Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጥራጥ ዝቐርቀረ ነይዘልል።                 16.01.16፡ ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ከምቆጸራይ ነዛ ኣርእስቲ ኣዳልየ ክፍኑ ካብ ዝደናናዕ ሓያለይ ኮይኑ’ኳ እንተኾነ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑን ምስ ሓቀኛ ኣብነታቱን ንዝሰራሕክዎ ዕዮ ሰለዘይዓገብኩሉ ከምቲ ዝሐሰብኩዎ ክገብር ከምዘይመረጽኩ ኣግሂደ ክገልጽ እፈቱ። እንተኾነ ስ ንምእማት ዝኣክል ንዘቕረብኩዎ ሓሳብ ክትከታተሉኒ ብትሕትና እላቦ። ኣርእስትና ከምዝሕብሮ “ጥራጥ ዝቐርቀረ ነይዘልል” ዝብል እንድዩ፡

READ MORE

ኣብ ካናዳ፣ ኣልቤርታ ‘ፎርት ማክማሪ’ ኣብ ዝብሃል ከተማ ዝቕመጡ ዝነበሩ ቀሺ ሓይለኣብ ዝብሃሉ ኤርትራዊ ካህን ዝሓለፈ ሓሙስ 14 ጥሪ ንጉሆ ብሓደጋ መኪና ከምዝዓረፉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ፖሊስ ኣልቤርታ ነቲ ናብ ሞት ዘብጽሖም ግጭት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፣ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ እዋን ጽርግያ ብበረድ ተሸፊኑ

READ MORE

ኩላትና ከምዝተኸታተልናዮ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንጸብጻብ ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንምብርዓን፡ እንተስ ብምትላል እንተስ ጸቕጢ ብምግባር ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ከምዘየሎ ዘረጋግጽ ክታም ካብ ኤርትራውያን ክእክብ ተዋፊሩ ይርከብ። እቲ ሓቂ ኩሉ ከምዝፈልጦ ግና ጠንቂ ስደትን፡ ሕስረትን፡ ምብትታንን፡ ሞትን ኤርትራውያን ብሰንኪ ጉድለት ግዝኣተ ሕጊ

READ MORE

    ብ4 ጥሪ 2016, “ኤርትራ ንብዓታ ዝደርዘላን ዝእብዳን ውላድ ትደሊ’ላ” ዝብል ጽሑፍ ምስቀረብ፡ ሓው ሳይሞን ገ. (Simon G.) ደጋፊ ህግደፍ መን ምዃኑ እኹል መረዳእታ ከምዘየለን ቀንዲ ጠንቂ መንሽሮ ጸገማትና እንታይ ምዃኑን ዝሕብር ዓንቀጽ ክቀርብ ተማሕጺኑ ነይሩ። ነቲ ሳይሞን ዝሓተቶ ኣርእስቲ ንምብራህ እቲ ሓው ኣሕመድ

READ MORE

(ኣብ ናይሮቢ’ኸ፣ ኣምበሳደር ዓንደብርሃን’ዶ፣ ወይስ ኣቶ ሳልሕ ጀውሃር’ዮም ‘ቶም ጌገኛ?) ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ይገብር፣ ኣብ ሓደ ገምጋም ህዝባዊ ግንባር ዝግበረሉ ዝነበረ ኣኼባ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፣ ህዝባዊ ግንባር ጭፍራ ሰራዊት ኢዩ፣ ንተሓኤ ከኣ ከውድቓ ከቶ ኣይክእልን ኢዩ እናተባህለ ኣብ ዝፍከረሉ ዝነበረ እዋን፥ ሓደ ስሙ ንሕጂ

READ MORE

ደድሕሪ ‘ቲ ኣብ ጥሪ 21 2013 ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ብስርሒት ፎርቶ ዝፍለጥ ኮለኔል ወዲ ዓሊ ዝተሰውኣሉ ምንቅስቓስ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ጃምላዊ ማእሰርቲ ሓደ ካብ ግዳያት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኑ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ክሳቐ ዝጸንሐ ገዲም ተጋዳላይ ኣሮን ታደሰ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ድሕሪ

READ MORE

ስነጥበበኛ ብርሃነ ኣብርሃ (ወዲ ዛግር) ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ሃንደበት ብምዕራፉ ዝተሰማዓና ሓዘን እንገለጽና፣ መንገስተ ሰማያት የዋርሶ፣ ንቤተሰቡን መተዓብይቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም ንብል። ኣብ ወጻኢ እንርከብ መተዓብይቱ ኣባላት ቤትትምህርቲ ሰውራ

READ MORE

የማነ ተፈሪ ኣብ ኖርወይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክረክብ ንኣስታት 20 ዓመት ተቓሊሱ: ሕቶኡ ከይተመለሰ ኣብ 58 ዕድሚኡ ሓሙስ 7 ጥሪ ሃንደበት ዓሪፉ ብምባል ጋዜጣታት እታ ሃገር ገሊጸን::የማነ ኣብ ኣፍልቡ ቃንዛ ተሰሚዕዎ ብሓካይም ሓገዝ ተገይሩሉ ክድሕን ከምዘይክኣለ ተፈሊጡ:: ንሱ ኣብ ሽወደን 9 ዓመት ድሕሪ ምቕማጡ ኣብ 1998

READ MORE

ኪዲ በሊ! ኪዲ ምስ’ዛ ዘይትበሊ ሓሶትኪ ዝኸበርካ በዚሑ ናብ ዕብዳን ስለ ዘድሃበልካ ዝኸበርኪ ክብል እንተመለሰልካ ንኺድ ጥራይ! ኪዲ  በሊ! ኪዲ ንገደልኪ ክጸድፍ’የ ካብ በልኪ! ሓቂ ምዕባጥ ካብ ኮነ ኣመልኪ ምስ’ዛ ዘይትበሊ ሓሶት ምንባር ትሓይሽ እንተልኪ ኣመል ምስ መግነዝ ሓቂ ምዃኑ ካብ ኣረጋግጽኪ ብደም ሰብ ዝተሓጽበ ሰይጣን ኮንኪ ብሓሶት ተጠሚቕኪ ብሓሶት ካብ ነገስኪ ካብቲ ቁጽሪ ዘይብሉ ሓሶትኪ

READ MORE

ኩልና ከምንፈልጦ ብሰንኪ ጭቖናን ግፍዕታትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ባርነት ዝዳረግ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንሱ ዘስዓቦ ናይ ስድራቤት ምብትታን፡ መወዳእታን ተስፋን ዘይብሉ ህይወትን፡ ኤርትራዊ ብኹሉ ሸነኻቱ መሰሉ ስለዝተጋህሰን፡ ካብ ኤርትራ ክስደድ ተገዲዱ፡ ኣብ ፍቀዶ ሃገር ፋሕ ኢሉ ይርከብ። ሃገርና ኻአ ብሰንኪ ብምኳር ሕጊ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ

READ MORE

ዜና ካብ ሰሜን ኣመሪካ 7 ጥሪ 2016 ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት’ቲ ኣህጉር ንዝርከቡ ወከልቱን ሰዓብቱን፡ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ንምቅዋምን ንምጥምዛዙን ፌርማታት ካብ ኤርትራውያን ክእከብ ህጹጽ መምርሒ ኣመሓላሊፉ። ብመሰረት’ቲ ኤምባሲ ህግደፍ ዝዘርግሖ

READ MORE

ዝኽሪ ሓላው ስጡሕ 3ይ ክፋል፡                                        06.01.16፡ ድሕሪ ናጽነት ከመይ ቀኒኹም ደቂ’ዛ ከም ዓረ ዝተረረት ጽንዕቲ ሃገር። ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ብዛዕባ ሓላው ስጡሕነተይ ብዘቕረብኩዎ ጽሑፍ  ካብ ዝመጻኒ ክልተ መልእኽቲ እታ ሓንቲ ሓላው ስጡሕን ሓላው ወሰንን ሓደ ምዃኖም ተበስር ኣተባባዒት መልእኽቲ ኣንቢበ ሓጎሰ ይ ምጻር ስኢነዮ ክፍንጫሕ ደልየ ምቕናየይ

READ MORE

ኣብ ዱባይ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ስልጠና ሓይሊ ኣየር ብምውሳድ ካብ ዝተመረቑ 12 ኤርትራውያን መንእሰያት፣ እቶም ኣርባዕተ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምርሕራሕ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። እቶም፣ ናይ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ስልጠና ፈጺሞም ድሕሪ ምምራቖም ነቲ ምልካዊ ስርዓት ራሕሪሖም ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ መንእሰያት ካብ 19

READ MORE

ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፣ ከባቢ ሙልቂ፣ ቀጢና ኣብ እትብሃል ዓዲ፣ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ኣትሒዙ ናይ ወርቂ ዕደና ስርሓት ከካይድ ዝጸንሐ ሩስያዊ ኩባንያ ዕደና፣ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናይ ስራሕ ፍቓዱ ድሕሪ ምዝራዙን ንብረቱ ድሕሪ ምድስካሉን ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ካብ ኤርትራ ከምዝወጽአ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብቲ ኩባንያ

READ MORE

እቲ ምቕያር ናቕፋ ብዝብል ምኽንያት ገንዘብ ህዝቢ ዝገበተ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብዘይካ ‘ቲ ብሓላፍ ዘላፍ ኣብ ገለ ከባቢታት ዝዘርግሖ 10 ሽሕ፣ ንተጠቃሚ መተካእታ ሓድሽ ናቕፋ ብዘይምሃቡ ህዝቢ መነባብሮ መሪሩዎ ሸገርገር ኢሉ ኣብ ቅልውላው ከምዝርከብ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እቲ ዓማጺ ስርዓት ሓደ ሚልዮን ይኹን ብዓል 20

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብመርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተዘርግሐ ንዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እቲ ስርዓት ዘቃልዕ ጸብጻብን ገና ዝቕጽል ዘሎ መርመራን ንምቍንጻብን ንምቅዋምን ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝጀመሮ ፌርማታት ናይ ምእካብ ጎስጓስ፣ ኣብ እስራኤል ‘ውን ይቕጽሎ

READ MORE

28/12/2015 ምስጋና! ኩሉኩም ሰብ ሕልና ዘምሴኹም ምሳና ልግሲ ዘወፌኹም ንማሕበረተሰብና ብስም መላእ ማሕበር ይብጻሕኩም ምስጋና። ልግሲ ዝኣመሎም ሓሊዮት መበቆሎም ዘለዎም ዝነግፉ ንድሕነት ማሕበሮም ሞራል ዘሐድሱ ልቢ ዘረስረሱ ዝያዳ’ቲ ዝሃብኩም ይሃብኩም እግዚሀር ለጊሱ፡ ሳላ ንጹህ የእዳው ንጹህ ልቢ ለጋስ በዓልሕልና ኩልጊዜ ወሃቢ ሳላ መንፍዓትኩም ሳላ ሓላል ተበግሶ በቂዕና ማሕበርና ናብ ንቡር ክንመልሶ፡ ኣቱም ዝሃብኩም ኣምላኽ ዝያዳ ይሃብኩም ኣቱም ዘይለገስኩም ኣምላኽ

READ MORE

ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን, “The Red Sea is Slipping into Total Arab Control” ብዝብል ኣርእስቲ ንህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንዝምድናን ምትእስሳርን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ደገፍ፡ ተቃውሞን ሻቅሎትን ግብረ መልሲ ቀሪቡ። ኣምባሳደር ሄርማን ስለምንታይ ኣብዚ

READ MORE

ብ 24 ነሓሰ 2015፣ እቶም ISIS ተባሂሎም ዝፍለጡ ጥሩፋት እስላማውያን፣ “ሃይማኖትና ኣይንቕይርን” ኢሎም ንዘቕበጹዎም 39 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ብኻራሩ ከምዝተሓርዱዎም፣ ሓደ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ጠለቦም ብምቕባሉ ካብ ሞት ዝደሓነ፣ 20 ሜትሮ ርሒቑ ነቲ ኩሉ ግፍዒ ብዓይኑ ዝረኣየ ትሕቲ ዕድመ ናይ ዓይኒ ምስክር

READ MORE