Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣማኑኤል እዚ ኣርእስቲ’ዚ ቃል ንቓሉ እንተወሲድናዮ ብዙሕ ትርጉም ኣይህብን ‘ዩ። መን ‘ሞ ‘ሎ ሰብ ኮይኑ ኣካላቱ ብቐይሕ ደም ዘይዘፈቐ፡ መን ከ ‘ሎ ኢዱ ቀይሕ ደም ተቐቢኡ ዝኸይድ? ብያታዊ ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ግን፡ ደም ካልእ ምስላዊ ትርጉም ‘ውን ኣለዎ።

ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ብዘይካ ሓደ ነገር ዘለዋ የብላን። ባይቶ የልቦን! ተቓወምቲ ሰልፍታት ወይከ! ቤት ፍርዲ ኣበደን! ልዕሊ ኹሉ ፕረስ ወይ ከኣ መራኸቢ ብዙሃን ሽታ ማይ ኮይኑ ኣሎ። ኣብዛ ብናፍቖትን ጥምየትን ናይዚ ኹሉ ጸጋታት ማሲና ዘላ ሃገርና ግን ሓደ ህጣራ ነገር ኣሎ። ውልቀመላኽነት። “እንኮን ዓኮን”!