Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ ካብ እኩብ ድምር ናይ ዘጽናዕክዎን ዘንበብክዎን ዝተመኰርክዎን ዓይነት ሓበሬታታት ምርኩስ ብምግባር ሚዛነይ ኣብ መንገዲ ዓወት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምክፋል ብልቦና ንኽትመዝንዎ ኣተሓሳስብ።

eriእቲ ንኤርትራ ምስ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ ዜግነት ከኣ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ኣዳሪጉ ዝርኢ፡ ሃገር እናጥፍአ ብስም ሃገራውነት ክሽቅጥ ዝነብር ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ንሱ ዝወደቦ ደገፍቱ ጥራይ ዝሳተፉዎ ጽምብል ናጽነት ወጻኢ ብኻልኦት ሃገራውያን ንዝካየድ በዓል ናጽነት፡ “ ናይ ምምቕቓል” ካኼባ ምዃኑ ብምዅናን፡ ኤርትራውያን ከይሳተፉዎ ከምዝወገዘ፡ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ብዝዘርግሖ ደብዳበ ተረጋጊጹ።

ከም ኣብነት ናይዚ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ሽማግለ ብዓላት ኣትላንታ ዝለኣኾ ደብዳበ ተመልከቱ።

ዝቐደመን ዝደሓረን ጉዳይ ዶብ፣ ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ክፍታሕ ንጽዉዕ፣ –  ብማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ደሞክራስን ኣብ ስዊስ

ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ጸገምን ኣደራዕን እንታይ ይመስልን ከመይ ጌሩ ክፍታሕ ይኽእልን ብዙሓት ተባዓት ዜጋታት ብድርሰታዊ ክእለቶም ብደርፎም ብግጥሞም ኮታስ ብኽገልጽሉ ዝኽእሉ ኣጋባብ ጌሮም ናብ ዘይፈለጠን ዘይተረድኤን ከረድኡን ሓሳባቶም ከሰጋግሩን ፈቲኖም፡፡ ንስምዓዮም ኣይንስምዓዮም ኣይኮነን እቲ ሕቶ፡፡ እቲ ሕቶ እቶም ዝኽእሉ ዜጋታትሲ ሓላፍነቶም ይገብሩ ኣለው፡፡

ኣቦ ወንበር ናይቲ ‘ሕብረት ተጋሩ ንደሞክራስን ልኡላውነትን’ ብዝብል ስም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ሓድሽ ሰልፊ ዝኾነ ገብሩ ኣስራት: ሓደ ካብ ኣጀንዳታት ናይ’ዚ ሓድሽ ሰልፉ “ንዓሰብ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ” ከምዝኾነ ሪፖርተር ንዝተባህለ ጋዜጣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠየቕ ኣፍሊጡ።