Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

asena‘ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን’ ዝብል ምስላ ኣሎ። ሕጂ ግን እቲ ነገር ድሮ ተኻዕዩ ስለዘሎ ምዕራዩ ቐሊል ኣይኮነን። ከበደ ፈኾሰ እቲ ዕማም ብዘይካኻ ዋና ስለዘይብሉ ግን ኣብ ሑጻ ከይተሰትየ ኸሎ ዝርካቡ ክትሓፍስ ልቦናኻ ሓዊስካ ኢደይ ኢድካ በል።

isuሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ኤርትራ ኮለኔል ስምኦን ገብረድንግል ድሕሪ ዝተኸየደሉ ፈተነ ቅትለት ብምስጢር ካብ ኤርትራ ወጺኡ ደሃዪ ተሓቢኡ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ወዱን ሓደ ሓለዋኡን ኣብ ቦለኛ ዓዲ ጥልያን  ከምዝተራእየ ምንጭታትና ካብ ዓዲ ጥልያን ሓቢሮም።

ዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝመጽእ ብስራትካ፣ ኣብ ኣዚማሪኖ፣ ኣሰናይን ድምጺ መሰልና ደሊና ክቃላሕ ከሎ፣ በቲ ትብዓትካ እነሄለ ብዓል ዝናር፣ እናበለ ኣብ ውሽጡ መንፈሳዊ ቅንኢ ዘይስመዖ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን።

asህግደፍ ክገፍፍ ኢዩ ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ መንእሰያት ካብ መጻወድያ ከምልጡ ሸበድበድ ክብሉ፡ ህዝቢ ‘ውን ተረቢሹ ውራዩ ገዲፉ ካብ ሹቕ ንገዝኡ ክኸይድ ሃታ ሃታ ክብል ከሎ ዘርኢ እዩ።

ዘርሓበን ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝኾነ ጅግና ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኡዳይን (ጥልያን) ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ተወዳዲሩ ወርቂ ማዳልያ ብምዕታር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓወቱ ዓቂቡ።

ዛጊት ሰላም ረኺብካ ሩፍ ኣይበልካን። እቲ ብ “ኣይሰላም ኣይኵናት” እናተገልጸ ንዓመታት ላሕ ዘበለካ ሰንፈላል ዝበዝሖ ዘይቅሱን ኩነታት ሕጂ መመሊሱ እናኸፍአ ብምኻድ ብግህዶ ናብ ኵናት ክዘዙ ይርአ ኣሎ። ንስኻ ገበነኛ ወይ ሓጥያተኛ ስለዝኾንካ ኣይኮነን ደበና ኵናት ኣብ ሰማያትካ ዳግም ሰሪቡ። ዘይወዓልካዮ ዕዳ ዕቡዳት ምኽፋል፡ ግዳይነትካ ስለዝለመደ ደኣ ‘ምበር።