Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

kabineካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣብ’ቲ ብመንገዲ ፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተጸውዐ ህጹጽ ኣኼባ ንምስታፍ ብ12 ታሕሳስ ምስ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስሪሒታትን ከም ልማዱ ዕጹው ኣኼባ ኣካይዱ።

ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ብዝለኣኹዎ ሓበሬታ መሰረት ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም የማናይ ክፍሊ ኣካላቱ ለሚሱ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ይሕከም ከምዘሎ ደሃይ ካብ ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ሕጂ ድማ ንድሕረባይታ ኮለኔል ተስፋልደት ስዩምን ኩነታት ማእሰርቱን ንምዝኽኻር ብኤልሳ ጭሩም ተጻሒፉ ኣብ ኣዝማሪኖ ተዘርጊሑ ዝነበረ ጽሑፍ ነቕርበልኩም።

ኣሰና

ልክዕዩ እቲ ለውጢ ፍትሒ ዘንግስ ቅዋም ዘተግብር ፕረስ ዘፍቅድ እሱራት ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ዘቅርብ ሕረስ ሓረስታይ ሸቅል ሸቃላይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ድሌት ኩሉ ኢዩ፡፡ እቲ ኣውያት ኣውያት ንሓርነትን ናጽነትን ክኸውን ከምዘለዎ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ፡፡ እቲ ለውጢ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላትን ቻርቸራትን ዝተሞርኮስ ስምምዕ ዘምጽእ ክኸውን ከምዘለዎ ዘየማትእ ዕላማ ኢዩ፡፡ ነዚ መን የምጽኣዮ ግን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን ኤርትራዊ ዜጋ ኢዩ፡፡ ኣብ ሰራዊት ይሃሉ ኣብ ስደት ይሃሉ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ እዚ ብምክልኻል ሓይልታት ተጀሚሩ ዘሎ ክድገፍ ይግባእ፡፡

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ናይሮቢ ፡ ኬንያ ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝተፈላለየ ጉልባብ ገንዘብ ከዋጽኡ ንዝገበረሎም ጸቕጢ ብስሙር ድምጺ ከምዝነጸጉዎ ሎሚ 19 ታሕሳስ ብዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

In unusually uncooperative and daring response to the Ambassador’s appeal, both members of PFDJ and non members told him that, they are tired of the government’s endless demand for money while it totally ignores the community’s request for basic information about the economic and political situation in the country.

Petrosisuሚኒስተር ሚኒስትሪ ፍትሒ ፎዝያ ሃሽም፡ ከም ቆጸራኣ ናብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን ኢያ ተመርቂፋ፡፡ ካብ’ቲ ልምድ ኣካይዳኣ ብዝተፈለየ መንገዲ ነታ ሒዛታ ዝነበረት መኪና ባዕላ ኢያ ተሽከርኪራ ነይራ። እቲ ካብ ጎና ዘይፍለ መራሕ መኪናኣ ንሎሚ ምስኣ ኣይነበረን።

ብቐረባ ብግዳምን ብውሽጥን ክከታተል ዝጸናሕኩ ግዱስ ኤርትራዊ ኢየ። ነዛ ኣብ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ኤውሮጳ ንተቓወምቲ ዘርዊ ዕማማት ትፍጽም ዝነበረት፣ ሕጂ ግን ነቲ ዘንቀሳቕሳ ኣካላዊ ሳንቡኣ ከየተንፍስ ዝዓብስ ማሕነቖ ይካየደላ ስለ ዘሎ ንምፍዋሳ ዘድሊ ሓገዝ ከበርክት ኢለ ኢየ ዝጽሕፍ ዘለኹ።

‘መንግስቲ ኤርትራ’ ከም ኣመሓዳሪ ኣብ ስልጣን ዘቐመጦ ይፍታሄ ዲመጥሮስ ዝተመርሖ፡ ኣባ ዶስቆሮስ ዝርከቦ ልኡኽ፡ ቅድሚ ሕጂ ውን ብመርበባት ዜና ኤርትራ ተዘአርጊሑ ከምዝነበረ፡ ድሕሪ ብዙሕ ተኣንጎት ተሸብሸብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝጀመሮ ዑደት፡ ብኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ድሕሪ ዘጋጠሞ ተቓውሞታት ከምዝፈሸለ ተፈሊጡ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ጸኒዖም ዘለዉ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቶም ገንዘብ ዘይከፈልኩም ተባሂሎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ መንግስቲ ተቐይዶም ዝጸንሑ 618 ወለድን ስድራቤታትን ብሓይሊ ብረት ነጻ ከምዘምጽኡዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቲ ብአኹም ብሰራዊት ኤርትራ ዝተላዕለ፣ ንመላኺ መንግስቲ ህግደፍ ዝቐረበሉ ዝተፈላለየ ጠለባት ዘበገሶ ምልዕዓልን አበያን፣  አብ መላእ  ሃገርን አብ  ኩሉ ኩርናዓት ናይ ዓለምን ዝርከብ ህዝብኹም፣ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ምንቅስቓስ እንተስ ውልዕ ኢሉ ክቕህም ፣እንተስ ባርዕ ሽግ ቀዪርኩሞ ወጋሕታ ብርሃን  ከበስር፣ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ ወግሔ ጸብሔ  እዝኑ ጸልዩ፣ ዓይኑ አፍጢጡ ብጽሞና ይከታተለኩም አሎ።

ሃገርና ኤርትራ  ኣብዚ ዉሽጢ  ዓሰርተ ሸዉዓተ ዓመታት ዘስካሕክሕ ፋሽሽታዊ ምሕደራ ህግደፍ: ኣብ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብና ዝወረደን ገና እዉን ዝወርድ ዘሎ መጠን ዘይብሉ በደላትን  ጭቆናን ጸብጺብካ ዝዉዳእ ኣይኮነን:: ነዚ ሕጂ ብሰንኪ ስርዓት ኢሰይያስ ኣፍወርቅን ሰዓብቱን: ሃገርናን ህዝብናን ካብ ደገን  ዉሽጥን ኣብ ዝኾነ እዋን ክነቱግ ብዝኽእል ሓደጋ  ክንቃላዕ ገሩና ዘሎ ስርዓት: ብኣጋኡ ምስዘስተባህሉሉ ኤርትራዉያን ባእታትን ሓይልታትን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ብማሃብ ንለዉጥን ፍትሕን ደው ኣብ ምባል ስለዝደንጎና ምኻኑ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚ እዛ ሎሚ ማሃነና ጠፊእዋ ንኩሉ ዓይነት ሓደጋታት ተሳጢሓ ዘላ ሃገረ ኤርትራ ምስ ሕልንኡ ሙጉት ክገጥም ግቡእ እዩ::

ፍሉይ ጉባኤ! “እቶም ቀንዲ እዋናውያንን በዳህትን ዛዕባታት ኤርትራ” ኣብዚ ጉባኤ ብፍሉይን ንኣታሓሳስባና ብዝብድህን ኣገባብ ክቐርቡ ስለዝኾኑ፥ ተኻፈልቱ ንኽትኮኑ ስድሪ ብኽብሪ ትዕድመኩም። ዕምቖት ዘለዎ ትንተናን፡ ክትዕን፡ ፍልጠት ዝመልኦ መግለጽን ክቕርብ እዩ።

ሓደ ካብ እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ ዝኾነ ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም የማናይ ክፍሊ ኣካላቱ ስለዝለመሰ (ፓራላይዝ ስለዝኾነ)፡ ካብ 14 ታሕሳስ 2008 ጀሚሩ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ይሕከም ኣሎ። ብዘይካ ዶክተር ሃይለ ምሕጹንን ሓደ ካብ ኩባ ዝመጸ ሓኪምን ዝኾነ ሰብ ከይረኽቦ ፕረዚደንት ኢሳያስ ድሕሪ ምእዛዙ ኸኣ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተላእኩ ሓለዋ ይከታተሉዎ ኣለዉ። ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም ክዛረብ ኣይክእልን ዘሎ። ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ደረጃ ይርከብ ኣሎ።

asenaሕጂ፡ ን ‘እንታይ ስለምንታይ’ ‘ውን ግዜ የብልካን። ምጕት ሰዓቱ ሓሊፉ፡ በደልን በዳልን ተቐሊዑ እዩ። ዋጋ ናይዚ ኹሉ ጃምላዊ ኣደራዕካ ሓንቲ ቓል እያ። “እምቢ!” ብሓደ ድምጺ። ዳኛ ንስኻ ተዳናዪ ንስኻ ኢኻ። እቲ ለውጢ ብኣኻ ንዓኻ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ከኣ ግዴኻ እዩ።

kabineኣብቲ ካብ 12 ክሳብ ሎሚ 14 ታሕሳስ ኣብ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ “ብኽፍሊ ጸጥታ ዝቐረበለይ መጽናዕታዊ ሓበሬታ”፡ ኢሉ ዘቕረቦ ነቲ ተዋዓዊዑ ዘሎ ምልዕዓል ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ፡ ንካቢነ ሚኒስተራት ኣስደሚሙዎን ኣሰምቢዱዎን። እቲ ምልዕዓል ብጎነጽ ክፍታሕ ኢሳያስ ዝመረጾ መርገጺ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ግን እቲ ኣኼባ ኣብ ደገፍትን ተቓውምትን ተገማሚዑ፡ ይብሉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ።

isuሚኒስተር ሚኒስትሪ ፍትሒ ፎዝያ ሃሽም፡ ከም ቆጸራኣ ናብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን ኢያ ተመርቂፋ፡፡ ካብ’ቲ ልምድ ኣካይዳኣ ብዝተፈለየ መንገዲ ነታ ሒዛታ ዝነበረት መኪና ባዕላ ኢያ ተሽከርኪራ ነይራ። እቲ ካብ ጎና ዘይፍለ መራሕ መኪናኣ ንሎሚ ምስኣ ኣይነበረን።

isuሚኒስተር ሚኒስትሪ ፍትሒ ፎዝያ ሃሽም፡ ከም ቆጸራኣ ናብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን ኢያ ተመርቂፋ፡፡ ካብ’ቲ ልምድ ኣካይዳኣ ብዝተፈለየ መንገዲ ነታ ሒዛታ ዝነበረት መኪና ባዕላ ኢያ ተሽከርኪራ ነይራ። እቲ ካብ ጎና ዘይፍለ መራሕ መኪናኣ ንሎሚ ምስኣ ኣይነበረን።

ሎሚ ዝወዓለ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ሲሪሒታትን ብኸምቲ ዝጀመሮ ንቡር ኣካይዳ ክቕጽል ከም ዘይከኣለ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ውልቀ ምልኪ፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ፡ ማዕረ’ቲ ዕብየቱ እኳ ኣይኹን እምበር፡ ኣቀዲሙ ኣብ ዝተፈላለያ ዌብሳይታት ተጻሒፍሉ፡ ይጸሓፈሉ’ውን ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘሎ ጸይቂ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፡ ህዝብና ኣደዳ ቅትለት፡ ማእሰርቲ፡ ስደት፡ ከርፋሕ ናብራ ኮይኑ ዝወርዶ ዘሎ መከራ ኣዘንቲኻ ኣይውዳእን። ኣነ ግን ሕጂ ክጽሕፈሉ ተበጊሰ ዘለኹ ኣርእስቲ ብሰንኪ’ቲ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፡ ንህዝብና ደረጃ ብደረጃ እናልመሰ፡ ረሚስዎ ዘሎ ደርቂ ጥሜትን ዓጻቦን እዩ።

ካቢነ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስሪሒት ዞባታትን ሎሚ ንግሆ ዕለት 12/12/2008 ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ተጸዊዑ ኣብ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ሓይልታት ምክልኻል ኣንጻር ምሕደራ መንግስቲ ከም ቀንዲ ዛዕባ ክዛረበሉ ከምዝወዓለ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ነዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተፍጢሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምብትታኑ ዝዕለመ: ብፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተላእኩ ኣባላት ናይቲ ብማዕበል ሰውራ ዝፍለጥ ሓለዋ መንግስቲ ናብ ኩለን እተን ዝቃወማ ዘለዋ ኣሃዱታት ስለያዊ መርበብ ይዝርግሕ ከምዘሎን ዕላምኡ ኸኣ ዘይተደለየ ሓድሕዳዊ ደማዊ ኲናት ምብራዕ ዝዓለመ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ጥምረት ናይቲ ኣሃዱታት ንምብትታን ተባሂሉ መራሕተን ክቕንጽል ቀዳማይ ዕማማቱ ከምዝተለመ ተፈሊጡ ኣሎ::