Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 እዚ ዛጊት ረኺብናዮ ዘለና ኣስማትን ትውልዲ ዓድን ናይቶም ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ክብሉ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 2009 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 75 ኤርትራውያን  ግዳያት ህልቂት ምሉእ ከምዘይኮነ እናኣዘኻኸርና፡ ዝተማለአ ሓበሬታ ዘለኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ13 ነሓሰ 2009 ኣብ ማይ-ኣጣል ብተጋዳላይ ዳኒኤል ሃብተ ይሕደጎ ናይ ቅትለት ፈተነ ካብ ዝካየደሉ ንደሓር ፍጹም ከምዘይተራእየ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ 18 ነሓሰ ከካይዶ ኣቐዲሙ ሒዙዎ ዝጸንሐ ናይ ሃገረ – ቐጠር መገሻ ከምዝቦኾረ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

 khalid….ሎሚ’ውን ሓድሕድ ተኻባቢርና: ሓሳባትና ተሰማሚዕና ንነዊሕ ዝጠመተ ልቦና ዝመልኦ ኣካይዳ ክሳብ ዘየማዕበልና መጻኢና ቀሊል ከምዘይከውንን እዚ ወልቀመላኽነት ከኣ ከምቶም ኣብ ኩሉ ክፋል ዓለምና ዝተራእዩ ምልክታት ኣብ ሓጺር ጌዜ እንተሓድሓድ ተበላሊዑ እንተ ብሰንኪ ዓንዳሪ ኣካይዱኡ ነዊሕ ከምዘይጸንሕን ክፈራኸስ ምኻኑን ገፋዕቲ ድማ ጽባሕ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ምኻኖም ደጋጊምና ክንዝክርን ከነዛኻኽሮምን ይግባእ::