Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሰብኣውን ማሕበራውን መሰላተን ንምርግጋጽ ብሓባር ተወዲበን ክቃለሳ ንክበቕዓ፡ ነቲ ዝከየድ ዘሎ ጻዕርታት ብምቕጻል፡ ካልኣይ ኣገዳሲ ኣኼባ ተዳሊዩ ተዳሊዩ ከም ዘሎ ክንሕብር ንፈቱ።

ንሕና ኣባላት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር-ዓባይ ማንቸስተር እዋኑ እዋን ሓባራዊ ዘተን ተኣኻኸብን ተላዘብን ስለዝኾነ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ክንዘራረብን ከምኡን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምዕዋት ዝሕግዘና ምስ ራኢና ዝቃዶ እስትራተጂ ንምትላም ክፉት ህዝባዊ ኼባ ንጸው ኣለና::

  ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋልና፡ ነቲ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝርከብ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ናዚዝታዊ ማሕበር መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣቃሊዕና ኔርና፡፡ ሓደ ካብቶም ኣስማቶም ጠቒስናዮም ዝነበርና ሰናይ ሰለሙን ለማ ዝተባህለ ኣብ ዴንማርክ መራሒ ማሕበር መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ሓደ በዓል ነብሱ ምቁጽጻር ሲኢኑ ንሰባት ስለ ዘጥቅዐ ን40 ምዓልታት

READ MORE

 

ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን እቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ጸኒዑ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ እገዳ ክኸርር ምእንቲ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ምስ ድምጺ ኣሰና ቃለመጠየቕ ዘካየደ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኪዳን ኣቶ በሽር ይስሓቕ ገሊጹ።


ኩልናከምእንፈልጦውድብሕቡራትሃገራትቤትምኽሪባይቶጸጥታኣብ 2009 ብቁ. 1907 ዝፍለጥናይማዕቀብብይን፡ኣብልዕሊምልካዊስርዓትብሰንኪእቲባዕሉዝጻሕተሮውግእምስጂቡትንኣብሶማልነቶምብግብረሽበራምስኣልቃዒዳርክብዘለዎምኣልሸባብኣንጻርመንግስቲሶማልስለዝሕግዝነዚእከይተግባራቱጠጠውከብልኢዩእምበርኣብልዕሊሕዝቢኤርትራኣይኮነን።


ብዕለት 07 ሓምለ 2011 ዓሰርተ ሓደ ኣባላት ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና መንእስያት ዓፋር ካብቲ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ብምህዳም ካብ ከባቢ ዳህላክ ብምብጋስ ናብ ኣልሓያ ዝተባህለት ወደብ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ። ምንጭታትና ከም ዝሕብርዎ ምክንያትመህደሚ ናይዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ባሕሪ ዝተረኽበ ዕጭኡ ምርሻን ምዃኑ ዝተመሓላለፈ ኣረሜናዊ ውሳኔ ስርዓት ህግደፍ ብምንጻግ፡ ኣብ ከባቢ ዳህላክ ዓሳ ንምግፋፍ ምስ ወረዱ፡ ፋይቨር ዝዓይነታ ወተሃደራዊ ጀልባ ንምህዳኖም ምስ ተጓየየት፡ ነብሶምንምድሓን ኢዶም ንሰበ ስልጣን ክህቦ ምግዳዶም ይሕብሩ። ዕድመ ናይዞም መንእሰያት እዚኣቶም ካብ 15 – 28 ከም ዝበጽሕ ብድሕሪ ምሕባር ከኣ፡ ኣስማቶም ከምዚ ዝስዕብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣረጋጊጾም።

ዓሰርተ ሰለስተ ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ-እግሪ ክለብ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ክሳብ 10 ሓምለ 2011 ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዞባዊ ውድድር ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፎም ናብ ኤርትራ ምምላስ ኣብዮም ኣብ ታንዛንያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ብዜና ምስተዘርግሐ፡  ኣብ ሳልስቱ፡ ቴለቪዥን ቢቢሲ ኣብ ዘቕረበቶ መደብ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ዕቃበ እንስሳታት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ‘ጽምብላሊዕ ቁጽረን እናወሓደ ይኸይድ ኣሎ’ ዝብል መረዳእታ ከምዘለዎም ብምጥቃስ፡ ነቲ ኩነታት ብልክዕ ብምርግጋጽ፡ እቲ ምንካይ ቁጽሪ ጽምብላሊዕ ደው ዝብለሉ ኩነታት ንምፍጣር ስጉምቲ መታን ክወስዱ፡

ብመጀመሪያ ንኩሉ “ሳቦያ ንዳግማይ ምሕራር ህዝብና ካብ ባርነታዊ መግዛእቲ መላኺ ኢሳይያስን ቁንጮ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን!!” ብምባል ብዓው ዝበለ ስሙር ድምጺ ብደሆ ንምቕያር! ዘቃልሕ ዘሎ መደባት ኤርትራዊ ዜጋ ዝኸበረ ሰላምታይ ይብጻሕካ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ንኩሎም ካብ ነዊሕ ግዜ ብመንገዲ ኢመይለይ ሃናጽን ኣተባባዕን ርኢቶን መእረምታን ሓበሬታን ዝሰደድኩምለይ ኣሕዋትን ኣሓትን ከየመስገንኩኹም ክሓልፍ ኣይደልን፡፡

ሓላፊ ክፍሊ ሕክምናን ወኪል ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዶክተር ዮሴፍ ግርማይ ዝርከቦም 15 ሓካይም ፡ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ብጥርኑፍ ኣብዚ ሳልስቲ ሱዳን ብምእታው ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምንጭታት ኣሰና ካብ ሱዳን ሓቢሮም።


ዋና ኣሰናዳእን ዌብማስተርን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ Shabait.com ዝነበረ ብዓልፋን ተስፋይ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብ’ዚ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብሰንኪ ዓንዳሪ ባህርያቱ ንጥረዮ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምዕጋት ብጭንቀት ደምበርበር ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ብመንገዲ ልኡኻቱን ሃሱሳቱን ፡ዝውክሉዎም ኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ዘጽንዖም ኤርትራውያን ስደተኛታት መንነትን ኣድራሻን ብምስራቕ፡ ብዘይፍቓዶም፡ ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ዝቃወም፡ ደብዳበታት ይጽሕፍን ይልእኽን ከምዘሎ ሓበሬታ በጺሑና ‘ሎ።

 

ግብጻዊ ኦፕሬተር ሳተላይት ፡ ‘ኣራብሳት’ ን14 መስመራት ቴለቭዥን ሊብያ ደው ከብለን ብናይ ካይሮ ቤትፍርዲ ከምዝተኣዘዘ ‘ራፒድ ቲቪ ኒውስ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

‘ዘ ጋርድያን፡ ቢቢሲ፡ ሮይተርስ፡ ዝርከቡዎም ዓበይቲ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና፡ እቶም ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፎም ናብታ ብዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ትምራሕ ዘላ ኤርትራ ምእንቲ ከይምለሱ ኣብ ታንዛንያ ብምሽራብ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝሓተቱ 13 ኣባላት ኩዕሶ እግሪ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝወሰዱዎ ኣቓልቦ ሂቦሞ ቐንዮም።

(ሐ)ግዜያውነትን ኣገዳስነትን ባይቶ ዓድታት  
ሓረስቶትን ገባሮን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ መፋርቕ ሰብዓታት፡ (ኣብ ሓደ ሓደ ስፍራታት ከኣ ድሕሪኡ’ውን እንተበልኩ) ንዘጋጠሞም ሽግራት ንምፍታሕ፡ ተኻሰስቲ “ዝባን ዳኛ ካብ ድሕረይ ከይትተርፍ፡” ብማለት ሕድ-ሕዶም ተሰራሪዖምን ተኸባቢሮምን ኣብ ባይቶ ይቐርቡ ነይሮም’ዮም። እዚ ባህርያት’ዚ፡ ቀይዲ-በተኽ ዜጋታት ዘይኮኑስ፡ ኣኽበርቲ ሕግን ስነ-ስርዓትን ከምዝነበሩ የርእየና።

ሽማግለ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ  ንዕለት 17/07/ 2011   አቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተጋ/ ተወልደ ገብረስላሴ   ምስ ተጋ/ በሽር ኢስሐቅ ሐላፊ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን

 

ዋና ሓላፊ ጸረ-ግብረሽበራ ‘ዋይት-ሃውስ’ ጆን ብሪናን፡ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት የመን ብምርካብ ኣመሪካ ኣብ የመን ቅልጡፍ ምስግጋር ስልጣን ክግበር ድሌት ከምዘለዋ ከምዝገለጸሉ ኣሾሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።


 

ስርዓት ህግደፍ ትንፋሱ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ተንጠልጢላ ንስክላ ኣብ ኣጋ ዕርበት እትነብር ሩሕ ዘላቶ ሰንኮፍ ስርዓት እዩ። ቁሩብ ሰሪሑ እንተዘጋንን ኣይምተጸልአን። ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ካብ ፕሮፖጋንዳ ጸሚቑ እዩ ጣቋ ክፈጥር ዝደሊ ዘሎ። ፕሮፖጋንዳ ተጸሚቑ ምስ ተዘቖቐ ግን ክበታተኽ እምበር ካብ ዘየልቦ ከምጽኦ ዝኽእል ፍረ የልቦን።

Red Sea Eritrea assennaነቲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ንምንጭታት ኣሰና ብምጥቃስ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ዘቃልሓቶ ዜና ሕቶ ዑቕባ 13 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኤርትራ፡ Daily Nation ዝተባህለ ጋዜጣ ኬንያ ደጊሙ ኣረጋጊጹዎ።

Breaking Redsea Assennaኣብቲ ኣብ ኣብ ታንዛንዝያ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ Cecafa ክትሳተፍ ዝጸንሐት ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ብዘይካ ሽዱሽተ ኣባላታ ብምሉኣ ማለት 13 ተጻወታ ኣብ ታንዛንያ ዑቕባ ከምዝሓቱ ምምንጭታት ካብቲ ቦታ ንኣሰና ሓቢሮም።

US_Pakistanመንግስቲ ኣመሪካ ‘ፓኪስታን ኣብ መኸተ ግብረሽበራ ቁልፊ መሓዛ ‘ያ’ ብምባል ነታ ሃገር ክህቦ መዲቡዎ ዝነበረ $800 ሚልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበሎ ካብ ‘ዋይት ሃውስ’ ዝተዋህበ መግለጺ ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።

Netsereabናይቲ ውፉይ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ሃብተ ወ/ገርጊስ ድሕረ ባይታን ዝተራኸብናሉ ኣጋጣሚ ምንባሩን ኣብ ትሕዝቶ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ሒዘ ክቐርብ ቃል ኣትየ ምንባረይ ዝፍለጥ’ዩ። ሃብተ ወ/ገርጊስ ንሱ ዋላ’ኳ ክፈልጠኒ እንተዘይኸኣለ፡ ኣነ ግን ኣብ ካርቱም ሕሱር ተግባር ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ኣዓርየ ይፈልጦ ነበርኩ።

Eritrean Sportእቲ ብሰንበት 3 ሓምለ ኣብ መሪት ካሌጅ ዝጀመረ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ ሰኑይ፣ ሰሉስን ሮብዑን ማዓልታት’ውን ኣብ ኢስት በይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ስፖርት ቀጺሉ ድሕሪ ሙውዓሉ እተን ቡሉጻት ሸሞንታ ጋንታታት ናብቲ ሓሙስ ዝግበር ርብዒ ፍጻመ ሓለፋ።