Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክንብል በለ’በር ኣይፈሰሰን: ድንክል በለ’በር ኣይተኻዕወን: ንኽጸድፋ ኢልካዶ ትነንወን: ዝገዯደ ድማ ኣጆኽን ዝብልወን፡ ካብ እግሪ መልሓስ’ንዱዩ ዝዕንቀፍ: ክንዱ ምእራሙ ‘ታይ ኣበለና ገፍገፍ: ንኸይትጸድፍ’ኳ ቆንጠጠፈ ዝሕቖፍ : እወ! ተጋግየ ንምባል ንምንታይ ንስከፍ [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2013/10/Abeba_poem_3.pdf"]

READ MORE

ኣደታት ኤርትራ! ኣደታት ኤርትራ ኣብ ስቓይ ዘለኽን መላኺ ኪጻወት ብህይወት ደቅኽን መንዚዑ ኪወስዶ ካብ ማሙቕ ሕቑፎኽን ሓድጊ ከይገደፈ ከይጠፍእ ፍሬኽን ንኸተምስልኦ ጓል ሰብ ኣናዲኽን ምስ ኣጽናቲ ስርዓት ትጓየያ ኣለኽን! ኣትን ግዳይ ምልኪ ኣደታት ሰውኣት ብዘይ መርዓዊዶ ትሕጸን’ያ መርዓት ክንደይሳዕ ክትሓዝላ ሕሰም ከም መንደዓት ኣምላኽ ኪሰጎልና ነዚ ፈጣር መዓት ጸሎት ዘይትገብራ ክንድሕን ካብ ጥፍኣት! መላኺ ኣብ ልዕሌኽን ከሽካዕልል

READ MORE

ንዝኽሪ ጅግናን ተባዕን!!!!!!!!! ተጋዳልይ ቢትወደድ ኣብራሃ፡ ብሪጋደር ጀነራል፡   ቢትወደ ኣብራሃ ዕባይ መንደፈራ ቲቦ ውዒሉ ዓዲ መንጎቲ ዝሓድራ ኣንበሳ በረኻ ዘይውስኽ ጃህራ ቖልዓ ሳንጀርጆ ጅግንነተ ብኹምራ ተገራህካዶ ብጠላማት ደቂ ኣስመራ ሓሶት ዝዕጣቖም ጥራሕ ጉራ ንሳኻ ዘይብሉ ሃገርና ሓሲራ።   ጅግና መማህርተይ ዓድወግሪ ይዝከረካዶ ከነጉሂ ንፊተውራሪ በጃኹም ክብሉና ምስቲ ኩሉናህሪ ክብሉና ሕራይ በሉኒ ንኮለጅ ቀያሪ ሳንጀርጆ ዓጺና ወሰኽናሉ ነድሪ ኣይነምሑን ባሎ ካብ ዓድና

READ MORE

ንሱ’ዩ እቲ ሽግር *ነሳኢ ቅሳነት          *መንዛዒ፡ መንጣሊ ንሱ’ዩ እቲ ሲኦል ባዕሉ’ዩ ደልሃመት ንሱ’ዩ *ጒራቌን ዘንብረና ኣብ ድሕረት    *ፈንጠጋር፡ ጊንጢ፡ ስግንጢር፡ ህልኸኛ ሃገርና ብምልኩ ስኢንናላ መቐረት! ንሱ’ዩ እቲ ርጉም ዘይብሉ መራቒ ንሱ’ዩ እቲ ሕሰም ንሱውን’ዩ ጭንቂ ንሱ’ዩ *ሸንባቢ ሰኽራም ናይ ኣረቂ   *ሓጫጪ፡ በሽካዕላል ዚዛረብ ንሕስያ ዘይብሉ መላኺ ጨፍላቒ! ንሱ’ዩ ነጋዳይ ባዕሉውን ሓረስታይ ንሱ’ዩ እቲ በሃር ባዕሉውን *ሓነይታይ   *ኣንበሳ ወይ

READ MORE

በተን መዓልታዊ ሰሪሐየን ዚብለን ኣብ ሃገርን ህዝብን *ብሶላ ዘይብለን        *ኣሰር ዘይብለን ከምቲ ዚተለምደ ከደናግረለን ህዝቢ ተስፋ ጌሩ ክጸናናዓለን ኣብ ዕስራ ሰነውን ከይጃሃረለን ኣደታት ከንብዕ እናሓኸኸ ቁስለን ከርእየን ቀንዩ መስዋእቲ ናይ ደቀን! ህዝቢ ከይጸንዕ ረሲዑ ሓዘኑ ብጥልመት መላኺ እናሓርቀመ ኣስናኑ ዝነኣሱ ደቁ ከይሓቁፍ ቀሲኑ ዓመት መመላእታ ክነብዕ ቃዚኑ ብምሕደራ ህግደፍ ቅሳነት ስኢኑ! ንገድ ነጋዳይ ኢልካ ሓረስታይውን ሕረስ ብራህዋን ሃሴትን *እልበትና

READ MORE

‘ምሳሕ በዓል ዓመት፡ ቀለብ ዓመት!’ “ርኢኻዮዶ ዝወደይ እቲ ኣብዛ ጐደና ሓርነት ዝቐነየ ብርሃን፡ ጓይላን ዳንኬራን?” በሉኒ’ቶም ቀይሕ ብዓል ሻም፡ ሽቤት፡ ግርማ ዕብየት ዘልበሶም ኣቦ፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ጸላም ክትቅንጥጥ፡ ክርቢት ሸርጢጣ ሽምዓ ትውልዕ ዝነበረት ጓሎም ብጎቦ ዓይኖም እናጠመቱ። ‘እወ ርእየዮ ኣቦ፡ በዓል ናጽነት ብድምቀት ሓሊፉ!’ ምስ

READ MORE

ብዘይ   ሕቶ   ርእይቶ ብበረኸት መንግስትኣብ! ብዘይ ሕቶ ርእይቶ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ንኹሉ ክንፍጽም መላኺ ዚሓቶ ሃገርና ክትመራሕ ብዘይ ቅዋም ባይቶ ንዘይሓልፍ *እልበት ህዝቢ ክምክቶ     *ሓሳረ መከራ ብመሬትን ባሕርን ክጠፍእ ንጽንቶ ህዝብና ኣባሪሩ ሃገርና ኪብሕቶ ናይዚ ግዕዙይ ስርዓት ኴንካ *ኣበካቶ!     *ጠበቓ (ብጥልያን) ህዝቢ እናተረግጸ ወትሩ ተሰቂቑ ሃንቀው እናበለ ሓርነት ናፊቑ ንቡር ሓሪሙዎ ከይነብር ማምዩቑ ህግደፍ ከሳቕዮ ብሓይሊ ጨፍሊቑ ስሙ እናወደስኩም መላኺ ሓንቂቑ! ውጹዕ ኣቤት

READ MORE

ቪቫ ወዲ ኣፎም! እናፈለጡዎ *መቓፍር ምዃኑ  *ተንኮለኛ፡ ተካል ዚመጋብሩ ምሁራት’ዛ ሃገር *ቃቤላ ዘዕኑ  *ዓንዲ ማእከል፡ ጸዋር ኩሉ እናረኣዩዎ እወ ከጽንት ጀጋኑ ሃገራዊ ወኒ ዘይሰዓር ኮይኑ ንናጽነት ሃገር ዓጢቖም ኣብ ጎድኑ! ድሕሪ ናጽነትውን ቀጺሉ ቅንጸላ ህዝቢ እናታለለ ብዲጋ ብዒላ ዚጭበጥ ዚድህሰስ ዚቕመስ ዘይብላ ብሙዚቃን ከበሮን ብጣቒዒት ጓይላ ሓሊፉላ ሃገር ይብለና ማዕቢላ መከራን ሓዘንን ወላዲት ክኣኽላ ጀጋኑ ተንስኡ ዋልታ ክትኮኑላ! እምበር

READ MORE

መጋርጃ ይቀንጠጥ 22፡ ማእዶ ምስ ዝሓብር፡ ኣንበሳ ይኣስር፡ መጋረጃ ይቅንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ ክንደይሻዕ ኽንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ ይኣክል ናይ ብርዒ ይገለጽ ኣስማቱ። ማእዶ ምስ ሓበረ ኣንበሳ ኣሰረ ማእዶ ምስተበተነ በበይኑ ሓሰረ ማእዶ ተኣኪቡ ኣንበሳ ካብ ኣሰረ ዝሓበረ ዜጋ ነጻነት ኣዕተረ ሓቢሩ ክዛረብ ንዓለም ነገረ ቁምነገር ኣብሕብረት ኣምስከረ ዝሓበረ ህዝቢ ዝደለዮ ገበረ። ዓወት የለን

READ MORE

እዘን ክልተ ግጥሚ ብሐደ እዋን ምጽሓፈይ ጥራይ ዝሃብኩዎ ኣርስቲ ከይኮነ ንዓይ ዘገድሰኒ፣ ግዳስ እቲ መልእኽቲ ከመሓላልፎ ዝደለኹዎ ኣብ ተስፋን ኣብ ፍርሂ እቲ ተስፋ ከይጭወ ብዝተሰማዓኒ ውሽጣዊ ሻቕሎት ዝነቐለ ኢዩ። ከም ኩላህና ንርእዮ እቲ ስርዓት ህግደፍ ብኹሉ ሸነኹ ቀልጢፉ ይቡኽቡኽን ይገማማዕን አሎ። እዚ ከአ ባዕሉ ብዝፈጸሞ

READ MORE

*ፈርጊ እናበሉኺ ፍጹም ዘይተቑርር      *ጋቢ *ናህያ እናበሉኺ ኣካል ዘይተዐብር        *ጽጋብ፡ ርውየት *ጸወን እናበሉኺ ሓብሒባ እተንብር       *ዕቑባ *ስድቢ እናበሉኺ መሰል እተኽብር        *ቅዋም፡ ሕጊ ዓዲ ከም ደቂ በረኻ ኣብ ግዳም ክንነብር እንታይ ደኣ እቲ ስምኪ ግቡኡ ዘይትግብር!? ናጽነት! *ድባብ እናበሉኺ ታቦት ዘጽልለላ          *ኣጉዶ መሰል ዓቢ ጽላል *መርፈቕ እናበሉኺ ጋሻ ዘዕርፈላ          *ሳሎን፡ መዕረፊ ኣጋይሽ *ኤልዳ እናበሉኺ ኣዳም እተፈጥረላ         *ኣዳምን ሄዋንን ዝተፈጥሩሉ ቦታ ገነት ከይትኾኒ ህዝባ

READ MORE

ህግደፍ መንደፍ ዋኒነ ኢሳይያስ ብምልኪ ዝኽየፍ ዕብድብድ ዘብሎ ናይ ስልጣን ሃነፍነፍ ቅሳነት መርዘኑ ደም ሰባት ዝውለፍ ሊቕነቱ ጸይቂ ዘይውድኦ ጽያፍ፡ ክሳብ መዓስ ሓሶት ሓቂ ‘ምሲልካ ሃተፍ ሕድርታት በሊዕካ ብሕድሪ ምልፍላፍ ናጽነት ኣብሪስካ ብናጽነት ዓዘፍ፡ ክንደይ ከ ይደፍር መልሓሱ ትቆለፍ ብኻ ሽንቲ ኮይኑ ብሽቓቕ ዝሓልፍ ብማይ በላ ‘ቢሉ ናብ ባሕሪ ዝምርቀፍ፡ ንሱ ኳ ነዊሑ ኣብ መከራ ገፈፍ በቋራጭ ከረውረው ብ’ምባሶይራ ህትፍ መን ‘ዩ በቒቑሉ ነቲ ተሎ ምጽዳፍ፡ ኣምላኽ ከ ‘ታይ ኮይኑ ፍርዱ ዘይጽሕፍ በዳሊ ቐጺዑ ውጹዕ

READ MORE

ኣንቱም ነጋዶና ሰብ ጸጋ ሰብ ሃብቲ ነዛ ሓዳስ ሃገር ህያብ ናይ ሰማእቲ ብረት እናዓደለ ንሰብኣይ ሰበይቲ ሒዙዋ ከይጠፍእ ‘ዚሽፍታ *ተማቲ   *ንኸአምን ሒዅ ዚብል፡ ሸሓጢ ገለ ዘይትገብሩ ንምድሓን እዛ ርስቲ! እንተ ተገዲዱ እንተ ብፍቶቱ ንኪጋደል ኢሉ ሜዳ ካብ ዚኣቱ ምስጢራዊት ውድብ ቀዛፊት መስሪቱ ጀጋኑን ምሁራትን ብመደብ ኣጽኒቱ ጌና ኣሎ የጥፍኣና ንስልጣን ብሒቱ! ድሕሪ ናጽነትውን ቀጺሉ ቅንጸላ እዛ ሃገር

READ MORE

ሓበሬታ፥ እዞም ኣብዚ ፈታኒ እዋን ምስ ህዝቢ ዝወገኑ ሰባት፡ ብሕሉፍ ገበኖም ቂም ሒዝካ ክብሪ ካብዘይምሃቦም ዝጥቀም ወገን እንተልዩ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ስለ ዝኾነ ጽቡቕ ኮኑ ምባል ቅኑዕ ኣይመስለንን። ብባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራውን ይቕሬታ ንዝሓተተ ሰብ ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት'ዩ ምሕረት ዝግበረሉ! እዚ ኸኣ መግለጺ ጭውነትን ክብርን

READ MORE

እዋይ እዋይ እዋይ እዋይ ሰብ ሃሊቑ ስኣን እኽለማይ ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 21/04/2013Norway   ኣንታ ህዝቢ እንታይኻ በዲልካ ? እዚ ኹሉ ተንኮል ኣብ ልዕለኻ ክንዲ ዝቐለብካ ዝሓብሓብካ ሓንጎፋይ ኢልካ ሰብ መሲሉካ ቅንይ ተልካስ ቀዳሞት ጸላእትኻ   ክኣትዉ ሻማሻማ ዘይንብረቶም ክዘምቱ ጀመሩ ማዓጹ ሰሰይሮም ህዝቢ ደንጽዩዎ በቲ ተግባራቶም ኣድሪቖማ ህግደፍ ጨው እግሮም ኣይትብላዕ ኣይትስተ ምስዚኣቶም መሬትና ምድረ በዳ ሰሃራ ኮይኑ ዝብላዕ ዝስተ ጥር ዝብል ተሳኢኑ ተካላይ

READ MORE

ኤርትራዊ ሎሚ ‘እዛ ሃገር፡ ከም ወያነ፣ ኣመሪካ፣ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ተጻባእቲ ከጥፍእዋ’ዮም!’ ዝብል ጽውጽዋይ ህግደፍ ኣብ ግምት ከአቱ የብሉን። ምኽንያቱ፡ ከምቲ ኣበው ዝብሉዎ፥ “ጭጉራፍሲ ንነብሳ ሃሪማ ተእዊ!” ስለ ዝኾነ፡ ህግደፍ ሎሚውን ከም ቀደሙ ባዕሉ ኲናት እንተዘይኣሳዊሩ ዝኾነ ይኹን ባዕዳዊ ሓይሊ ንኤርትራና ዚደፍር የለን። ከመይሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ

READ MORE

  ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 20/03/2013 Norway ሓሰውቲ ጉጅለ ብዓል ሶፍያ ግ.ስሞሮም ዕባይ ኢትዮጵያ ዎሽላኽ ኤምባሲ ወደ ርኣያ ዶ.ጊደኦን ምሁር ናይ ጽርግያ ዓሊ ዝኸተቦም ብዘይ ማሃያ ዓሊስ ጥሒሉ ኣብ ዳስ ሓውያ ሸያጥ ሕልኑኡ ዶቶር ጊዲኦን ሰነፍ ምሁር ንሃገሩ ዘይከውን ዲግሪ ተጸዓነ መሊሱ ዝዕውን ጻዕሩ ንኮንቱ ዘደንግጽ ዘሕዝን   ዓልን ግርማን እዮም መንሽሮና ዓሊ እዩ ምንጪ ናይ ጥፍኣትና ብሰንኩ ተባሪሮም መንእሰያትና ንሱ ምስ ከደልና ጥዑም

READ MORE

ሓቂ ድዩ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ ዓሪፉእዛ ትስዕብ ግጥሚ ብዕለት 21 ጥቅምቲ ኣብ (ኤሪትረያን ኣል ሕዋር ኣል ዋጣኒ ሩም1) ኣጋጣሚ ወርሓዊ ዝኽሪ ታሪኻዊት ስርሒት ፎርቶን ዝኽሪ ጅግና ስዉእ ኮ/ል ስዒድ ዓሊ(ወዲ ዓሊ) እተነበብት ናይ ደበስ ግጥሚ ኢያ፡ ፡ ሰናይ ንባብ ወ ዓድ ካብ ስደት ዕለት 21 ጥቅምቲ

READ MORE

ሕጂዶ ንበል ኡይ - ተገቲርና ዓውዓው ኩሉ ምስተሐርደ - በብተራ ከም ላም ኩሉ ምስ ተነጽገ - ሃገራዊ ሰላም ብዓሌት ኣውራጃ - ፈላሊኻ ምጥላም ሽግር ናይ ትማሊ - ከይኮነ ፍጹም ሓራም ንጽባሕ ትውልዲ - የፍርሕ ከይላሓም። ትማሊ ዝተዘርአ - ክፉእ ምፍልላይ ሎሚ ንሓፍሶ - ብሕቡእ ከይንርኣይ ጽባሕ ንዝርግሖ - ንሃገራውያን ንጽሃት ስልጣን እዕቢዱ

READ MORE

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 31/01/2012 Norway ኣብ ኖርወይ ተመስሪታ ሓዳሰ ማሕበረ ሰብ ካብ ፖለቲካ ነጻ ዝኾነት ንኹሉ ትስብስብ ባህልናን ንድሕነት መንእሰያትናን ክትሓስብ 28/01/2012 ፈስቲቫል ጸዊዓ ደቃ ክትእክብ ምስ ኣሕዋቶም ኣሓቶም ኣቐዲሞም ክላለዩ ሓቢሮም ክመያየጡ ምእንተ ህዝቦም ክዓዩ ህግደፍ መሰኽላባቶም ዘባላሸውዎ ከዐርዩ ይኣኽለካ ወጊሑዩ ደርሆ ጽባሕና ኖቍዩ ሕጅስ ንዓደይ የብለኒሎ ክብሉዮም ዘምሰዩ ኳይላ ተጀመረ መመረቕታ ሓዳስ ማሕበርና መግለጫ ተሳኢንዎ ሕለሚ

READ MORE

ኣንቱም ሰባት ጉድ’ኮ’ዩ ተረኺቡ ምድርን ሰማይን ክላገቡ ከምዝቐረቡ  ኣብ ርእሰይ ደይቡ ዓቕለይ ኣጽቢቡ እና’ፈጸመ ሓሳቡ! ልዋም ዝኸልኣኒ ዛርቲ ድዩ ሒዙኒ! ክንዲ ዓሳ ነባሪ ወዲ ቐይሕ ባሕሪ: ገዚፉ ኸቢዱ  እንግድዓይ ጎዚዙ ብትእዛዝ ቀይዱ ብደወይ ኣፍዚዙ ጋሕንት ዕርብ እና’ሓረስኩሉ ግራቱ ዘይግዱ። ብስኽራን ደንዚዙ ኣዒንቱ ዓዝዒዙ፡ ቅጭን ተወንዚፉ ብኢዱ ነጊሱ ማእሱ ብሒቱ ምሕዳሩ ደቂሱ ይገርመኒ መመሊሱ። ሕስብ እንከብሎ ነዚ ናቱ ግብሪ ከም ረመጽ ከም ጓህሪ

READ MORE

ልብና ዝሓስቦ ልሳንና ከድምጾ ሃገርና ዝውክል ባዕልና ክንመርጾ ውግእ ወረ ውግእ ምዕራፉ ክዕጾ መጻኢ ዕድልና ሰሪትና ክንሃንጾ መፍትሕ ኣብ ኢድና’ዩ ነርሕዎ’ቲ ማዕጾ! ብዓይኒ ዝረአ ብኢድካ ዝድህሰስ ብኣፍንጫ ዝሽተት ብልሳን ዝቕመስ ምህርቲ ዘየለ ካብ ዓውዲ ዝሕፈስ ራህዋና ነጊሱ ሕሰምና ከይድምስስ ስቓይና ሓጺሩ ሓዘንና ከይድበስ ኣእዛንና ኣደንቊሩ ሓሳቶም ክንስነስ! እዚ እምነት ኣልቦ ንፍቕሪውን ጓና እንትርፎ ትዕቢት ዘይፈልጥ ትሕትና ምስ ኩሉ

READ MORE

ከበሮ ጣቕዒት እንተደኣ ሰሚዕካ ክትስዕስዕ ትጎዪ ንኹሉ ረሲዕካ ከም ኣጻብዕ ኢዱ *ባጉህ ፈሊጡካ                             *ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ እኖሆ ከም ክራር ወትሩ ይቓንየካ!   ሓሪስካን ነጊድካን ከይትኣቱ ገዛ ቆፎኻ ከይመልእ ምህርቲ ኣኸዛ ጎጎ ምስ ሕንባሻ ከይትዓጽድ ሃንዛ ሃገርካ ብኹላ መቊሕ ተታሒዛ ዕስራ ዓመት ኮይኑ ክትቅለብ ኣብ *ታዛ!      *እንስሳታት ሓሰር ዝበልዕሉ ገዛ   ቁንጣሮ መሸላ ከም ደርሆ ክትተኩብ መቑንንካ ክትጽበ

READ MORE

ኣብ ዩ’ኤን ክትምጕት ከምዘለካ ሓቂ ሶማል ክትረማምስ፡ ብኣውያት ክትበኪ ቃዛፊ ክጋገ ምደለየ ዓርኪ።   ስልጣን መደበሩ ዝመስለካ ርስቲ ቃዛፊ ክወድቕ ክጉሰስ ኣብ ሰርቲ ኣበይ ደኣ ኔርካ ኣንታ መቛርስቲ።   ጥልም ኣቢልካዮ ኣብታ ጸልማት እዋን ርሻን ተተረፈስ ትኹል ድንኳን ባጽዕ ዘይበልካዮ ንዓ ደሓን።   ካብዛ ኩላ ሰሜን እንታይ ተመሃርካ ቆርበት ከይተመልጠ ጨፈቕፈቕ ከይበልካ ሰላሕ ኢልካ ውጻእ ደጊም ይኣኽለካ።   ፍርዲ ፈሪሕካዮ ተመትካ

READ MORE

ትማሊ መሪቐ ሎሚ ከይራገም ጌጋ ኣብ ርእሲ  ጌጋ ኣይደገም ብዘተ ይፈታሕ  ሃገራዊ ጸገም ሓቂ ነውጽኣያ ኣፍና ኣይሎጎም ዓለም ዘዋሪት ‘ያ  መን ይኣምና ዓለም ኣንቱም ኔርካ ኣንታ፡ ኣንታ ኔርካ ኣንቱም ትማል ዘሳፍሑ፡  ሎሚ   ተጨቢጦም ናትና እንተበልናዮም ዓሚቑና ውሽጦም ተልመደን ወቃጦ ሸራፋት ወቒጦም ጎታናት ከለዉ፡ በራሓት መሺጦም ኣይምተጸለአን ቁሩብ ተዝሰልጦም ዘፍረይዎ ዘይብሎም ብኹራ ሓቢጦም ኣነ ዝገርመኒ ናይ ዓዲ ገሊኦም ደርሆ

READ MORE

ነጊረካ ረሲዕካ‘ዩ ዲኻ ተዛረቦ ቃዛፊ ዓርክኻ መማኽርቲ ኔሩ ፈታዊኻ መሳቲይቲ ቡንካ መኻሪኻ ጭሕምኻ ኣጠልቂ በጺሑ ጊዴኻ ነዚ ንክትሪኢ ተጸቢኻ መንእሰይ ተሲኡ በጺሑ ጊዴኻ ይጓዓዙ ኣለዉ መሓዙዃ ሕጂ‘ውን ተበገስ ኣልዒልካ ሻንጣኻ። ኣነ ነጊረካ‘የ ካብ ቀደሙ ተዛረቦ ዓርክኻ ሓሚሙ ብተግባሩ ኣምላኽ ተቐይሙ ምስቲ ናትካ ሓደ‘ዩ ሕማሙ ከይትሰምዑ የእዛንኩም ጸሚሙ ዘይትመሃርዎ ካብቶም ዝቐደሙ እቲ ስርዓትኩም እንታይ‘ዲዩ ሽሙ ኮሙኒስት ኣሎዎ ትርጉሙ ነብሱኹም ጠፊእኩም ስድራ ትልክሙ። እቶም ቀዳሞት

READ MORE

ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 18/10/2011 Norway እዚ ኹሉ ብድዐ እዚ ኹሉ ንዕቐት ተቐሚጡሎ ኣብ ደብተር ወረቐት ዘይርሳዕ ዝበደልካዮ ንዓና ንጎረቤት ኣቃጪጭካ ንዓበይቲ መንግስታት ሓለቓ ዓዋሉ ዝራሓቖ ስነስርዓት ምስ ሸ.ራኣት ሰዓብቱ ዘይዉጁሃት በላዕቲ በይኖም ኮለስቲ ሱሱዓት ጥዑይ ዘይመኽሩ ብዘይካ ክፍኣት ንወራዙት ዘጸልሙ በዳዕቲ ስድታት ደብዳበ ንፕ. ኦባማ ደብዳበ ንኢጋድ ንዓያሹ ኣዳህሊልካ ተሓቢዕካ ምስጋድ መልሓሱ ሜትሮ ለዛ ዘይብሉ ጀልጋድ ብማዕዶ ዝመስል ጅና ሒዙ

READ MORE

እመስለኒ ኔሩ ኪንዮ አድማስ - ማዕዶ እተቋምት ብሕልናኻ እትርታዕ - ኣብ ሓቂ እትመውት ብሕጊ እትግዛእ - ፍትሒ እተንግስ ንሰላም ትቕልስ - ልቢ እትመልስ ሩፍታ ሰላም ትህብ - ቃል ማሕላኻ ዘይተዕብር ውጹዕ ህዝቢ እትሓቁፍ - መብጸዓኻ እተተግብር:: መሲሉኒ ተታሊለ ኔረ ድሓር ግን ፈሊጠዮ ተግባራትካ ኣብ ባሕሪ ክፍኣተ ተንኮል - ከም ትሽመም መዋእልካ ብጥጅእ ሽርሒኻ -

READ MORE

ጎብየ ወዳጀ ጎብየ መብጽዓ ኣትይለይ ክዕገስ ክጽመም ዋላ ተዛሓለ እንተበለ ለመም ቃሉ ከምዘይዓጽፍ ካብ ዝበሎ ቀደም ሕድሪ ስዉኣት ፍጹም ከምዘይጠልም ኣነ ዉን እምብዛ ኣሚነዮ ሕሉፈይ ንጹፈይ ኣሕሊፈ ሂበዮ። መሲልኒ ኔሩ ዝገምታ ጉዕዝኡ ሰረት ዘንጽፈለይ፣ ኩርካሓት መድሚዱ ሰላም ዘስፍነለይ ዕግርግር ኣህዲኡ። ግና፣ ግና ንሱ እቲ መታለሊ ንዝህመል ገብየ መሳሊ ካብ ዕብየት ንጥፍኣት ዝሓሪ ዉርደት እምበር ኣይምተገብኦን ክብሪ። ህድኣት ርግኣት ብልሃት ምርድዳእ

READ MORE

ክፉእ እናረአኹም ኣይትጨክኑ ከም ኣቦታትና ሕያዎት ኩኑ ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 26/09/2011 Norway ሃገር ባዶ ኮይና ህዝብኹም ኣቃልቡ ሓዲጎማ ከይዶም ግዜዊ ሰላም ተረኸቡ ዘለዎ ኸኣ ብወግዒ ብጀነራል ተዓጂቡ ገንዘቡ ጫሕ ኣቢሉ ንበሊዖም ዘይጸግቡ ኣሕዋት ኣማዕዲኹም ኣይትታዓዘቡ ማዕጾኹም ክፈቱዎ ብቓልዕ ተዛረቡ ዘመነ ህግደፍ ጽሓይ ኣብ ምዕራቡ ህዝብና ከይጸንት ብቶሎ ኣፈርክቡ ኣብ NY.ሪኢና ብሓሶት ዝውድሱ ዘይዕረዩ ምዕባለ ሃገራት ዘይወርሱሱ ቅድሚት ሰሪዖም ንሂትለራት ዘሐጉሱ ዘይተሰደ

READ MORE