Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢሳያስ ቀይሕ መስመር ሰጊሩ ንኢትዮጵያ ክወርር ምስ ዝፍትን: ኢትዮጵያ ዳግማይ ከም ዘይትንስእ ስጉምቲ ከም እትወስደሉ ዝጸንሐ ፖሊሲን ስትራተጂ  ሃገሩ ከምዝኾነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ:: ንሱ : ምስ  ጽንዓት ዝተሰምየ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ራድዮ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ: ኢሳያስ ዓቕሙ ብምድኻሙ ንኣሽቱ ምትኹታኹ ይገብር

READ MORE

ስርዓት ህግደፍ፥ ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ንምልማሳን ምርማሳን ዘካይዶ ዘሎ ሓደገኛ ተግባራቱ፥ ኣዝዩ ሓያል ብዝኾነ መገዲ ይቕጽሎ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ፥ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ካብተን  ናይ ስለያ ትካላቱ ንምግባራን ብዘለዎ ሓይሊ ኣብ ምሉእ ምቁጽጻሩ ንምእታው ብቐጻሊ ይዓየሉ ኣሎ። እታ ቤተ ክርስቲያን ባህላዊት ሃይማኖት ንምግባራን፥ መራሒ

READ MORE

ስርዓት ህግደፍ ሓደ ካብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ክጥቀመሉ ዝጸንሐን ዘሎን ሽጣራታትን ተንኮላትን፡ ኣብ መንቀራቅሮ ኣትዩ መውጽኢ ምስሓርበቶ፡ ካብ ተሓታትንት ንምህዳም፡ ሓቅታት ንምጥምዛዝን ተሓላቂ ንምምሳልን፡  ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋር ዘውጽኦን ዘካይዶን ዘቆጸልጽል መግለጺታትን ዘካይዶ መናውራታት’ዩ። ኮሚሽን ተጠባዊ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት፡ ነቲ በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ራሕሪሑ ከምዝተሸርበ ብመርበብ ሓበሬታ demo.archive.assenna.com ተጠቒሱ ዝነበረ 1ይ ጸሓፊ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ነበር ኣልኣሚን ናፍዕ ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ሓቢሮም። ነቲ ሓበሬታ ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበራ መርበብ ሓበሬታ farajat.net ‘ውን ኣረጋጊጻቶ። ኣቶ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ “ እቲ ስርዓት

READ MORE

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቲቢ ኤረ ምልካዊ መራሒኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ “ብሰንኪ እቶም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ዝበኵር ዕማም የለን፣ ብዘይብኣቶም ኳ ይሰልጠና ናይ ጉልበት ጸገም የብልናን” ፣ እናበለ “ክኸይድ ዝደለየ ይኺድ” ዝዓይነቱ ዘይሓላፍነታዊ መልእኽቲ ዝዳሕድሐ ምልካዊ ስርዓት፣ ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ

READ MORE

ኣብ ጅቡቲ፣ ሖልሖል ኣብ ዝብሃል ቦታ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ጅቡቲ ከምዝተጋፍዑ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ኣብቲ ቦታ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣንቀሳቐስቲ ተባሂሎም ሸውዓተ ሰባት ዓሊ ሰባሕ ሰቢሕ ናብ ዝተባህለ ካልእ ቦታ ተወሲዶም ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ይሕብሩ። እቲ ኩነታት እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኣተሓሕዛኦም

READ MORE

እታ ብሰንኪ ጃምላዊ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ተጻወቲ፣ ካብ ተሳታፍነት ኣህጉራዊ ውድድራት ንነዊሕ ኣቋሪጻ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2018፣ ኣብ መንጎ 140 ሃገራት ተሰሊፋ ክትሳተፍ ምዃና ፊፋ ሓቢሩ። ። ኣብቲ ኣብ ራሻ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ንምስታፍ፣ ካብ 5 ክሳብ 13 ጥቅምቲ

READ MORE

 ንኤርትራ ካብ ሕሰም ንምድሓን ስምረት የድሊ ጻዋዒት ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣርኣያ ደበሳይ ፕሮፈሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደላወር ኣሜሪካ መእተዊ- ” ድምጺ ኤርትራ” ዝተሰምየ ጉጅለ ኣብ’ዚ ቀረባ ጊዜ ክልተ ዓንቀጻት ጽሒፉ:: እቲ ናይ ፈለማ ” ቅልጡፍ ኣድማዕን ነባሪ ፍታሕ ንሕሰም ኤርትራ” ኣብ ዓዋተ.ኮም ግንቦት 16, 2015: እቲ ካልኣይ

READ MORE

ንኹሉ ወዲ ሃገር ሓልፍነት ዝስምዖ፡ ግዱስን፡ ተቖርቛርን ብህዝቡን፡ ብሃገሩን! ንዝተሰዉኡን፡ ኣብ ቤት ማእሰርትን፡ ኣደራዕ ዝዓሰሎ ኣገልግሎትን ዝርከቡ፡ ኣብ ስደት ኮይኖም ከይደቀሱ ንዝሓድሩን፡ ኩሎም ጽንዓትን፡ ኣስተውዕሎን፡ ንጹርን ዝኾነ ኣተሓሳስባን፡ ሕላናኦም ከየዕረቡ ኣብ ቃልሲ ዝርከቡን፡ ሰላምን ትዕግስትን ምስ ኩሉ ተጻዋርነት፡ ኣብ ክብ ዝበለ ምርድዳእን፡ ምክብባርን ክህሉዉ እናተመነኹ፡

READ MORE

ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዘካየዶ ዑደት፡ ኣብ ከባቢናን ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለምን፡መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ቐኒዩ ኣሎ።ኦባማ፡ ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክገበር ምዃኑ፡ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን ዓቢይ ዛዕባ ኮይኑ ከምዝነበረ ናይ ቐረባ ተዘኽሮ’ዩ። ኦባማ፡ናይታ ዓባይን ሓያልን ሃገር ዝኮነት ኣሜሪካ፡መራሒ ከም ምዃኑ መጠን፡ ካብ ጫፍ ናብ

READ MORE

  ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ነባሮ ኮሎራዶ - ኣኼባ ኣብ`ዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ክዝቲ`ዩ። ንባይቶ ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፣ ንህዝብዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፣ ንሂሩ ንዝበጋግሰ ዘሎ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኤርትራውያን ንፍትሒ፣ ንቕድሚት፡ ንሕና ከም ህዝቢ ከነተኩሮሎም ዝግባእና መደረኻዊ ጉዳያት   ንዕለት 15 ነሃሰ  2015፡ ኣብ ክለብ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ኮሎራዶ። ንሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ፡ ብተገዳስነት መጺእኩም ግዴኹም

READ MORE

ከይንጠፍእ እናሰሓቕና ብሓባር ነድሕና ሃገርና Tesfamariam Wel. 29/o7/2015 Norway ደገፍቲ ተቓወምቲ ምባል ይጽናሓልና ኣብ ጠልጠል ዘላ ሃገር ቅድም ነድሕና ዕድል ኣይንሃቦም ጸላእቲ ከይጎብጥና ስወር ከይትብል ኣይንዓኹም ኣይንዓና   ንጉዳይና ኣይንርአዮ ብህልኽ ብጽልኢ ኩፍእ እናረአኻ ዓገብዩ ምባል እንድዒ ብሕልፊ ኣብ ግዳም ዘለና ስደት ወጻኢ ተጠመቲ ኣይንኹን ብሕማቕ ተጸዋዒ   ካብ ብማዕዶ ዝዕዘቡ ኣየብቲ ኣይምስቲ ጎራሓት እና ጋጨዉ ዝነብሩ መታለልቲ ሓሚቑ ጸቢቑ ኣብ መትክሉ

READ MORE

ኣማኑኤል ሳህለ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ: ይብል ነበረ ንጉስ ሰሎሞን። ማለት ብናይ ሕጂ ኣዘራርባ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንምንብርካኽ: ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ንዘይምንብርካኽ። ንህግደፍ ምጽዋር: ንህግደፍ ንዘይምጽዋር። ኽልተ ካብ ሚእቲ ንምኽፋል: ኽልተ ካብ ሚእቲ ንዘይምኽፋል። ኣብ መቓብር ደቅኻ ንምስዕሳዕ: ስለ ዝሳዕሳዕካ ደኒንካ ንምብካይ። ዓድኻ ገዲፍካ ንምኻድ: ንዓድኻ ንምምላስ:

READ MORE

ብ 25 ሓምለ ኣብ ዜና ኣሰና ከምዝትዘርግሐ፣ ከም ምኽትል ኣምባሳደር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢማራት ዓረብ ዝዓዪ ዝነበረ 1ይ ጸሓፊ ኣልኣሚን ናፍዕ ከምዝራሕርሖ ዝተገንዘበ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ብኣጋጣሚ ኣብ ኣስመራ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ኢማራት ዓረብ ዑስማን መሓመድ ዑመር ናብ ምዱብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ናብ ኢማራት

READ MORE

እታ ትውልዲ ዓደቦ፣ ቀዳማይ ጸሊም ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾነት ሃገረ ኬንያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፣ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ብዝገበሮ ወግዓዊ ምብጻሕ፣ ብሃፈጽታ ተስፋ ፉሕፉሕ ክትብል ቀንያ። ወሓለታት ስነጥበበኛታት ዝወቀጡዎ ምስሊ ኦባማ ዝተለጠፎ ማልያታትን ፖስተራትን ኣብ ጎደናታት ክሸጡ ዝቐነዩ ርሂጸ በላዕ፣ ትርኢትን መልእኽትን ኦባማ ከይሓልፎም ቴለቭዥናት

READ MORE

መንነት ከም መጣልዒ- ኬነት ካውንዳ ኣብ 1924 ኣብ ኩብዋ ሰሜን ሮደዥያ ተወሊዱ:: ኣብ 1949 ጸረ-መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ መሪሕ ተራ ነበሮ:: ኬነት ካውንዳ ኣብ 1950 ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ንናጽነት ዝተቃለሰ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ  ንዛምቢያ ናብ ናጽነት ዘብቅዐ’ዩ:: ንሱ ዛምብያ ኣብ 1964 ናጽነታ ምስ

READ MORE

ኣብ ኣቡዛቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ 1ይ ጸሓፊ ዝነበረ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ በቲ ስርዓት ናይ ስራሕ ግዜኻ ኣእኪልካ ተባሂሉ ናብ ኣስመራ ክምለስ ድሕሪ ዝተዋህቦ መጸዋዕታ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ኣብ ወጻኢ ተሸሪቡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣቶ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ ብኣባላት ኤምባሲ ናይቲ ስርዓት ኣብ ኣቡዛቢ ወግዓዊ መፋነዊ

READ MORE

ኤርትራ ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ከባቢኣን ዘሎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን  ቅልውላው፡  ከምኡ’ውን ዘለዋ እስትራተጂካዊ ኣገዳስነትን ተጠማትነትን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ትርከብ። ገለ ኣንበብትን ሰማዕትን፡ ጽቡቅ፡ ሕማቅን ዘሎኒ ስክፍታን  ስለዝገለጽኩ “ ከመይ ኣፍካ ከልቢ ይሽነሉ” ዝብሉ ኣይስኣኑን፡ ባህርያውን ዝጽበዮን’ዩ ድማ። የግዳስ  ሰላምን ብልጽግናን

READ MORE

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ መብዛሕትኡ ክሽነታት (መግቢ ዚስርሓሉ ክፍሊ-ቤት) ምዕራብ ኤውሮጳን ኣመሪካን: ትኪ ኣለሊያ ጢጥ እትብል መሳርሒት ኣላ። ኣብቲ ክሽነ: እቶን ወይ ጋዝ ወሊዕካ ምስ እትርስዖ: እቲ ኽፍሊ ብትኪ ይመልእ እሞ: እታ መሳርሒት ጢጥ ወይ ጭር ብምባል ንኣኻን ንኽፍሊ መጥፋእቲ ሓውን ትሕብር። ቤትካ ከይተሃሞኸ ኸሎ ኸኣ ቦምቤረ

READ MORE

ድምጽና ዝብሃል ብኤርትራውያን ሰብ ሞያ ዝቖመ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ጉጅለ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝነጥፍ ሓዱሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ንምምስራት ዘኽእል ናይ ስራሕ ውጥን ዘርጊሑ። እቲ ድምጽና፣ ሎሚ 23 ሓምለ 2015፣ ውጥን፣ ንህጹጽ ትግባረ፣ ምምስራት ሓድሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ

READ MORE