ዲክታቶር ኢሰያስ፡ ብጉልባብ መበል 18 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ “ቃለመጠይቕ ኣግብሩኒ’’ ኢሉ ምስ ዝዓደሞም ማዕከናት ዜና በብተራ ቃለ ኑዛዜ ይፍጽም ኣሎ

መራሒ ኤርትራ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ካብ መጀመርታ ሰሙን ናይ’ዚ ወርሒ እዚ ጀሚሩ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ቃለመጠይቕ ዝህቦ ዘሎ መልስታት፡ ከምቲ ልሙድ ብሓሶትን ባዶ ዘይጭበጥ ሕልማዊ ውጥናትን ዝተረቕሐ ኮይኑ፡ ንምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዓይኒ ዘንቁር ሓሶታቱ ህዝቢ ኤርትራ ከይሰምዖ ምእንቲ፡ በቲ ምእዙዝ ኣገልጋሊኡ ዝኾነ ሚኒስትሪ ፕሮፖጋንዳ ተመሪጹን ተቘንጪሉን ንሃልኪ ውሽጢ ይቐርብ ከምዘሎ ምንጪታት ሚኒስትሪ ዜና ኣፍሊጦም።




ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣልሚሱ በታ ውልቃዊ ንብረቱ ዝኾነትን ኣብ ምጽዋዕ ዝመደበራን ናስ ኣየር ዝተባሃለት መንገዲ ኣየር ተኪእዋ። በዚ መሰረት እዚ ካብ ዕለት 19 ሚያዝያ 2009 ጀሚሩ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ንፍርንክፈርትን ኣምስተርዳምን ተካይዶ ግዕዞ ከምዘቋረጸቶን እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ገለ ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ይሓቱ ገለ ድማ ናብ ናስ ኣየር ተሰጋጊሮም ኣለዉ።
እቲ ንኤርትራ ምስ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ ዜግነት ከኣ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ኣዳሪጉ ዝርኢ፡ ሃገር እናጥፍአ ብስም ሃገራውነት ክሽቅጥ ዝነብር ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ንሱ ዝወደቦ ደገፍቱ ጥራይ ዝሳተፉዎ ጽምብል ናጽነት ወጻኢ ብኻልኦት ሃገራውያን ንዝካየድ በዓል ናጽነት፡ “ ናይ ምምቕቓል” ካኼባ ምዃኑ ብምዅናን፡ ኤርትራውያን ከይሳተፉዎ ከምዝወገዘ፡ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ብዝዘርግሖ ደብዳበ ተረጋጊጹ።



ሎሚቕነ ጋንታ ህግደፍ፡ መቃነዪ ተዋስኦታት ከቕርብ ቀንዩ ኣሎ። ጸረ-ብልሽውና ዝመስል ተዋስኦ።
