Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Yakobያቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ነርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ ናብ ኤርትራ ምስከደ  ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ምስ ተኣስረ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

Yakobያቆብ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ነርወይ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ፡ ናብ ኤርትራ ምስከደ  ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኑ ምስ ተኣስረ ሃለዋቱ ጠፊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

12 ተወላዶ ሰቲሞን ሌ/ኮሎኔል ዑስማን ኣቡጠዊላ ዝተባህለ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት   ንኡስ ዞባ ተሰነይን ተኣሲሮም።

ሰራዊት ሲሪላንካ ንብረት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብመንግስቲ ናይታ ሃገር ዝተሳዕረ ምንቅስቃስ ‘ታሚል ታይገርስ’ ዝኾና 12 ነፈርቲ ውግእ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓቝበን ከምዘለዋ ምግላጹ ‘ቮይስ ታሚል’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ስርዓት ህግደፍ 80ታት ዝዕድሚኦም ሰለስተ ኣረጋውያን ኣመንቲ ክርስትና ካብ ወተሃደራዊ ቤትማእሰርቲ ከምዝፈትሐ ‘ቦስ ኒው ላይፍ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ፡ ተጣበቕቲ መሰል እምነት ክርስትና ንዝሃቡዎ መረዳእታ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ገለ ሰበስልጣን ሱዳን ብምትሕብባር ብ ክልተ ጥሪ 2009 ካብ ካርቱም፡ ከላክላ ጉባ ካብ ዝተባህለ ቦታ ንሓደ ማሕሙድ መሓመድ ንስሙ ዜጋ ከምዝጨወዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ቦታ ሓቢሮም።

Robelዓሚ ሕዳር ኣብ ልዕሊ ሮቤል ተወልደ ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝምቕማጡ ኤርትራዊ ተማሃራይ ዝተኸሰ ጀርመይን ካሉም ዝተባህለ ገበነኛ፡ ጉዳዩ ኣብ ቤትፍርዲ (Old Bailey) ድሕሪ ምስምዑ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ይጽበዮ ከምዘሎ South London Press. ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሰሉስ ሕታሙ ሓቢሩ።

IREX ዝተባህለ ኣህጉራዊ መጽናዕታዊ ትካል፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣተኵሩ ኣብ ዘዳለዎ ናይ 2007 ጸብጻብ (Media Sustainability Index – 2007) ፡ ኤርትራ ነጻ መራኸቢ ብዙሃን ዘይብላ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምዃና፡ ህዝባ ሚዛናዊ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ኮነ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ምስትምቓር ኣዝዩ ተወጺዑ ከምዘሎ ብመርትዖ ዝተሰነየ መረዳእታ ኣቕሪቡ።

MWማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ማልታ ብምጕሳይ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝፈጸሙ ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም 250 ስደተኛታት ኣብ ላምፐድሳ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ታይምስ ዝተባህለ ናይ ማልታ ጋዜጣ ሓቢሩ።