Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Womenሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ካብ ርሑቕን  ቀረባን ብፍላይ ድማ ምስተን ዝነውሐ ጉዕዞ ሰጊረን ኣብ ማእከልና ዝርከባ ዘለዋ ኣሓት ኣብዚ ኣደራሽዚ ክንራኸብ ምብቃዕና ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝላዓለ ምስጋናን ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታ ከቕርብ ብትሕትና እሓትት።

ሃገረ ሱዳን ተቀባሊት ጋሻ  ኢያ : ብፍላይ ናዓና ንኤርትራዉያን ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ሓብሒባ ዘቃለሰትን ኣብ ኣጋ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ንናጽንት ኣርትራ ዝኣመነትን ብኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛ ህዝብና ዘዕቆበትን ሃገር ኢያ::

waelaአብ  ከተማ ሎራኽ(ጀርመን)ን  አብ ከተማ ባዝል(ሰዊዘርላንድ)ን ከባቢታትን ንቕመጥ ኤርትራውያን ብቀዳም 15 ጥሪ ዘዳለናዮ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ-ህዝቢ ብድሙቕ ዓወት ተደምዲሙ፡፡

Eritreaትማሊ ቀዳም 11 ታሕሳስ 2010 ድሙቅ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ‘ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ካብ ዝተፋላለየ ከም ፍራንክፎርት፣ ስቱትጋርት፣ ካስል፣ ማንሃይም፣ ካርልስሩሀ፣ ከለን፣ ወዘተ…. ዝኣመሰላ ከተማታት ጀርመን ዝመጹ ኤርትራውያን ተኻፊሎም።

ዝሓለፈ ሰንበት 26 መስከረም አብ ከተማ ከሎን ዕቱብ ኣኼባ ንተቐማጦ ምምሕዳር ቨስቲፋልያ ተኻይዱ፡፡ ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐት ሽማግለ እታ ዝነበረት ናይቲ ቦታ ተሓጋጋዚት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ዋዕላ ነይራ፡፡

ንሰንበት ዕለት 30.05.2010 ዓ.ም.ፈ.፡ እንሆ ልኡኽ ኣሳናዳኢት ኮሚተ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ምስ ተቐማጦ ከተማ ኰሎን‘ን ከባቢኣን፡ ክፉት ኣኼባ ናይ ህዝቢ ክገብር፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ኰሎን-ን ከባቢኣን፡

መሪሕ ኣብራሃም ዝተባህለት ኣብ ጀርመን፡ ከተማ ፍራንክፈርት ዝምቕማጣ ኣደ ክልተ ቆልዑ ኤርትራዊት መንእሰይ፡ ኣብ ድሮ ብዓል ልደት 24 ታሕሳስ ኣብ ምድቃሳ ላሕኵ ጋዝ ብዘስዓቦ ምምራዝ ኣየር ሳልሳይ ርእሳ ብሓደጋ ጋዝ ከምዝዓረፈት፡ ምንጭታት ካብ ፍራንክፈርት ሓቢሮም።

ሃገረይ፣ ሰላም አብ ውሽጠይ አሕድርለይ ክንሳሕ ንዝፍጽሞ ባዕለይ ሸለውለው ከይብል ርግኣት ወስኽለይ፣ ሃገረይ፡ ናይ መወዳእታ ፈትኒ ጸሎት ግበርለይ ኣደ እየ’ሞ ከይሕለል ልበይ ወይ ደቀይ እንዳተገፍዑ ከይስዕስዕ አብ መቓብር ሰኣን ልበይ ጽቡቕ አለዉ ኢለ ከይብል ድምብርብር

READ MORE

ብዕለት 11.10.2009 ኣብ ከተማ ካርልስሩሀ ኣኼባ ኣካየድቲ ሽማግለታት ናይተን ኣባላት መርበብ በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ዝዀና ኤርትራዊያን በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ሃገር ጀርመን ተኻይዱ።

ኩሉ ኤርትራዊ ከም ዝዝክሮ 18 መስከረም 2001 ኣብ ሃገርና ኤርትራ መራሒ ጉጅለ ስርዓት ህ ግ ደ ፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ላዕለዎት ሰበስልጣን ናይ መንግስትን ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ወነንትን ኣሳናዳእቲ ናይ ብሕቲ ጋዘጣታትን ተመሃሮ ዩንቨርስትን ኣሲሩ ካባ ዲክታተርነት ዝኣወጀሉ ዕለትዩ;

hr ዝብሃል ዓቢ መንግስታዊ ሚድያ ጀርመን ነቲ ኣብ ፍርናክፈርት ብኤርትራውያን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ዝገበረሉ ናይ ቴለቭዥን ሸፈነ ተመልከቱ።

READ MORE

ፍፍ 01ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብኤርትራውያን ተቐማጦ ፍራንክፈርት ጀርመን ናይ ዝተኻየደ ሰላማዊ ስልፊ ስእላዊ ምግለጺ

FFእዘን ኣብ ስእሊ እትርእዩወን ዘለኹም ሰበይቲ ኣብ ፍራንክፈርት ሰላማዊ ሰልፊ ይገብር ንዝነበረ ዜጋ ስለዝሃረማ ብፖሊስያ ጀርመን ተኸሲሰን ከምዘለዋ ካብ ፍራንክፈርት ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት። ብዛዕባ ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝርዝር ትህዝቶ ምስ በጽሓና ከነቕርበልኩም ኢና።

 

ክክኤምነስቲ እንተርናሽናል(ai) ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዘጋታት ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክቃወምን ስክፍታኡ ክገልጽን ጸኒሑ።

EDPሰደኤ ጨንፈር ጀርመን ንህሉዊ ጸገማት ሰልፊ ደሞክራሲ እትፈትሕን ህጹጽ ጉባኤ ንምክያድ እተሳልጥን ፡መሰጋገሪት ኮሚተ ብምምራጽ ኣኼባኡ ብዓወት ኣቃኒዑ።