Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ሽወደን ን6 ዓመት ከምዘይሕጋዊ ስደተኛ ክቕመጥ ዝጸንሐ ወዲ 28 ዓመት ተስፋልደት ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣስታት 1. 2 ሚልዮን ክሮነር ሽወደን ወይ ድማ ኣስታት 170 ሽሕ ዶላር ዕጫ ሎቶሪ በጺሑዎ፡ ነዚ ብጽቡቕ ዕድሉ ዝረኸቦ ዓወት ክቕበል ሎሚ 5 መስከረም ኣብ ቴለቪዥን ከምዝቐረበ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፖሊስ ግብጺ፡ ሓንቲ ጓል 37 ኤርትራዊት ኣደ ጓል 8ን 10 ኣዋልድ ደኣ ሒዛ ካብ ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግር ከላ ኣብ ዶብ ብጥይት ቶኪሶም ከምዝቐተሉዋ ብቐዳም 16 ለካቲት ሮይተርስ ካብ እሽማዒልያ፡ ግብጺ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።