Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፋይናንሳዊ ማዕከን ህግደፍ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምስሳን፡ ኣጽዋር ንምሽማትን ናብ ዝተፈላለየ መኣዝናት ንምስግጋርን፡ ከምኡውን እቲ ስርዓት ብኣትኵሮ ዝነጣጠፈሉ ውዲታዊ  ተልእኾታት ንምስልሳል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ፡ ተዋፊሮም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 19 ልኡኻት ህግደፍ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ  ምንጭታት ሓቢሮም።

ፋይናንሳዊ ማዕከን ህግደፍ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምስሳን፡ ኣጽዋር ንምሽማትን ናብ ዝተፈላለየ መኣዝናት ንምስግጋርን፡ ከምኡውን እቲ ስርዓት ብኣትኵሮ ዝነጣጠፈሉ ውዲታዊ  ተልእኾታት ንምስልሳል፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ፡ ተዋፊሮም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ 19 ልኡኻት ህግደፍ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ  ምንጭታት ሓቢሮም።

somalia

ሚኒስተር ጸጥታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዑመር ሓሺ ኣደን ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ኣጽዋር ዝጸዓነት ናይ ኤርትራ ነፋሪት ብላድ-ዶግለ ኣብ ዝብሃል ካብ መቓድሾ 100 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ታሕተዋይ ሸበሌ ኣብ ዝርከብ  መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለበት ብምጥቃስ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ብምእታዉ ከምዝኸሰሶ፡ APA ዝተባህለ ናይ ኣፍሪቃ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ካብ ኢራን ዝተበገሰ ኣጽዋር ናብ ሓማስ ከሰጋግሩ ኣብ ዶብ ሱዳንን ምስርን ብደብዳብ ኣየር ዝተቐትሉ ሓደ ኮለኔል ዝርከቦም ህግደፍ ናብ ጥፍኣት ዝለኣኾም መኮንናት ኤርትራ።  (ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ዝለኣኹዎ)

ኣብቲ ብዕለት 12 ጥሪ 2009 01፡36 ወጋሕታ ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ጸይቀ ዕሉል ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምኽትል ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ) ዝኾነ ኮሎኔል ኣፎወርቂ ሞሳዝጊ ዝርከቦም 6 ሜጀራትን 2 ካፒተናትን ከም ዝተቐትሉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ግብረሽበራውያን ትሕግዝ እያ ካብ ዝብል ሻቕሎት ተበጊሳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ኣጽዋር መሸጣ እገዳ ከምዘጽንዐት ኣገልግሎት ዜና ኣሾሼትድ ፕረስ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ኣጽዋር ብምጥሓስ ጸረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣጽዋር ምቕባል ትቕጽል ኣላ ክብል ዘቕረቦ ክሲ ነጺጉዎ።

UNመንግስቲ ኤርትራ ንእገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ  ንተቓወምቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ኣጽዋር ምቕባል ከምዝቐጸለ  ብባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ክከታተል ዝተመዘዘ ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።