Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርሑስ ዓመት እንዳባ ብዂሉ

በዚ ቦኽሪ ዓመት እንትልመሉ

ራህዋ ንህዝብና አብ ዘሎ ይሃሉ

ዘበነ ለውጢ ንኽኾነልና አብየት በሉ

ውርደትን ሕፍረትን ንህዝቢ ዝበደሉ።

ኣማኑኤል እዚ ኣርእስቲ’ዚ ቃል ንቓሉ እንተወሲድናዮ ብዙሕ ትርጉም ኣይህብን ‘ዩ። መን ‘ሞ ‘ሎ ሰብ ኮይኑ ኣካላቱ ብቐይሕ ደም ዘይዘፈቐ፡ መን ከ ‘ሎ ኢዱ ቀይሕ ደም ተቐቢኡ ዝኸይድ? ብያታዊ ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ግን፡ ደም ካልእ ምስላዊ ትርጉም ‘ውን ኣለዎ።

ዓመት መጸ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ምፍጣጥ ንታሽዓይ ዓመቱ ሎሚ ዘመን’ውን ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ብሳዕብቲ’ቲ ጨፍላቒ ስርዓት ዝተመርጸ ቦታ ተገይሩ።

Melbourneብመከራን ስቓይን ህዝቦም ዝግደሱ፡ ኣብ መልበርን፡ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ውፉያት ኤርትራውያን፡ ሎሚ 8 ጥሪ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ተሞክሮና ኣብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ጽንኩር ኩነታት ክትምልምል ከሎኻ ትምልመል ንኣሽቱን ዘይረኣዩን ዝመስሉ ፍጻሜታት ኣብ መንጎ ምንስሓብን ምትዕጽጻፍን በኒኖም ዝተርፉ መሲሎም ይረኣዩኻ ።ተዋህሊሎምን  ግዜ ሓልዮምን  ነቲ ገዚፍ ዓወት ዘበርከቱ ምንባሮም ግና ትኣምን ።

ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣንቆልቍሉ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ንምርዳእ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ብደርፊ ንምጕስጓስ እቲ ስርዓት ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ናብ ኣውስትራልያ ነቒሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት መንግስቲ ኣውስትራልያ መእተዊ ቪዛ ከምዝኸልኦም፡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣርዲኡ።

waelaኮምሽን ንዝተዋህቦ ናይ ጊዜ ሕጽረትን ሰሌዳን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዕቱብ ስርሑ እናሰላሰለ፡ እንሆ ኣብ ሰላሳ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ዕዉት ዑደታት፡ 30 ህዝባዊ ሽማግለታት ብምቛም ንቕድሚት ይግስግስ ኣሎ።

New Yearዓሚ ከምዚ ሎሚ ሕር ሕራይ ጌርና ጸፊዕናዮ ሸውዓተ ሸይጣን ስጋብ ዝረኣዮ። ንመን? ንመን ደኣ ነቲ ብጎረባብቲ ሃገራት፡ ብው.ሓ.ኣ.፡ ብው.ሕ.ሃ. ብምዕራባውያን ሃገራት፡ ብሃገራት ዓረብ ኮታ ነቲ ዓለም ብዓለማ ትጸልኦ ስርዓት ህግደፍ እምበር ንመን ደኣ።

 

EPDPትማሊ ዓርቢ 31/12/2010 ዓ.ም. ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጽያ) ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ዝኽሪ ሓደ ዓመት ምጽንባራዊ ሓድነቱ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ኣኽቢሩ ዊዒሉ፡

Chivasአይተ ኩሉ ባዕሉ አብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ሕጻውንቲ ቖሉዑ አኪቡ አብ መድረኽ ድሕሪ  ምድያብ ህብቡነቱ ከረጋግጽ ፈቲኑ;፡ መችም ዓቢዱ ጨርቁ ካብ ዝድርቢ ነዊሕ እዋን እንዲዩ ኮይኑ ዓገብ ክብሎ ሰብ አይተጸበኹን።

Dawitኣዲኡ ነቲ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሩ ሃለዋቱ ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ፡ ኣደይ ለታይ ክፍለማርያም፡ ኣብ መበል 70 ዓመተን ከምዝዓረፋ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

…..ጌና  ዒሺል … ሒንጢት እየ ኔረ እዋኑ እዋን ልክዕ ከምዚ እዋን እዩ ኔሩ፡ መንእሰያት ክስደዱ ብቢዚሒ ካብ ከባቢ ገዛውትና ኪሃሱ እንከለዉ ከም ወግወግታ ዳኣሉ እንበር ቅሩብሲ ቲዝ ይብለኒ አዩ…. ሲለ ምንታይን ናበይን ከምዘበሉ ግን ወላ ይስቆረኒ ኣይነበረን፡፡

ብርሃነ ገ/ንጉስ

እዚኣ ነዊሕ ግዜ ይገብር ካብ ሓደ ሓው ደበሰኣብ ወልዳይ ዝተባህለ ኣብ ሓንቲ ካብዘን ወብሳይታት ዝረኸብኩዋ ዓባይ ምስላ እያ። ካብታ ግዜ እቲኣ ጀሚራ ከኣ ካብ ኣእምሮይ ምንም ኣይጠፍአትን።

መልእኽቲ ኣሰና ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2011

 ኣሰናክቡር ህዝቢ ኤርትራ ! ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከብ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽባሕ ሓዳስ ዓመት 2011፡ ከም ንቡር ሓደ ክልተ ኢላ ዕለታ ምድማር እትጅምረሉ ወቕቲ፡ ንስኻ ‘ውን ሓደ ክልተ ኢልካ መዓታትካ ምጕዳል እትጅምረሉ ዓመተ ቃልስን ተስፋን ዓወትን ክኾነልካ ዘለና ድሌትን ተስፋን ንገልጸልካ።