Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

fanaብዝኾነ ፋና ናይ ነብሳ ጭካነ ድኣ ሓዊሳትሉ እንበር ካብ ህግደፍ ዘይተለኣኸቶ ዶ ጌይራ ኮይና።…ዝዓበናሉ ቦታታት ኩሉ ፈሪሱን ባዲሙን ኣሎ። ንሕና ከኣ ናብ ዓዲ ጓና ሰፊርና ኣሎና። ከማና ዘጋጠሞምውን ብዙሓት ኣሎዉ። ብሕጂውን ክሳብ ዘሎዉ ኣይክገድፉናን እዮም። እንተኾነ ግን በትሪ ሓቂስ ትቀጥን እንበር ኣይትስበርን ከምዝበሃል፣ ፋናን መሰልታን ናብ ዓይኒ ሕግን ፍትሕን ጠጠው ዝብሉሉን፣ በቲ ኩሉ ዝገበርዎ ግፍዒ ፍዳኦም ዝኽፈሉልን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።

MHኣቶ መስፍን ሓጎስ፣ ከም ኣቦ መንበር ናይ ሰልፊ ዶምክራሲ ኤርትራ መጠን ምስ መዘናታትካ  ዝኾኑ ተቓለስቲ፣ ዝሓለፈ ምፍሕፋሓት ብምርሳዕ፣ እንዳተራዳድእኩም ንክትከዱ፣ ናትካ ተራ መተካእታ ከምዘይህልዎ ፈታዊ ይኹን ጸላኢ ዝኣምነሉ ከምዝኾነ ጥርጥር የብልናን።

farmerኤርትራ ሃገርና ከም ኩለን ዘይማዕበላ ሃገራት ቁጠባ ኤርትራ አብ ሕርሻ ዝተሞርኮሰ እዩ። ስለዝኸነ ድማ 80 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብማሕረስ ከምዝመሓደር ይፍለጥ። ቁጠባ ሃገርና ትሕቲ 15 ካብ ሚእቲ አብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ እዩ።

ኪዳንሚርያም፡ ኣየ ገባር፡ ናጽነት ኮ ናይ መግዛእቲ መወዳእታ ምበር ናይ ቃልሲ መወዳእታ ኣይኮነትን። ከምዚ ሕጂ ናጽነት ዝናር ዝዓጠቑ ተጋደልቲ ዘድልዩዋ፡ ሽዑ ኸኣ፡ ምበር ምእንቲ ምዕባለ ኣእምሮኦም ፈልጠት ዝዓጠቐ ሃነጽቲ ከድልዩዋ ኢዮም ‘ዛ ሃገር።

asenaiኣብ ዝኾነ ጉዳይ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መሰልን ሓርነትን ደሞክራስን ካብ ብዘረባ ብግብሪ ክትጅምር ይምልክዕ። ከም ካልኣይ ምርጫ፡ ማዕረ ዘረባኻ ምግባር ። እዚ ምኽኣል እንተተሳኢኑ ድማ፡ ነቲ እትብሎን እትምነዮን ንባዕልኻ ክትግብሮ ብመንፈስ ቅሩብ ምዃንካ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ምንጽብራቕ  ኣድላዪ እዩ።

johnመርዓን ሓዳርን  ሓደ ኣይኮነን። መርዓ ኣፍደገ ሓዳር እዩ። መርዓ ኹሉ ጽቡቕ እዩ ዝሓልፍ፡ ንሓዳር ግን ኩሉ ኣይክእላን፡ ወይ ንኹሉ ኣይትኾነሉን እያ። ሰብ ኪዳን ኣብ ሓዳር እዮም ዝፍተኑ። ተጋዳላይ ዮውሃንስን ተጋዳሊት ኢለንን ከኣ ን25 ዓመታት ነዚ ፈተነ ‘ዚ ሓሊፎም፡ ተዓዊቶምሉ።

darfurባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ሎሚ 31 ሓምለ መጋብኣያኡ፡ 26 ሽሕ ወተሃደራትን ፖሊስን ዝሓቍፍ ሓባራዊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ናብ ዳርፉር ክለኣኽ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ኣጽዋር ብምጥሓስ ጸረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣጽዋር ምቕባል ትቕጽል ኣላ ክብል ዘቕረቦ ክሲ ነጺጉዎ።

UNመንግስቲ ኤርትራ ንእገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ  ንተቓወምቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ኣጽዋር ምቕባል ከምዝቐጸለ  ብባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ክከታተል ዝተመዘዘ ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።