Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com


ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ሓቲቶም ዝደሓኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ (8 መስከረም 2009) ናብ ሊብያ ተመሊሶም ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እቶም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ከምዝሓተቱ ብመንገዲ ኣሰና ዝሓበርናኩም 90 ኤርትራውያን ናይ ህይወት ኣድሕን ጻውዒቶም ኣንታዊ ምላሽ ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ንምርድኦም ብሓለዋ ባሕሪ ዝተኻየደ ስርሒት ሎሚ 8 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ተዛዚሙ፡ ከምዝደሓኑ ካብ ዓዲ ጥልያን ዝረኸብናዮ ኣፈናዊ ኣፍሊጡ።


90 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ኩነታት ከምዝርከቡ፡ ሓደ ካብኣቶም  ሎሚ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ኣብ ነርወይ ንዝረክቡ ቤተሰቡ ቴሌፎን ብምድዋል ርድኡና ክብል ጸዊዑ ኣሎ።