Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Bostonየእምሮና እንተ ዘይደንዚዙ: ሕልናና እንተ ዘይተቐቢሩ፣ ሎሚ ኤርትራ ሕድሪ ስዉኣታ ተጠሊማ፣ ብዕርቃን ግዝኣተ ሕጊ ዝባና ሰምቢሩ፣ ህዝባ ከይዛረብ ኣፉ ተዓቢሱ፣ ከይሰርሕ ተኸልኪሉ፣ ረዲኤት ከይረክብ ተኣጊዱ ብዓጸቦ ዝማስነላ፣ ከም ሓምሊ ቍራዕ ብሽግርን ተስፋ ምቝራጽን ዝበስለላ፣ ደቃ ካብ መኣዲ ትምህርትን ምህናጽ ስድራ ቤትን ተዀሊፎም ኣብ ወፍሪ ወተሃደራዊ ባርነት ተጸሚዶም ዝነብሩላ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኰይና ምህላዋን፣

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ማለት ኣብ ዕለት 01 ግንቦት 2009 ዓ-ም ኣብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ሎንዶን እቲ ብምልኣት ህዝቢ ዝፈንፈኖ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ፡ ያእዪ! እንተኾነለይ ብማለት፡ ብመሪሕነት ተስፋሚካኤል ገራህቱን ሓረጉ ተስፋማርያም ጓል ቀሺ ብጩሉቕ ኣኼባ ተጋደልቲ ብምባል እኳ እንተተጸውዐ ምንጭታትና ካብ ቦታ ኣኼባ ከምዝሓበርዎ ግን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣክል ከባቢ ሓደ ሽሕ ተጋደልቲ ዝርከብዎ ዓቢ ሃገር ክንሱ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ግን ብፍቕዲ 16   (ዓሰርተው ሹዱሽተ) ምምባሮም ኢዩ።

ዝኸበርካ ሰመረ ኣነን ንስኻን ድሕሪ’ቲ ከምስጋ ጎዛዚኹም ኣጥፍኡለይ ኢልካ ነቶ ጸላእተይ ትብሎም ዘለኻ ሕጂ ናይሽዑ ግን ጎይተትካን መሻርክትኻን ሃገራዊ ድሕነት ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይፈልጦ ቤት ማሕቡስ ደርጊምካኒ ካብትኸይድ ንመጀመርታ ግዜ ብመርበብ ሓበሬታ ሎሚ ንራኸብ ኣለና::