Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

50 ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሎሚ 31 ግንቦት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡  ለንደን ተረኺቦም ንማእሰርቲ መእመናን ብመንግስቲ ህግደፍ ዝዅንን ተቓውሞ ከምዘስምዑ ‘ኢንስፓየር መጋዚን’ ገሊጻ።

Ethiopiaኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጂጂጋን ደጋቡርን ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 16 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 67 ከምዝቖሰሉ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ሓቢራ።

እቲ ዝገርም፡ በቲ ሓደ ባይቶ ጸጥታ ዝብሃል የልቦን፡ “ኣመሪካ ባዕላ ውሳኔ ኣሕሊፋ፡ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ኣፍሪሳ፡ ንልኡኽ ዓቃብ ሰላም ትርጉም ኣልቦ ገይራቶ” እናተባህለ፡ “ተሓታቲት ኣመሪካ እያ” ኢልካ ምፍካር እዩ። ነታ ባይቶ ጸጥታ መሊኻ ድላያ ዝገበረት ኣመሪካ ደኣ ኸ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣበየናይ ወንበር ተሰቒሉ እዩ ብሕቶ ከረኻኽበላ?

 ኪዳን ምስ መን? – ኣብ ሓቀኛ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝተመርኮሰት ንፊልም ተባሂላ ዝተነድፈት ዛንታ እያ። ግዜ ተሓባቢሩዋ ፊልም ምዃን ክሳብ ዝሰምረላ ግን እንሀትልኩም። በብትርኢት ተኸፋፊላ ክትቀርብ እያ። ንመዘከርታ ተባሂሉ፡ ኣስማት ጠባያታ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ናይ ዝተሰውኡ ብጾት ኣስማት እዩ። ሰናይ ንባብ።

 ኪዳን ምስ መን? – ኣብ ሓቀኛ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝተመርኮሰት ንፊልም ተባሂላ ብ ኣማኑኤል ኢያሱ ብ2001 ዝተነድፈት ዛንታ እያ። ግዜ ተሓባቢሩዋ ፊልም ምዃን ክሳብ ዝሰምረላ ግን እንሀትልኩም። በብትርኢት ተኸፋፊላ ክትቀርብ እያ። ንመዘከርታ ተባሂሉ፡ ኣስማት ጠባያታ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ናይ ዝተሰውኡ ብጾት ኣስማት እዩ። ሰናይ ንባብ።

 ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብዘይተግባራውነትን ምትሕልላኻትን ውሳኔ ምምላካት ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተሓተቲ ሰበስልጣን ኣመሪካ ምዃኖም ገሊጹ።

 

ዮሃና ህዝቢ ኤርትራክቡር ህዝቢ ኤርትራ። ናጽነት ንስኻ ኢኻ ‘ሞ ብነብስኻ ተሓበን ! ርሑስ ኣውድኣመት ይግበረልካ ! ..ዝተቐየረ እንተተቐየረ፡ ርክብካ ምስዞም ጀጋኑ ቀዋሚ እዩ። እምነትካ ኣብኣቶም ጽኑዕ እዩ። ነባሪ ድማ ክኸውን ኣለዎ። ሰብ ጽቡቕ መብጽዓ ስለዝኾኑ ክብሮም ዓቅቦ። መሰረት ክብረትካ እዮም፡ ክዳን ክብረትካ ግን ንስኻ ኢኻ። ንስኻ ተድምቖ፡ ንስኻ ተህስሶ፡ ንስኻ ተሐድሶ።

 መርበብ ኢንተርኔት ኣሰና ድማ፡ እዚ ጽምኢ ቅኑዕ ሓበሬታ ቀራዕ ዘብሎ ዘሎ ህዝብና ዝረውየላ፡ ዕለት ዕለት ሓሓድሹ እትፍልፍል ተወሳኺት ዒላ ኮትኮነሉ፣ ነዚ ጥሜት ድሃይ ኣሕዋቱ ሃለፍ ዘብሎ ዘሎ ክፋል ድማ፡ መኣዲ ሓበሬታ ክትኮነሉ እንዳተመነና፣ ኩሉ ብጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን ዝሓምም ዜጋ፡ በቲ ዝኽእሎ ዘበለ ክተሓገገዛ፣ ልቦና ዝሓዘለ፡ መሃርን ኣተባባዕን ጽሑፋት ብምልጋስ፣ ቅኑዕ ሓበሬታ ብምልኣኽ ክደጋገፋ፡ ንምሕጸን፡፡ ንሕና ብወገንና ድማ፡ ነዛ ጠራናፊት ኣሕዋት፡ ኣኻኻቢት ብጾት፡ ጸጋዊት ፍልጠት ክትከውን እንምነያ ሓዳሽ መርዓት፡ ባህ እንዳበለና፡ በታ ዓቕምና ከም እንደጋገፋ ንሕብር፡፡

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከይኮኑ ድሕነቶም ኣስጊኡ ዝቐነየ 57 ኤርትራውያን  ብሊብያውያን ካብ ሓደጋ ምጥሓል ድሕሪ ምድሓኖም ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ሊብያ ተታሒዞም ከም ዝርከቡ፡ እንተኾነ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ናይ ምምላስ ካልእ ሓደጋ የጸላልዎም ከምዘሎ ካብ መርበብ  ሓበሬታ መሰልና ደሊና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ነጻነት ራህዋ እዩ። ነጻነት ተኸቢርካ አብ ሃገርካ ምንባር እዩ። ነጻነት መሰልካ ዝኽበረላ ሃገር ምውናን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ከምቲ ዝተመነዮን ዝሓሰቦን እቲ ንዓመታት ብሃረርታ ዝተጸበዮ ነጻነት ከምቲ ሃረርትኡ አይረኸቦን።

‘ኣይፋልካን፡ ክንደይ ሳዕ ከተታልለና ዝብሎ ክሳብ ዘይተረኽበ፡ ካብ ጓይላን ጭርሖን ኣይኮብኵርን እዩ። ሎሚ ዘበን ከኣ፡ “ ወፍሪ ሎሚ፡ ራህዋ መጻኢ” ዝብል ጭርሖ ምሂዙ ኣሎ። ሰናይ ትምኒት ኣፋፍኖት ግብሪ እንተልዩዎ ጽቡቕ እዩ። እንተኾነ፡ መጽሓፈ-ተግባር ህግደፍ ድሮ ፍልሖ በሊዑዋ፡ ሕጂ እታ ህይወት ዘይብላ ናይ ጭርሖ መጽሓፍ ጥራይ እያ ተሪፋ ዘላ።

እዚ በዓል ናጽነት ህዝቢ ኤርትራን መራሕቲ ህግደፍን ብሓባር ክውዕልዎ ናይ ብሓቂ ዘገርም እዩ። ብዓል ነጻነት ሃገርና ነጻ ዝኸነትሉ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእ ድኣ እምበር ንህግደፍሲ ውራዩ አይኮነን። ህዝቢ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ አብ ከቢድ ጸገም ተሸሚሙ አብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ኢና ነዚ መበል 16 ዓመት ብዓል ነጻነት ነኽብር ዘለና። እዚ እዋን ንነብስናውን ካብቲ አቲናዮ ዘለና ኩነታት ክንወጽእ ንሓተሉ ግዜ እዩ።

መሰረታዊ ናይ ምባር መሰል ተሓሪምና፡ ብውሕሰነት ሃገር ጉልባብ ኣመክኒካ “ኣብ ዘይውዳእ ባርነት ወፊሪ ዋርሳይ ይከኣሎ” እንዳተረግጸ፡ መንእሰይ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ስደት ተቓሊዑ እንዳረኤና።  ነዚ ሕማቅ ናይ ድሕሪ ናጽነት መሬት ዝቓንየሉ ተሳኢኑ። ገዳይም እንተስ ዝሓለፈ ኣበርክቶና ይኣኽለና፡ ወይስ ቐደም ዘጓሳጎስናዮ መንእሰይ መስዋእቲ ፍረ ኣልባ ኾይኑ እዩ እሞ። እንታይ ክንደርፈሉ ኢሎም ግዲ ተስፋ ቆሪጾም ኾይኖም መልሓሶም ተለኺቱ ስቅ ምባል መሪጾም። ማሕበር ስቅ ተጸንቢሮም።

ካብ ኣካይዳኦም ከምዝርአ ካብ ቃላቶምን ከምዝስማዕ፡ እዞም ሰባት፡ ሓጥያት ጽድቂ ኮይኑ ዝስሞዕም ዘሎ እዮም ዝመስሉ። ህዝቢ ግን ንሳቶም ብዝተሰመዕም ኣብ ገነት ከእትዎም ፍቓደኛ ኣይኮነን። ንኤርትራ፡ ሳዕስዒት እምበር ሕቶ ዘይፍቀደላ ሃገር ክገብሩዋ ‘ኳ እንተፈተኑ፡ ህዝቢ ብእግሩ እምበር ብልቡ ይስዕስዕ ከምዝየሎ ክዝንግዑዎ ኣይግባእን። ልቡ ሕቶ ብሕቶ እዩ መሊኡ ዘሎ።

ኤርትራዊ ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኑ ከገልግል ከም ዝተመዘዘ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

Asena Haile menkerious“ ሃይለ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ትውልዲ ሃገሩ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ክነግስ ስለዝሓተተ ብጥልመት ተኸሲሱ ኣሎ። ንሱ ግን ሓደ ካብቶም ዝለበሙን ምጉሳትን መራሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ። ተባዕ ጅግና እዩ። ንደቀይ ኣብነት (role model) እዩ። ንደቀይ ካብ ዕርክነቱ ዝበልጽ ህያብ ክረኽበሎም ኣይክእልን እየ”

ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ናብ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ዝለኣኹዎ መጸዋዕታ (Click on Link below)http://asena-online.com/administrator/index3.php?option=com_media&task=list&listdir=/PDF 

READ MORE

ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ናይ ወጻኢ ባጤራ ተጸንቂቑዎ ነቀይ-ነቀይ ዝብለሉ ዘሎ ቀውጢ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ካብቲ ዝርካቡ ሕንኳዅ ቆፎ-ባንካ ብዘይተጕላባ ባጀት ዝስልዓሉ ትካል እንተልዩ መረኸቢ ብዙሃን ህግደፍ፡ ብፍላይ ድማ ‘ቲቪ-ኤረ’ እዩ።