Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Conferenceመቐጸልታ ኣኼባና ንሰንበት ዕለት 27 መጋቢት 2011 ኣብ ሽታይን ስትራስሰ 23 ንሰዓት 15፡00 ተቖጺሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ኣኼባና ብዛዕባ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብኡ ዝተበጽሐ ስምምዕን ተመርኲሱ ንዝቐርብ ካልእ ኣድላዪ ዝበሃል ጉዳያት ዝምልከት ሕቶታትን ክበርህ እዩ።

Rightsስርዓት ህግደፍ ነቲ ንገለ እዋናት ኣዋዲቑዎ ዝጸንሐ 50 ሽሕ ናቕፋ ‘መቕጻዕቲ’ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ዘምለጡ ዜጋታት ብምቕጻል፡ ንወለዲ የሸገርን ይኣስርን ከምዘሎ ካብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

12 ተወላዶ ሰቲሞን ሌ/ኮሎኔል ዑስማን ኣቡጠዊላ ዝተባህለ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት   ንኡስ ዞባ ተሰነይን ተኣሲሮም።

ኣብ ዓዲ ከፈለት ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዱባርባ፡ ናይ ኣርብዓ ሰባት ሬሳታት ብወ/ሮ ፋንታየ ፡ ብዓልቲ ቤት ነፍስሄር ደጃዝማች ተስፋይ በራኺ ብቡልዶዘር ተፋሒሩ ወጺኡ፡ ኣብቲ እቲ ሬሳታት ተቐቢሩሉ ዝነበረ ቦታ ድማ፡ ናይ ስድራቤተን ጋህሲ ኣስሪሔናሉ ኣለዋ። እቶም ዓዲ ድማ ነቲ ሬሳታት ኣብኡ ዝነበረ ኣብ መሸማዕ መሊኦም ፍታሕ እንተረኸቡ ኢሎም ፎቖዶ ቤት ፍርዲ ኮለል ይብሉ ኣለው። እዚ ጉዳይ ካብ ዝጅመር ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኮይኑ’ሎ፡ ስጋዕ ሕጂ ግን ፍታሕ ኣይረኸበን ኣሎ። ምስ’ዚ ጉዳይ ዝተተሓዘ ድማ፡ ሓሙሽተ ደቂ ዓዲ ንሓደ ዓመት ብዘይ ክስን ፍርድን ተኣሲሮም ኣለው።

ብመምህር ተስፉ ዘውደ።

መልሲ ክህበሉ ኣድላይ ኮይኑ ኣይተራእየንን። ብሓፈሽኡ ንኣንበብትን ተዓዘብትን እገድፎ። ኣብቲ ወፍሪ ባርነት ዝብል ጽሑፍ ናይ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ዝቐዳሕክዎ የለን። መሰል ደራሳይ (copy right) ንመላእ ትሕዝቶ ናይ ደራሲ ደጊመ እንተ ዝጽሕፎ ኣበሃህለኻ ልክዕ ክኸውን ምኸኣለ። ይኹን እንበር ኣነ ባርነት ናይ መስፍናዊ ኣገላልጻ ባርያን ጭዋን ዝብል ናይ ትውልዲ ልዑልን ትሑትን ኣምር ዝያዳ የስምዕ። ብኣጋላልጻና ጭዋ ኮይኑ ጊላነት ግን ናብ ምምዝማዝ ገጻ ዝያዳ ተዘንብል። ሕጂ ኣብ ናይ ቃላት ኣተራጉማ እንተዘይ ነድህብ ዝሓሸ ነይሩ ይመስለኒ።