Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብኢሳያስ ኣስፍሃ

ዝኸበርካ መምህር ተስፉ ዘውደ ኣቐዲመ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስሎ ዘለኻ ሃገራዊ ዕማም ምሉእ ጥዕናን ዓወትን እምነየልካ።
ዝኸበርካ መምህር ተስፉ ዘውደ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝጀመርካዮን ክሳብ ሻቡዓይ ክፋል ዝበጽሕ ተኸታታሊ ጽሑፍካ እከታተሎ ኣለኹ። ትሕዝትኡን ኣቀራርmበኡን ብዘየገድስ ኣንጻር’ቲ ዓማጽን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኽእል ፈጺመ ኣይጠራጠርን። እንተኾነ ግን ኣብ መሪጽካዮ ዘለኻ ኣርእስቲ ጽሑፍካ ኣይግድን! ከመይሲ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ( ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ወፍሪ ጊላነት ) ዝብል ዘሎ ካብቲ ብተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ብተኸታታሊ ዝቐርብ ዝነበረን ንባህርያት ስርዓት ህግደፍ ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ዝተንተነን ዘቃልዐን ከም ውጺኢቱ ኽኣ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተማህረሉን ንኽቃለስ ዘለዓዓለን ጽሑፍ ( ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ወፍሪ ባርነት) ዘፍልዮ እንታይ’ዩ? ነታ ባርነት እትብል ቃል ጊላነት ስለዝቐየርካ? ኣይፋልካን ዓገብ! መምህር ተስፉ። ጊላነት ማለት እኮ ባርነት ማለት’ዩ።