Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 ሰላም ከመይ ትቕንዩ ኩቡራት መንሰእያት ደቂ ኤረ፤ አብ ዚሓለፈ ጊዜ  ንእሽተ ምሕጽንታ ቢዛዕባ ሱዳንን ሊብያን ዝምልከት ጽሒፍና ኔርና ምስ ካልአየይ።  ሕጂ ዲማ ቢዛዕባ ህልውን መጻኢን ሃገርና ኪንዘራረብ እንተ ኾይና መጀመሪያ   ዘገድሰና ህላወኩም ውሕስነት ህይወትኩም እዩ።

aba kidaneእዞም ኣብ ስእሊ እትርእይዎም ኣባ ኪዳነ ዝተባህሉ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝርከብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ካህን ኢዮም። እንተኾነ እዞም ዝተጠቕሱ ካህን ብዛዕብኦም ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ብዙሕ እኳ ዝዝረብ እንተኾነ ንግዚኡ ግን በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ስርዓት ህግደፍ ዘጎሳጉሰሉ ዘሎ ብስም ﷽ህዝባዊ መኸተ﻾ ዝጽዋዕ ዘረፋ ቀንዲ ተዋሳእን ጎስጓስን ኮይኖም ስለዝረኸብናዮም ብዛዕብኦም ገለ ክንብል።

ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ዝተፈላለዮ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበርን ካብ ዕለት 02 ሕዳር 2007 ዓ.ም ጀሚሮም ከካይድዎ ዝጸንሑ ንናይ ሓባር ስራሕ ዝምልከት ዘተታት ብምቕጻል ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 05 ጥሪ 2008 ዓ.ም ሓሙሽተ ፈጻሚት ኣካል ዘለዋ ባይቶ ብምቛም ከስርሖም ዝኽእል ውሽጣዊ ሕጊ ኣጽዲቖም።

ስርዓት ህግድፍ ካብ ወጻኢ ዓዲ ንምብጻሕ ንዝኣትዉ ኤርትራውያን ፍሉይ ኣተሓሕዛ ይገብረሎም ከምዘሎ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

zerisenayበሃር ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኢድንብራ (ዓዲ እንግሊዝ) ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 9.3 ኪ.ሜ ሃገር ኣቋራጭ ውድድር ጉያ (Bupa) (cross-country championship ) ዝነኣድ ቅድድም ብምክያድ ካልኣይ ደረጃ ወጺኡ።

DPሰሚናር ኣብ ስቶክሆልም – ብሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ (ኣካል ህጹጽ ጉባኤ ናይ መስከረም 2007 ): ኣርእስቲ  ዘተ፡ ቅልውላው ኤርትራን፡ ግደ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ! (ህግደፍን፡ ተቓወምትን)

asterሓፍትና ኣስቴር ወልዱ ብዕለት 16-03-1964 ካብ ኣቦኣ ግራዝማች ወልዱ ህብትዝግን ኣዲኣ ወ/ሮ ተረዛ ተስፋማርያም ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ተወልደት:: 8 የሕዋት ድማ ኣለዉዋ:: ከምቲ ንኹሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘጋጠሞ ኸኣ፡ ዝበዝሑ ገሊኦም ንሜዳ ገሊኦም ንስደት ፋሕፋሕ ኢሎም። ከምኡ እውን ናኣሽቱ ኮይኖም ዝተረፉ የሕዋት ነይሮም::

ዝኸበርኩም መራሕቲ ዉድባት ኤርትራዊ ዲሞክራሳዊ ኪዳን ተካፈልቲ ኣኼባ ጥሪ 15, 2008፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም፡፡ ከም’ዉን ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብምጥቃም እንቋዕ ናብ 2008 ዓ.ም.ፈ. ንክትሰጋገሩ ኣብቕዓኩም ንብል፡ ዓመት ሰላምን ፍቅርን፡ ዓመት ራህዋን ፍትሕን ክዀነልና ዘሎና ሰናይ ትምኒት ድማ ንገልጽ።

ንፖለቲካዊ ስልጣን ከም ናይ ህይወት ግድነት (necessity)  ዝርኢ ‘መራሒ’፡ ድምጺ ናይቲ ክመርሖ ዝሕልን ህዝቢ ምስማዕ ክኣቢ፡ ንሕቶታት ህዝቢ ምምላስ ክስእን ኸሎ፡ ንህዝቢ ጥፍኣት ንነብሱ ኸኣ ዕዳ ታሪኽ ከምዝፈረደ የረጋግጽ። ስለዚ ኸኣ ‘ዩ ህዝቢ ኤርትራ ሹም፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከኣ ሽም ስኢኑ ዘሎ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዝገበረሎም ህጹጽ ጻውዒት ብሃንደበት ናብ ኣስመራ ከምዝኸዱ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዛዕባ ፎየር ሀርዝ (Feuer Herz) „ነበልባል ልቢ“ እትብል ብቋንቋ ጀርመን ተጽሒፋ ዝወጸት ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እተነውር መጽሓፍ ብርቱዕ ዝኾነ ተቓውሞ ኤረትራውያን ከምዘጋጠማ ዝዝከር ኢዩ። ሕጂ ከኣ ከም ፊልም ኮይና ክትቀርብ ኣብ ፍጻሜ ክትበጽሕ ትቃራረብ ኣላ።

እዛ ብመስዋእቲ ኣሸሓት ብሉጻት ዜጋታታ ዝትረኽብት ኤርትራ ሃገርና ኣብ ክንዲ ሕድሪ ስውኣታ ኣኽቢራ ንዜጋታታ ጠርኒፋ ናብ ጎደና ልምዓትን ምዕባሌን ትግስግስ እሾኽን ግሃንምን ንዜጋታ ብሙኻን መጻወትን መደሰቲትን ናይ ቅልጽሞም ዘሕበጡን ቶንኮለኛታተን ኮይና ትረከብ ኣላ።

ንኢትዮጵያዊ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ብኣካል ኣይፈልጦምን እየ።ብዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ሰነዳትን፤ከምኡውን ምስ ብዙሓት ምስዝፈልጥዎምን መጋድልቶምን ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ህወሓትን ኤርትራውያን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ብዝካየድክዎ ዕላላትን ወግዕን ከምዝተረዳእኽዎ ግና ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ጅግና ሓርበኛ፤ተባዕ ወዲ ህዝቢ ምዑት ተጋዳላይ እዮም ነይሮም።

ኪዳን“ እዞም ንኣእሙሮ ንእስነተይ ሓቅን ቅንዕናን፡ ተወፋይነትን ጅግንነትን ዘዕጠቑዎ ብጾት፡ ከመይ ኢሎም ዝናርካ ፍታሕ ይብሉኒ ኣለዉ? ኣነ ክውዛዕ፡ ክጋደል፡ ኣብ ልዕሊ መሬት ይኹን ትሕቲ መሬት ብጻይ ተጋዳላይ ኮይነ ቅያ ክሰርሕ ‘ምበር፡ ከመይ ኢለ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዛንታ ተጋዳላይ ከድንቕ እነብር…! መልክዐይ መስዋእቲ፡ መስትያተይ ታሪኽ እዩ። ጽባቐይ ከኣ ካልኦት ‘ምበር ኣነ ክርእዮ ህርፋን የብለይን!”

ኣብ ምዝዛም ዓመተ ክልተ ሽሕን ሸውዓተን ዝወዓለት ናይ መወዳእታ ሰንበት ዕለት 30 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሎንዶን ብጻዊዒት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝተጸውዐ ናይ ህግደፍ  ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ካብቶም እሙናት ደቂ ውሻጠ ዝባሃሉ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ሻሂ ክዕለል ቀንዩ’ሎ።

ቀጺልና፡ ንቀዳም 5 ጥሪ፡ 2008 (Saturday, January, 2008), ስዓት 21፡00 ብናይ ማእከላይ አውሮፓ አቖጻጽራ: ተስፋልደት አለም ማሓረና፡ መስራትን አቦ ወንበርን ናይ „asmarino.com“ አብ መራኸቢ ብዙሓን „Paltalk: Eritrean Room for strong and united opposation“ ሕዝናልኩም ክንቀርብ ስለ ዝኾና፡ ምሳና ክተምስዩ/ያ ብኽብሪ ንዕድም::