Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸይድ ምዃኑ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ሓለውኡ ኣቐዲሞም ብዱባይ ኣቢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሑ ከለዉ፡ ንሱ ውን ብተመሳሳሊ ብዱባይ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ ትጽቢት ይግበረሉ። እቲ ዶባት ከይተሓንጸጸ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘራኽብ የብልናን ኢሉ ን 16 ዓመት

READ MORE

ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ግጭትን ወጥርን ንምፍታሕ ዘሳለጠ መራሒ ኢማራት መሓመድ ቢን ዛይድ ኣናህያን ምዃኑ፡ ኣል ኸሊጅ ዝተባህለ ብዓረብ ዝሕተም ጋዜጣ ኢማራት ኣብ ናይ ሎሚ 10 ሓምለ ሕታሙ ገሊጹ። እቲ ጋዜጣ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ዝዓበየ ጋዜጣ ብስእሊ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን መራሒ ኢማራትን

READ MORE

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን 5 ነጥቢ ዝሓዘ ስምምዕ ምኽታም ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምፍርራሞም፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደባት ብሓባር ከማዕብላኦ ምዃነን ወግዓዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለጸ ሮይተርስ ሓቢሩ። ትማሊ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢ ኣሕመድ ዝመርሖ ልኡኽ

READ MORE

ወርሒ ሰነ፡ 2018 ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ንፋስ ከተንፍስ ተራእያ - ውሳኔ ባድመ ተቐቢልናዮ ዝብል ጻውዒት ሰላም ካብ ቀዳማይ ፕራይም ምኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ኣቢይ ኣህመድ ነፊሱ። ጸኒሑ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ሃንደበት ተቐቢለዮ ድሕሪ ምባል፡ ወከልቱ ንኣዲስ ኣበባ ልኢኹ፤ እቲ ኣብ ቅድም ክስራዕ ዝግብኦ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ተረሲዑ፡

READ MORE

መጋረጃ ኵርዓት ኪጥቕለል ከሎ (Losing One's Sense of Pride) ብ ኣማኑኤል ሳህለ   እቲ መጋረጃ ኵርዓት ምስ ተጠቕለለ፡ ኣብቲ መድረኽ ኮይነን ምውሳአን ዚቕጽላ ባህርያት ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ ውርደትን ሕስራንን እየን። ኵርዓት (sense of pride) ምስ ኣልገሰ፡ ብድሕሪኡ ዚስዕብ ኩሉ ባህርያት፡ ንእንስሳ ደኣምበር፡ ንሰብ ዚበቅዕ ኣይኮነን፡ ከመይሲ፡ ኩሉ እንስሳዊ

READ MORE

ሰላም ንኹሉ ፍጡር እምነ ኩርናዕ ህላወ፡ ምዕባለን ክብረትን ስለዝኾነ፡ ኣገዳስነት ፍቅርን ሰላምን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ምስ ካልእ ህዝቢ ዝግበር ምሕዝነት ፍሉይነት ኣለዎ። ክልቲኡ ህዝብታት ንብዙሕ ዓመታት ብጉርብትና፡ ብባህሊ፡ ብታሪኽን ብንግድን ዝተቋረነ ስዝኾነ፡ ብልቦና ዝጎደሎም መራሕቲ ነቲ ክውንነት ክተዓናቀፍ እምበር ነቲ ክውንነት ንዘንተ

READ MORE

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ኣብ 2018 ዓመተ ምህረት፡ ድሕሪ 27 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ መወዳእታ 50ታት፡ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ፡ ድንግርግር ኢሉዎ፡ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ተዓኒዱ ይርከብ ኣሎ። እቲ `ህዝቢ ኤርትራ ዕዋኖ፡ ኣብ ኢድካ ኸሎ ልማኖ` ተባሂሉ ዝተደርፈሉ ዘመን እንሆ ዳግም ተመሊሱ። ስለምንታይ! እቲ ዝገርምን ዘሕዝንን፡

READ MORE

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣስመራ ከምዝኣተወ ኤረ ቲቪ ሓቢራ። ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክቕበሎ ኸሎ፡ ህዝቢ `ውን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተሰሊፉ እንኳዕ ደሓን መጻእካ ኢሉዎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ካብ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ኣጋይሽ ክመጽኡና ኢዮም ኢሉ

READ MORE

መንነትን፡ ብልጫን ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ።   መእተዊ (Introduction) ህዝባዊ ማዕበል ዝበሃል፡ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ፡ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገርና ዝነብረን ፡ዘሎን ጭንቀትን፡ መከራን፡ ማእሰርትን፡ህዝባዊ ህልቂትን፡ ብሕልፊ ከኣ፡  ካብ’ቲ መከራ ክምልጡ’ሎም፡ ብዕለት 13 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ገምገም ደሴት ላምፓዱሳ፡ ዓዲ ጣልያን ኣስታት 360 ዝኣኽሉ

READ MORE

ባድመ መናሃሪያ ኲናት ዝነበረት፡ ድንድል ናይ ኣህዛብ ሕውነትን ፍቕርን ክትከውን ካብ ብዙሕ ኩርንዓት ይዝመረላ ኣሎ። ሰናይ ንኹሉ ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ! ገለ ወጻእተኛታትን ኤርትራዊያንን፡ ባድመን ከባቢኣን ከውሒ ምዃኑ ይዛረቡ ኢዮም። ነገራት ንምልስላስ ዝኣመተ መደረታት እንተዀይኑ ጽቡቕ፤ ብዝተረፈ፡ ባድመን ከባቢኣን ጐልጐል ኢዩ። ይትረፍ ባድመ፡ ምድረበዳታት ክለምዑ ብውሕዱ ብወረ

READ MORE

መስዋእቲ ዋጋ ሰላም (Sustainable Peace) ብ ኣማኑኤል ሳህለ ከምቲ ወረ ውግእ፡ ኣብ ሰባት ስግኣትን ሽበራን ዚፈጥር፣ ወረ ሰላም ድማ ብኣኡ መጠን፡ ኣብ ገሊኡ ኩነታት፡ ስግኣትን ጥርጠራን ይፈጥር እዩ። ብመሰረቱ፡ ክልቲኡ ክስተታት ኣብ ሓድሽን ዘይትፈልጦን ኩነታት ስለ ዘእትወካ፡ ናይ ክልቲኡ መወዳእታ እውን ኣረጋጊጽካ ክትፈልጦ ስለ ዘይትኽእል፡ እቲ ስግኣት

READ MORE

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሕ.መ.ኣ.) 28 ሰነ፡ 2018 ******** ኣብ ህይወት  ዘሎ ሰብ ግድን ይሓስብ፣ ሓሳብ ብቓል ይልለ፣ ቃል ኣብ ግብሪ ምስ ተተርጐመ ኸኣ ህያው ይኸውን። ምሕሳብ ዘየቐድም ቃል፣ ብቓል ዘይትለም ግብሪ ፍጹም ኣይህሉን። እምበኣር፡ ጸጋ ሓርነትን ፍትሕን ኣብ ሃገርና ህያው ንምግባር ናብ ውሽጥና ብምጥማት፡ ከም ውልቀሳባትን ከም

READ MORE

ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሻዱሻይ ዓመታዊ ርኽክብ፡  ኣብ ሰነ 22-24 2018 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ተኻይዱ። ብመሰረት እቶም ዓበይቲ ዕላማታት ናይ`ዚ ዳግመ-ርክብ`ዚ፡ ንውህሉል ናይ ሓባር ተመክሮታት - ብስእሊ፡ ብቃል፡ ብጽሑፍን፡ ብቪድዮን፡ ንምስናድን ትርጉም ንምሃብን፡ ከም`ተን ዝሓለፋ ርኽክባት ዝልለ ኣሳልጦ ነይሩዎ። ዓርቢ ሰነ 22 /2018፡

READ MORE

ሰላምን ዕርቅን'ስ ባህግና’ዩ ይገበር ልዑላውነት ቀይሕ መስመር ግን ከይስገር። ብተስፋይ ተኽለ ሕ/መ/ አሜሪካ ዶክተር አብይ አሕመድ አብ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ሚኒስትር ኮይኑ ስልጣን ካብ ዝሕዝ መስርሕ ለውጢ አብ ኢትዮጵያ ይሐንን አሎ። እቲ ኢትዮጵያ ናበይ ገጻ ኮን’ያ ዝብል ንብዙሐት ሕቶ ምልክት ዝፈጠረ፣ አቶ ኢሳያስ’ውን “Game Over ( ግጥሚያ አብቂዑ)" እንዳበለ

READ MORE

ክቡራት ተኸታትልቲ ድምጺ ኣሰና፡ ቀጺልና እነቕርበልኩም ትሕዝቶ፡ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለ ብእንግሊዝኛ ዝሕተም ጋዜጣ ኢትዮጵያ ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ለውጢ መሪሕነትን ቅልጡፍ ጽገናዊ ለውጥታትን፡ ኣንፈት ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት፡ ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ማይክ ራይነር ካብ ዝገበሮ ቃለመጥየቕ ነቲ ንኤርትራ ዝምልከት ቆልጪልና

READ MORE