Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

kunamaግዳያት ግጭት ኤርትራ ኢትዮጵያን (1998-2000) ዝኾኑ፡ 700 ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተወለድቲ ብሄረ ኩናማ፡ መሰል ዑቕባ ተዋሂቡዎም  ኣብ ኣመሪካ ሓድሽ ህይወት ክጣየሱ ናብ ኣመሪካ ይኸዱ ከምዘለዉ ላዕዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

መበል 15 ትርኢት

kidanኤፍሬም፡- “እምባእ! እዚ ኮ ርኡይ ኣንጻርነት ኢዩ” (ናብ መታርፍቱ ኣሕመድ ቁሊሕ ኢሉ) ዓይኒ ንዓይኒ ኣድልዎ ! ኣሕ! (ነቲ ኩነታት ፍጹም ምእማን ይስእኖ፡ ሕርቃን ኣብ ገጹ እናተነበ ይፍክር፡ ኣስናኑ ይሕርቅም።) ደሓን ክንረአአ ኢና ናይ ኣንጻርነት ሲ (ርእሱ ይንቕንቕ።)

Massawaምጽዋዕ ብዙሕ መከራታት ኢያ ርእያ። እዚ ኣብ ነባሮ ኣማተረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቶም ውሱናት ህዝቢ ዝወረደ ግፍዒውን ሓደ ካብኡ እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ከም ቀጻልነት ምስቲ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ገዛውቲ ካብ እንዳ ደናዳይ ነበር ጀሚርካ ክሳብ ርእሲ ምድሪ ዝተደምሰሰ ዝተታሓሓዘ እዩ።

J clarckብቀዳምነት ከም ናይ ሓለፊ ናይ ነቭሳን ዕደና ወርቂ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኮይንኩም ኣብ ቢሻ እተካይድዎ ዘሎኹም፣ ናይ ማዕድን ዳህሰሳ ስራሕ፣ እንቋዕ ኣብ ዓወት ኣብጻሕኩም ንብል። እቲ ዓወትኩም ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ ብምዃኑ።

Asmaraኣብ ዓዋተ ዳት ኮም ሓደ ጽሑፍ The Tears of a Sadist ብዝብል ብኣክሊሉ ዘርአ ብ25 ሰነ 2007 ዝተደርሰ ቀሪቡ። እቲ ጽሑፍ ብቛንቛታት ትግርኛ ይኹን ዓረብ ተዳልዩ እንተዝቐርብ ብዝያዳ ሸትኡ ምወቐዐ ዝብል ግምት ኣሎና።

BBCመንግስቲ ኤርትራ ንብጹእ ወ ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቦና ኣንጠንዮስ ንዝገብረሎም ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝዅንን ናይ ጸሎት ስነስርዓት ኣብ ለንደን ከምዝተኻየደ ቢቢሲ ኣብ ሰስፈሮ ዓንቀጽ ሓቢሩ።

HREነቦይ ነደይ፡ ንብዓልቲ ኪዳንይ ንሓድገይ ከይበሉ ጀጋኑ ኤርትራ ዝተደፍኡሉ ናይ ደም መሬት፡ ምስ ሓጥያትኩም ትረግጹዎ ዘለኹም ኣዛብእ ኤርትራ፡ ወይልኹም! ኣብ መንጎ ኪወግሓኩም እዩ!

NSመንእሰይ ሞተር ሃገር ተባሂሉ ብክንክን ጥዕናን፣  ብትምህርቲ፣  ብሃናጺ መግቢ፣ ስፓርት ወዘተ፣ ተኾስኪሱ ክዓቢ ዝግባእ ቀንዲ ክፋል ናይ ሕብረተ ሰብ ኣካል እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ኤርትራና ብግልብጥሽ ኮይኑ፣ ክውዒ ብማንካ ክዝሕልን ብኢድካ ከምዝበሃል፣ ኩናት እንተመጸ ንዕኡ፣ ስራሕ ባርነት እንተሎ ንዕኡ፣ ግፋ እንተመጸ ንዕኡ፣ ስም ምኽፋእ እንተመጸ  ንዕኡ፣ ብዓቢኡ ድማ ግዳይ ናይ ስደትን መከራን ሽግርን ኮይኑ ይርከብ።

ERI TVኣብ መንግስታዊት መደበር ቴሌቪዥን ኤርትራ “ኤሪ-ቲቪ”፡ ኣገልግሎት ቋንቋ ዓረብ፡ ኣቕራቢት ዝነበረት ጋዜጠኛ ፋትሕያ ኻልድ፡ ካብ ቅድሚ ወርሒ ጀሚራ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ተኣሲራ ከምዘላ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

GBቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ንዓባይ ብሪጣንያ ን10 ዓመት ዝመርሐ፡ ቶኒ ብሌየር፡ ኣብ መንግስቱ ከም ቻንሰለር ን10 ዓመት ንዘገልገለ ጎርደን ብራውን ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ 27 ሰነ ስልጣኑ ብወለንታ TBኣረኪቡዎ።