Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

isu

Goitom

 

 

 

 ቪድዮ ንምርኣይ ኣብዚ ሊንክ “ምንኣስ ናጽነት ተቐዚፉ” ጠውቑ

goitom

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ!

ምንኣስ ናጽነት እንተጸኒቱ፡ ናጽነት እንታይ ‘ዩ ፍትፍቱ?

ሃገረይ፡ ‘ከመይ ቀኒኺ’ ክብለኪ ከለኹ፡ ‘ከመይ ‘ለኻ ኣይትበሎ ኣብ ገጹ ረኣዮ’ ዝብሃል ዘረባ ዘኪርኪ፡ ንሕቶይ ብናይ እንክሒራ ፍሽኽታ ትገንሕዮ ትህልዊ። ኣይክሕዘልክን ‘የ። ማእሰርቲ ቀሽን ዓለምን፡ ሸኽን ኣማንን፡ ሚኒስተርን ጋዜጠኛን፡ ኣቦን ወላዲትን ተራ ኾይኑስ፡ ሎሚ ቅጽበታዊ ርሸና ደቂ 15 ዓመት ቆልዑ፡ እወ፡ መቕዘፍቲ ናይቶም ምንኣስ ናጽነት ዝኾኑ ዕሸላት መንእሰያት ኣብ ቅድሚ ዓይንኺ ትርእዪ ብምህላውኪ፡

በቲ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምጣነ-ሃብታውን ኣሰቃቒ ምሕደራ ጉጅለ ህግዲፍ መሰረት ብምግባር ነዚ ዲክታተራዊ ስርዓት ንምቅዋም ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን ንዕለት 28-02-2009 (ቀዳም መዓልቲ) ልክዕ ሰዓት 12.00 ቅድሚ ቀትሪ ሰልፊ ክጅመር ምዃኑ እንዳሓበርና ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ሰዓትን ተረኺብኩም መረረኹም ክትገልጹ ብጥብቂ ንላቦ።