Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Lost Boat(ነዚ እንደገና ብተወሳኺ ሓበሬታ ዝተመሓየሸ ዜና ንምርኣይ ብሰማያዊ ሕብሪ ተጻሒፉ ዘሎ ሕጡበ-ጽሑፋት ተመልከቱ) ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ’ዚ ብዝምልከት ዘዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከነስዕበልኩም ምዃና ከምዝሓበርናኩም፡ ብፍላይ ንቑጽሪ ናይቶም ግዳያት ብዝምልከት ዝረኽብናዮ ዝያዳ ዝተጻረየ ሓድሽ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

capsizedካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ቅድሚ ሰሙን ዝተበገሱ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም 335 ስደተኛታት ደሃይ ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ገለ ቤተሰቦም ምስኣቶም ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስናይ ከቢድ ጭንቀትን ስግኣትን ሓቢሮም።

ኣሽንባይ ዶ ሕጂ ኣብ ናይ ቅልውላውን ህውከትን እዋን፡ ኣብቲ ንቡር ግዜ ‘ኳ ኣብ ሊብያ ቅሳነት ኣይነበረኩምን። ጸገምኩምን ሻቕሎትኩምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሊብያውያን ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዕሱባት ቐዛፊ ጠርጢሮም ዝሃድኑሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ክቱር ሓደጋን ጭንቀትን ከምዘለኹም የሻቕለናን ይርድኣናን እዩ።

ኣሽንባይ ዶ ሕጂ ኣብ ናይ ቅልውላውን ህውከትን እዋን፡ ኣብቲ ንቡር ግዜ ‘ኳ ኣብ ሊብያ ቅሳነት ኣይነበረኩምን። ጸገምኩምን ሻቕሎትኩምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሊብያውያን ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከም ዕሱባት ቐዛፊ ጠርጢሮም ዝሃድኑሉ ዘለዉ እዋን ኣብ ክቱር ሓደጋን ጭንቀትን ከምዘለኹም የሻቕለናን ይርድኣናን እዩ።

Gadafi and Isaiasህዝቢ ሊብያ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መስፍናዊ ስርዓት ኮለኔል ሙዓመር ኣልቓዛፊ ብምውዳቕ ለውጢ ንምትእትታው ብርቱዕ ናዕቢ የካይድ ኣሎ።

Gadafi and Isaiasህዝቢ ሊብያ ነቲ ን42 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መስፍናዊ ስርዓት ኮለኔል ሙዓመር ኣልቓዛፊ ብምውዳቕ ለውጢ ንምትእትታው ብርቱዕ ናዕቢ የካይድ ኣሎ።

ኣቐድም ኣቢሎም፡ ንኤውሮጳ ኣብ ጉዕዞ እንከለለዉ ጃልብኦም ብምብልሻዋ ብምትሕግጋዝ መንግስቲ ጥልያንን ሊብያን ካብ መዓት ወጺኦም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ዝርከቡዎም 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሰበስልጣን ሊብያ ተገፊፎም ምስ ተወስዱ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ሓቲቶም ዝደሓኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ (8 መስከረም 2009) ናብ ሊብያ ተመሊሶም ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

refugees

ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢውሮጳ ክሳገሩ ዝፈተኑ፡ ዓረባውን ኣፍሪቃውን መበቆል ዘለዎም ልዕሊ 200 ስደተኛታት ጃላቡኦም ድሕሪ ምጥሓለን ሃለዋቶም ኣብ ኣጣራጣሪ ኩነታት ወዲቑ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን።

ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ሰበስልጣን ሊብያ ብዘይካ ‘ቶም ኣብ ምስርታህዝ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ኣሲሮም ዘሳቕዩዎም ዘለዉ 700 ኤርትራውያን፡
ዛጊት ብ UNHCR ዘይተበጽሑ 7 ደቀንስትዮ ዝርከባኦም 53 ካላኦት ኤርትራውያን ኣብ ዳንፉድ ዝብሃል ኣብ በንቓዚ
ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ኣሲሮም ምህላዎም እቶም ግዳያት ብቴለፎን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም።