Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Mehamed nurኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ወናኒ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት ከም መቐጸልታ እቲ ሕሱር ናይ ዓሰባ ባህርያቱ ሕጂ’ውን ስም ተቓለስቲ ንምጥፋእ ነቲ ብኣምባሳዶር መሓመድ-ኑር ኣሕመድ ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣልናህዳ ብቋንቋ ዓረብ ዝተገብረ ቃለ-መሕተት ፈጺሙ ንሱ ብዘይበሎን ዘይተዛረቦን ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣትርረጓጉማ ተርጒሙ ጸሎሎ ክቐብኦ ከም ዝፈተነ ኩሉ ዝተዓዘቦ ኢዩ።

Mehamed nurኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ወናኒ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት ከም መቐጸልታ እቲ ሕሱር ናይ ዓሰባ ባህርያቱ ሕጂ’ውን ስም ተቓለስቲ ንምጥፋእ ነቲ ብኣምባሳዶር መሓመድ-ኑር ኣሕመድ ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣልናህዳ ብቋንቋ ዓረብ ዝተገብረ ቃለ-መሕተት ፈጺሙ ንሱ ብዘይበሎን ዘይተዛረቦን ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣትርረጓጉማ ተርጒሙ ጸሎሎ ክቐብኦ ከም ዝፈተነ ኩሉ ዝተዓዘቦ ኢዩ።

pia

መራሒ ኤርትራ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ካብ መጀመርታ ሰሙን ናይ’ዚ ወርሒ እዚ ጀሚሩ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ቃለመጠይቕ ዝህቦ ዘሎ መልስታት፡ ከምቲ ልሙድ ብሓሶትን ባዶ ዘይጭበጥ ሕልማዊ ውጥናትን ዝተረቕሐ ኮይኑ፡ ንምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዓይኒ ዘንቁር ሓሶታቱ ህዝቢ ኤርትራ ከይሰምዖ ምእንቲ፡ በቲ ምእዙዝ ኣገልጋሊኡ ዝኾነ ሚኒስትሪ ፕሮፖጋንዳ ተመሪጹን ተቘንጪሉን ንሃልኪ ውሽጢ ይቐርብ ከምዘሎ ምንጪታት ሚኒስትሪ ዜና ኣፍሊጦም። 

ኣቦና ሃብተማርያም ኣብርሃ ኩነታት ኤርትራ ትማልን ሎምን ጽባሕን ብዝብል ኣርእስቲ ብ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ዝሃቡዎ መልስታት ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።  ቃለ መጠየቕ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ምስ ኣቦና ሃብተማርያም ኣብርሃ።

READ MORE

dehaiEritreaክቡር ኣምባሳዶር መሓመድ ኑር ኣሕመድ ምስ ተለቭዥን ደሃይ ኤርትራ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ናይ ስርዓት ህግደፍ ውዲት ኣብ ጉዳይ ጠንቂ ናይ ዶብ ምስሕሓብን ከምኡውን ብድሕሪኡ ዝተፈጥረ ውዲት ምእሳር ሓለፍቲ ሰበስልጣን ዓበይቲ ዓድን ጋዜጠታትን የቓልዕ፡፡

mesfin_hagosቃለ መጠይቕ ምስ መስፍን ሐጎስ — አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ 

አቕራቢ ጋዜጠኛ – ወልዱ ሚኪኤል
ኤርትራ ንኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ካብ መሬታ ክውጽእ ምውሳና፡ ብሕጊ ምኽኑይን ብዲፕሎማሲ ሓጋዚንዶ ነይሩ፡ ወይስ ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ሃሳዪ?

ኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፡ ኣብ ኤርትራ ክዕስከር ዝብል ውሳነ፡ ምስ ምሕንጻጽን ኣብ ባይታ ምምልካትን ናይቲ ሓድሽ ውሳነ ዶብ ብምትእስሳር ማለት ኢዩ’ምበር፡ ደረት ንዘይብሉ ግዜ ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ኣይኮነን። ኮሚሽን ዶብ ብይኑ ሂቡ። ኣብ ባይታ ከይተመልከተ እነሆ ዳርጋ ሽዱሽተ ዓመቱ ቀሪቡ። ውሳነ ኮሚሽን ዶብ፡ ኣብ ግዜኡ፡ ኣብ ባይታ ብምሕንጻጽ ተተግቢሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ምስሕሓብ ዶብ ኣብቂዑ ምዀነ ነይሩ። ምስሕሓብ እንተ ኣብቂዑ፡ ዓቃብ ሰላም ክሳብ ሕጂ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ኣይምነበረን። ዶብ፡ ኣብ ባይታ ክሳብ ዘይተሓንጸጸ፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ኣለዎ ማለት ቅኑዕ ኣይመስለንን። በቲ ካልእ መዳይ፡ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ብድሌት ኣኣንጋዲ ሃገር ኢዩ ሰፊሩ። ኣኣንጋዲ ሃገር ኣይደለዮን፡ ይወጽእ። ብምውጻእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዝኽተል ሳዕቤን እንተ ሃልዩ፡ ናይቲ ሃገር ሓላፍነት ይኸውን።

Isaiasፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ኩነታት ኣመልኪቱ፡ ዝመጽእ ሰሙን ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሰፊሕን ዝርዝራውን ቃለ-መሕትት ኪገብር ምዃኑ ኣቐዲምና ንሕብር።