሓላልስለዝኾነ፡ ግልጽ ኢልኩም ኣይትርኣይዎ።ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰብ"ተመሊስካ እትረድኦ'ስ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ' ዝብል ምስላ ወለዲ ኣይሰርሕን አዩ።ብነብሱ እውን ፍጥረት ህዝብና መሃይምነት ዝዕንድረሉሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝተናፈሰ ወረ ክመሚ ዓቅሚ ይውሕዶጥራሕ ዘይኮነ ፡በቲ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ፣ ንረብሓ ረገጽቲ ዘገልግል 03፡መሽረፈት ከም ዘቀብል ገይሩ ከይፈተወ ክውደብ ስለዝተገብረ ኣብ ክሳዱገመድ ይጥምጥም ምህላው ክርድኦ ሓያለ ግዜ ክወስድ አዩ። ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ህዝቢ ዝደርበዮ ዱቦላ፡ ኢደ-እግሪሩ መትሓዚ ዘይነበሮ፡ ንለባም ዘይሓደሶ፡ ንዓሻ ግን መለሳ ኮይኑ ዝተሰምዖ መደረ፣ወርሕን ፈረቃን የሕሊፉ ኣብ ዘለወሉእዋን ፡ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣትየ፡ ምስ ሓደ ኣቀዲመዝፈልጦ ሻሂ ክንሰቲ ምስ ተኣለና፡ ዘረባ ዘረባ ዘምጸኦ ሃንደበት "ብበዓልዶክተር በረኸት ዝተጻሕፈ ቅዋም ንየው በልዎ "ዝብል ዱቦላ ዘረባ ምስሰማዕኩሉ ፡ቅንጥው እንተበልኩዎ ሃይ ስለዘይበለ ፡ብድድ አለ ቀልቀለይከምዝደርበኹ ጠንጢነዮ ዕዝር በልኩ።እታ ዘረባ ግን ከም ተራ ዘረባ ጌረክርዳኣ ኣጸገመትኒ እሞ ፡ምስቲ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ኢሰያስ ኣፈወርቂዝመደሮ ከተሳስራ ፈተንኩ። ከመቅጽበት ፡ብዘይካ ናይ ኣሰዃኹዓ ቃላትፍልልይ፡ መንፈሰን ሓደ ምዃነን ክርደኣኒ ግዜ ኣይወሰደለይን።ለከ ጥሪት'ሲካብ ዓበይቲ የብሉ ካብ ን ኣሽቱ በልኩ።ንሱ "ድሕሪ ካብ ማእለያ ዘየብሎም ተጻብኦታት ተሞክሮ ምቅሳምና መጻኢ መንግስቲ

READ MORE

ቦሎኛ  - መናሃርያ ቃልሲ ሓርነትና’ምበር መደልደሊ ጭቆናና ክትከውን ኣይግባእን ዮውሃንስ ጸጋይ - ሎንዶን - 26 ሰነ 2014   ኣብ ዓቕመ-ኣዳም ዘይበቕዐት ንኡስ ዕድመይ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈ፡ ብመትከልን ስነ-ሓሳብን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ተሓጺበ፡ ኣብኡ ዓብየ ተጋዲለ፡ ሰንኪለ፡ ዝበሃግኩዋ ናጽነት ክርኢ በቒዐ። እታ ዝበሃግኩዋ ሓርነት ህዝበይ ግን ክርእያ ኣይበቓዕኩን።

READ MORE