Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Alenaክቡራንን ክቡራትን ደቂ ኤርትራ! ትማል ዓቢ እምባ ኤርትራውያን ፈሪሱ!!! ሞት 325 ዜጋታትና ሰሚዕና። እዚ ረዚን ሃገራዊ ሓዘን ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ኣብ ዝሰራሰረሉ ግዜ፣ ዝርንዝሕ ነቢዕና።

egmሎም መዓልቲ መጋቢት 11 2011፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ካልኣይ ዓመታዊ  ጉባኤኡ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸፊቱ።

meles zienawi ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና: ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ምስ ኣሰናዳኢ ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ትማሊ ዓርቢ 25 ለካቲት ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለመጠየቕ ብራድዮን ኦንላይን ቲቪን ብተኻታታሊ ከነቕርበልኩም ምዃና እናሓበርና ምክትታልኩም ንዕድም።

Amanuel Sahleመንእሰይ ከይኮነ ዝዓበየ ሰብ የልቦን። ገለ ግን ኣለዉ ስድራኦም ብንእስነቶም ሓላፍነት የሰክሙዎም እሞ፡ ንእስነት ከይረኣዩ ዚዓብዩ። ኩሉ ጸጽሕፍቶኡ ኣለዎ።

Eritrean refugees30/11/2010  ብዙሕ ሰብ ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ክርኢ እንከሎ ኤርትራን ምድረበዳ ሲናይን እንታይ ኣራኸቦም ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል።

Saba 1) በዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወ/ሮ ሳባ ሃይሉ ናብ ኣይቮሪ ኮስት ምስጢራዊ መገሻ ገይራ ከም ዝቐነየት ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እታ ምስ በዓል ቤታ ይኹን ንውልቃ ቅድሚ ሎሚ ንወጻኢ ክትገይሽ ዘይተራእየት ወ/ሮ ሳባ፣ ናብ ኣይቨሪኮስት ዑደት ምግባራ ዘገርም ተርእዮ ምንባሩ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

Isaias ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ እጽሕፍ ኣለኹ። ነቲ ብግዱሳት ዜጋታት ኤርትራ ወትሩ ዝጸሓፍ ዝነበረ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዝነበሮን ዘለዎን ጽሑፋት ግን ከየንበብኩዎ ኣይሓለፍኩን። ሎሚ ካብ ምንጋጋ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘምለጥኩሉ ግዜ ከም ህዝበይ ዝከኣለኒ ኣበርክቶ ንክገብር ድማ እጅገይ ሰብሲበ ኣለኹ።

Lekotaኣብ’ዚ ናይ ሓሶት ለቖታ ዝብል ድርሰት ከስፍሮ ዝደለኹ መልእክቲ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ወርሒታት ኣብ መርበብ ሓብሬታ ክጻሓፍ ዝጸንሐ፡ ጸይቕን፡ በታንን፡ ዘራጊ ሓድነት ዘይሓላፍነታዊ ዝዀነ ቢሂላት ብምጽራር ንምግላጽ እዩ።

Conferenceሃገራዊ ዋዕላ ብገደብ ግዜ ድዩስ ወይ ብዕላማ’ዩ ዝፍረድ፡ ገምጋምና ኣብ ግዜ ድዩስ ወይ ኣብ ትሕዝቶ ሃገራዊ ዋዕላን ኣገባብቱን ይኹን ሕጋውነቱ’ዩ ከዛርበና ዝግባእ፡ ንዝብል ኣብ ሰለተ ከፊለ ሓሳበይ ከስፍር እፈቱ።

ጠኬ በየነኣካያዲ ባንክ አርትራ ነበርን፡ ገዲም ተጋዳላይን፡ ናይ ስነ ቁጠባ ምሁርን፡ ኣቶ ተኪኤ በየነ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገርና ዝፈረዩ ቀለም-ጸገብ ባእታታት ሕብረተሰብና ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ፡ ብትእዛዝ መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሳያስ ካብ ስራሕ ደስኪሉ ይርከብ። ኣቶ ተኪአ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ኣቢሉ ካብ ሪቕ ሕፍንቲ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዝደረሰን፡ ብዛዕባ ሕትመታን ኣዘራጋግሓኣን ዝምልከት፡ ከኣ ኣብ ቲቢ ኤረ ከምዝተቓልሐን ይዝከር፡፡

ማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ቅዋሙ ንዘስፈሮ መደብ መሰረት ብምግባር ሎሚ ዕለት 24/1/2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ የተቦሪ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣባላቱ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣዳራሽ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኣትለት መብራህቱ ክፍለዝጊ ሎሚ ሰንበት ሓደ ሕዳር 2009 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ማራቶን ቅድድም ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት  ተሸሊሙ።

 ተስፋን ቅብጸትን ገጽ ንገጽ


ወዲ ሰብ: ተስፋ ከይረኸበ ህይወቱ ንምቕያር ዘድልዮ ኒሕን ጻዕርን ከመንጩ ኣይክእልን እዩ። ጻዕሩን ትግሃቱን: ሽግሩ ዝፈትሕ መጻኢኡ ዝቕይር ምስ ዝኸውን ጥራይ ‘ዩ ዝዕጠቐሉ። ይኹንምበር፡ ነቶም ኣብ ጉዕዞኡ ዘጋጥሙዎ ለጠቕ ዝበሉ ህሞታትን ፍጻሜታትን ወትሩ ዕሽሽ እናበለ: ብግርህናን ብጕርሕን ካብ ክዉንነት ርሒቑ እናተዛነየ ዝሓልፍ እንተኾይኑ ‘ውን: ብሕልማዊ-ተስፋ ናይ ምስቓይ ሓደጋ ኣለዎ። ንኤርትራውያን ካብ ዘጋጠመና ሓደጋታት ሓደ ኸኣ: እዚ ስነኣእሙራዊ ቀውሲ ‘ዚ እዩ።

ተስፋን ቅብጸትን ገጽ ንገጽ:

ማሕበር ኤርትራዉያን መንእሰያት ንለውጢ(ኤመለ) ብውሑዳት በጻብዕቲ ዝቑጸሩ መንእሰያት እዩ ዓሚ ከምዚ ሕጂ ተመስሪቱ። ነዚ ማሕበር ዝመስረትና ሰባት ኩልና ራእይ ኔሩና ። ራእይና ከም ናይ ህግደፋውያን ኤርትራ ናብ ሲንጋፖር ምቕያር ዘይኮነስ ራእይ ብቕዋም ትምሓደር ኤርትራ። ጫማኻ ማዕረ እግርኻ ከምዝብልዎ እቲ ራእይኻዉን ጠገለ ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ።

obamaኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎ ንደሞክራስያዊ ሰልፊ ወኪሉ ዝተወዳደረ ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ 2008 ቀዳማይ ጸሊም-ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ብምምራጽ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ።

GBቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ንዓባይ ብሪጣንያ ን10 ዓመት ዝመርሐ፡ ቶኒ ብሌየር፡ ኣብ መንግስቱ ከም ቻንሰለር ን10 ዓመት ንዘገልገለ ጎርደን ብራውን ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ 27 ሰነ ስልጣኑ ብወለንታ TBኣረኪቡዎ።