Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 

Boston11 ሚያዝያ፡2011   ኣገዳሲ ጻውዒት ኣኼባ ንኹሉ ኤርትራዊ፡ ምእንቲ ናይ ሕልና ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ድርብ ጃምላዊ ሓደጋ ጥፍኣት

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ!!!

Sinaiኣብ ምስሪ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 70 ስደተኛታት ብነጋዶ-ሰብ ኣብ ትሕቲ-መሬት ብሰንሰለት ተኣሲሮም ከም ጅሆ ተታሒዞም ድሕሪ ምቕናይ፡ “5 ሽሕ ዶላር ኣረክቡ ወይ ድማ ህይወትኩም ክትስእኑ ኢኹም” ተባሂሎም፡ ብኤለትሪክ ክፍልታት ኣካላቶም እናነደደ ይሳቐይዩ ከምዘለዉ፡ ዛጊት 10 ካብኣቶም ብኣሰቃቒ መንገዲ ከምዝተቐትሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ጉዕዞ ዝቐነየት ጃልባ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ኣህጉራዊ መስመር ምስ በጽሐት ነዳዲ ወዲኣ ጠጠው ኢላ ከምዘላ ‘ሞ ኣብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ከምዝነበሩ ተሳፈርታ ተደጋጋሚ ናይ ረዲኤት ጻውዒት ይገብሩ ከምዘለዉ ብመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ነጊርናሎም ዝነበርና ግዳያት፡ ድሒኖም ከምዘለዉ ትማሊ ምሸት ዝረኸብናዮ ገና ምርግጋጽ ዘድልዮ ኣፈናዊ ሓበሬታ የረድእ።

ሓንቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ዝተበገሰት፡ ዝነቐለትሉ ዕለት ዘይተፈልጠ ጃልባ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ኣህጉራዊ መስመር ምስ በጽሐት ነዳዲ ወዲኣ ጠጠው ኢላ ከምዘላ ‘ሞ ኣብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ከምዝርከቡ  ተሳፈርታ ተደጋጋሚ ናይ ረዲኤት ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ።


ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ሓቲቶም ዝደሓኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ (8 መስከረም 2009) ናብ ሊብያ ተመሊሶም ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እቶም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ከምዝሓተቱ ብመንገዲ ኣሰና ዝሓበርናኩም 90 ኤርትራውያን ናይ ህይወት ኣድሕን ጻውዒቶም ኣንታዊ ምላሽ ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ንምርድኦም ብሓለዋ ባሕሪ ዝተኻየደ ስርሒት ሎሚ 8 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ተዛዚሙ፡ ከምዝደሓኑ ካብ ዓዲ ጥልያን ዝረኸብናዮ ኣፈናዊ ኣፍሊጡ።


90 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ኩነታት ከምዝርከቡ፡ ሓደ ካብኣቶም  ሎሚ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ኣብ ነርወይ ንዝረክቡ ቤተሰቡ ቴሌፎን ብምድዋል ርድኡና ክብል ጸዊዑ ኣሎ። 

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ከባቢ ፖርትስሚዝ፡ Haslar፡ ኣብ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ 5 ኤርትራውያን መንእሰያት ብግዴታ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሓደጋ የንጸላልዮም ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ተቓወምቲ ውድባትን ግዱሳት ወልቀሰባትን ናብ ኤርትራ ካብ ምምላስ ከናግፉዎም ብጥብቂ ኣተሓሳሲቦም።

ሃገራዊ ተለቪዥን ሃገር ሽወደን ሓንቲ ኣደ ኤሪትራዊት ምስ ክልተ ደቃ፡ ሓደ ወድን ጓልን፡ ሃገራዊ በዓል ስልጣን ጕዳይ ወጻእተኛታት ሽወደን፡ ኣብ ሽወደን ዐêቝባ ረኺቦም ክቕመጡ ወሲኑ ክብል ብዕለት 24/10/2008 ኣቃሊሑ። እዛ ዝተጠቕሰት ኤርትራዊት ስድራቤት እምበኣር ብምኽንያት እዛ ህጻን ጓል ሓደ ዓመት፡ ንኤርትራ እንተተመሊሳ ምኽንሻብ ወይ ምጽፋይ ብልዕታ ከጋጥማ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ኢዩ በዓል ስልጣን ጕዳይ ወጻእተኛታት ሽወደን፡ ንሰለስቲኦም ኣብ ሽወደን መሰል ዐêቝባ ክረኽቡ ወሲኑ ዘሎ።

ምረት መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ወረዱ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን ክምህለል ይውዕል ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ይሕብሩ።