Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Deporteesብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም 3 ደቅንስትዮ ዝርከባኦም 12 ኤርትራውያን ካብ 2-17 ኣዋርሕ ኣብ  ቤት-ማእሰርቲ ግብጺ ክሳቐዪ ድሕሪ ምጽናሕ ‘ዮም ብ 3 መስከረም ኣዲስ-ኣበባ ኣትዮም፡፡ እቶም 7 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝነበሩ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ፋይናንሳዊ ማዕከን ህግደፍ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምስሳን፡ ኣጽዋር ንምሽማትን ናብ ዝተፈላለየ መኣዝናት ንምስግጋርን፡ ከምኡውን እቲ ስርዓት ብኣትኵሮ ዝነጣጠፈሉ ውዲታዊ  ተልእኾታት ንምስልሳል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ፡ ተዋፊሮም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 19 ልኡኻት ህግደፍ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ  ምንጭታት ሓቢሮም።

ካብቶም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምጽዋዕ ንስርዓት ህግደፍ ንዝተቓወሙ ኣባላት ጉጅለ 15 ኣብ ብሕታዊ ጋዜጣታት ብምእንጋዶም ብ23 መስከረም 2001 ተኣሲሮም ኣብ ምስጣራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐዩ ካብ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኣርባዕተ ከምዝተሰውኡ ካብ ኤርትራ ብዝተረኽበ ሰነድ ተረጋጊጹ። (ሰነዳት ቀሪቡ ‘ሎ)

 abuneስርዓት ህግደፍ ብዘዋሃዶ ሽርሒ ንኣቡነ ኣንጠንዮስ ተኪኦም ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ከምዝተኣሰሩ ዘይተረጋገጹ ሓበሬታት የመልክቱ።

ካብ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣትሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ተዳጕኖም ዝጸንሑ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት መንግስቲ፡ ስርዓት ህግደፍ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝሰወሮም ምንጭታት ሓቢሮም።