Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Aመታዕቢተይ፡ እዛ ሃገር ናብ ምንታይ ተመርሕ ከምዘላ ትዕዘቡ ዶ ኣለኹም? ዝተዳህከ ቁጠብኣ ከይተበራበረ፡ ዝተዘርገ ጸጥትኣ ከይተመልሰ፡ ዝተመዛበለ ህዝባ ከይተጣየሰ፡ ዝተጎድአ ቁስላ ከይሓወየ ካልእ ሓደጋ ከንጸላልዋ ጀሚሩ።

ቀዳም 6 ጥቅምቲ 2007፣ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ መንእሰይ ነጋዳይ ኣቶ ፍቕረማርያም ዓንደማርያም ዝተባህለ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተኻይዱ። እዚ ቀብሪ ቅድሚ ሕጂ ምስቲ ናይቲ ህቡብ ድምጻዊ ሓርበኛ የማነ ገብረሚካኤል፣ ከምኡውን ናይ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብዝመሳሰል ተጌሩ ክበሃል ይከኣል።

Eመንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ሰላም ኣልጀሪስ ንኹሉ ወይ ብኸፊል፡ ንግዚኡ ወይ ንሓዋሩ ክስርዞ ይሓስብ ምህላው፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዘፍለጦ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።