Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

asenaድምጺ ኣሰና፡ ነቲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ዝጀመረቶ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ዘርእስቱ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ንጽባሕ ቐዳም 7 ግንቦት ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ)፡ ንኩነታት መራኸቢ ብዙሓንን ሞያ ጋዜጠኛነትን ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምኡ ‘ውን ኩነታት ማሕበረኮማት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ እንታይ ከምዝመስል ክትድህስስ እያ።

Ghirmayስርዓት ህግደፍ ቀዳም ዕለት 30 ጥቅምቲ 2010 .. ኣብ ኦታዋ ርእሰ ከተማ ካናዳ ንዝቅመጡ ኤርትራዊያን ፍሹል ኣኼባ ኣካይዱ።

Libyaግዱሳት ኤርትራውያን ካናዳውያን ምስ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሊበራል ሚስተር ጀራርድ ከነዲ ብ29 መጋቢት ብምርኻብ ንኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ስርዓት ህግደፍ ንግዝያዊ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ዝንቀሳቐስ፡ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣሸባብ፡ ‘የዕጥቕን ይድግፍን ኣሎ’ ብዝብል ክሲ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር፡ እገዳ መገሻ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን፡ ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረቱን ገንዘቡን ዘጠቓለለ ጽኑዕ እገዳ ጌርሉ።

ድሕሪ መሪር ናይ ሳላሳ ዓመት ደማዊ ኩናት ኤርትራ ነፃ ወፂኣ። ኩሉ ንነፃነት ኤርትራ ዝተቓለሰ ድማ ብነፃነት ተደቢሱ። ድሕሪ ነፃነት ኣብ ኤርትራ እንታይ ተሪፉና እንተ ኢልና ህዝቢ ኤርትራ ተሰማሚዑ ዘፅደቆ ቅዋም ተግቢርካ ፤ስልጣን ንህዝቢ ኣረኪብካ፤ በቲ ሕጊ መሰረት ሰልፍታት ኣቒምካ፤ ዝተዓወተት ሰልፊ ሃገር ክትመርሕ’ዩ ዝፅበየና ዘሎ ። ነዚ ንምትግባር ድማ ነቶም ዕንቅፋት ኮይኖም ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ ንሰላም ስለዝተሓረሙዋ ኣድላይ እንተኾይኑ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ወፃእን ኣብ ውሽጥን ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን ጎነፃዊ ስጉምቲ ከካይድ ይኽእል። ሰራዊት ኤርትራ ኣካል ናይቲ ውጹዕ ህዝብናን ደላይ ለውጥን’ዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ሰራዊት ዘይተደለየ ስጉምቲ ምውሳድ ግን ነቲ ስርዓት መሻደኒኡ’ዩ።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብላት በርገሳዊ/ሲቪክ ማሕበራት ካልኦት ግዱሳት ኤርትራውያንን ተቐማጦ ከተማ ኤድመንተንን ከተማ ካልጋርን ናይ ሎምዘበን ናይ ምዕራብ ካናዳ ህግደፋዊ ፈስቲቫል  ከምቲ ናይ 2007ን 2008ን ንሳልሳይ ግዜ ዕለት 18ን 19ን  ወርሒ 07-2009 ኣፍሺሎማ።

MCH

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኩወየት ዝነበረ ማሕሙድ ዑመር ጭሩም ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ካናዳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ከምዘሎ ብቐጥታ ዘዘራረቡዎ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ካናዳ ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ካናዳ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ዘለዎ ሓበረታ ግጉይ ስለዝኾነ ነቲ ቅኑዕ ሓበረታን ስእሊን ንምሃብ ናይ ጥርዓን ጽሑፍ ንምቕራብን ኣብ ዝለዓለ ኣካል በጺሕና ክንቃለስ ከም ዘሎና ተሰማሚዕና ነዚ ጉዳይ እዚ ትመርሕ ሽማግለ መዚዛና ስራሓ ጀሚራ ኣላ።ነዛ ሽማግለ እዚኣ ንምሕጋዝ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ክለዓል ንጽውዕ።

ብታሕሳስ 2/2007 ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣቶ ኣሕፈሮም ንኣብ ኦታዋን ከባቢኣን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ውግእ ክጅምር ኢዩ ዝብል ኣርእስቲ ሒዙ ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዑ።
ኣብዚ ኣኼባዚ ዝተሳተፉ ሰባት ምስኡ ደሚርካ ክሳብ 70 ኣቢሎም ይኾኑ።