Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 

Tewahdoትማሊ ክልተ ንግዚኡ ስሞም ክንዕቅቦ ዝመረጽና ኣሕዋት ካብ እስራኤል ደዊሎም እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ሂቦምና።

idc

ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳይያ ኣፈወርቂ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ማለት ካብ 1976 ኣትሒዙ ዝተኣከበን ዝተጸንዐን ዝተሰነደን ንታሪኽን ቋንቋን ባህልን መበቆልን ሃይማኖትን ሃብቲ ባሕርን መሬትን ያታዊ-ሕግታትን ዘጠቓለለ፡ ብድምር ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ገጻት ዝሓዘ ሰፊሕ መዝገብ፡ ዝኾነ ይኹን ቅዳሕ ከይተርፍ ኣጻርዩ፡ ብምሉኡ ነቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈት መጽናዕትን ስነዳን ምርምርን ናብ ቤትጽሕፈቱ ብምውሳድ፡ ፡ ንኸይሕተም ከምዝኣገዶ ምንጭታትና ምስናይ መሪር ሓዘን ገሊጾም።

eriእቲ ንኤርትራ ምስ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ ዜግነት ከኣ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ኣዳሪጉ ዝርኢ፡ ሃገር እናጥፍአ ብስም ሃገራውነት ክሽቅጥ ዝነብር ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ንሱ ዝወደቦ ደገፍቱ ጥራይ ዝሳተፉዎ ጽምብል ናጽነት ወጻኢ ብኻልኦት ሃገራውያን ንዝካየድ በዓል ናጽነት፡ “ ናይ ምምቕቓል” ካኼባ ምዃኑ ብምዅናን፡ ኤርትራውያን ከይሳተፉዎ ከምዝወገዘ፡ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ብዝዘርግሖ ደብዳበ ተረጋጊጹ።

ከም ኣብነት ናይዚ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ሽማግለ ብዓላት ኣትላንታ ዝለኣኾ ደብዳበ ተመልከቱ።

Cafe

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ብጥምየትን ድኽነትን ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸማጢጡ ካብ ዘዋህለሎ ቢልዮናት ዶላራት፡ ብኸፊል፡ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈታት፡ በቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ዝተመልመለ ፍሉይ ኣሃዱታት ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብረለን ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።